ድለ

2018.02.14 ዝሓለፈ ዓመት ቅዱስነቶም ኣብ ቫሲሊካ ቅድስት ሳብሪና ጾም ክጅምሩ o 2018.02.14 ዝሓለፈ ዓመት ቅዱስነቶም ኣብ ቫሲሊካ ቅድስት ሳብሪና ጾም ክጅምሩ o 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዘመነ ጾመ አርባዓ 2019 ዓምፈ

`ፍጥረት ንባዕሉ ነቲ ንደቂ እግዚአብሔር ዚግለጸሉ ጊዜ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ኣሎ` (ሮሜ 8.19)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን!

እግዚአብሔር ዓመት መጸ ብአደና ቤተክርስትያን ገሩ ‘ንምእመናኑ ብመንፈስ ነጺሖም ንበዓለ ፋሲካ ብታሕጓስ ንክሰናደው በዚ ከኣ ኣብታ ብኢየሱስ ክርስቶስ እትዕደል ሓዳስ ሕይወት ምሥጢረ  ድሕነት ከምዘስተማቅሩ ይገብሮም` (አኰተተ ቊርባን ጾመ አርባዓ)። በዚ መንገዲ እዚኸስ ንምልኣት ናይ`ታ ድሮ ተቀቢልናያ ዘሎና ጸጋ ምሥጢረ ትንሣኤ ክርስቶስ ዝኾነት ምሥጢረ ድሕነት ንክንፍጽም  ካብ ፋሲካ ናብ ፋሲካ ክንግሥግሥ ንኽእል! ‘ብተስፋ ኢና ድሒና’ (ሮሜ 8.24)። እዚ ምሥጢረ ድሕነት እዚ ድሮ ኣብዚ ምድራዊ ሕይወት እንከሎና ኣባና ይሠርሕ ኣሎ። ንምሉእ ታርኽን ኩሉ ፍጡርን ዘጠቃልል ጉዕዞ እዩ። `ፍጥረት ንባዕሉ ነቲ ንደቂ እግዚአብሔር ዚግለጸሉ ጊዜ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ኣሎ` (ሮሜ 8.19)። ብዛዕባ እዛ ጥቅሲ እዚኣ ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ እንገብሮ ናይ ለውጥን ንስሓን ጒዕዞ ንክሕግዘና ቊሩብ ኣስተንትኖ ከቅርብ ደልየ።

1.      ናይ ፍጡር ድሕነት

ናይ ሶሙነ ሕማማት ሣልስቲ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ብምዝካር ንዓመተ ሊጡርግያና ኣብ ጥርዙ እንክነብጽሖ ወትሩ ምስ ክርስቶስ ክንወሃሃድ ከምዘሎና ኣብ ልብና ሒዝና (ሮሜ 8.29) ናይ ምስንዳው መደብ ክንሕንጽጽ ይዕድመና። እዚ ከአ ወደር ኣልቦ ውህበት ምሕረት እግዚአብሔር እዩ።

ወዲሰብ ከም ውሉድ ኣምላኽ እንተደኣ ነቢሩ ከም ዝደሓነ ሰብ ኮይኑ እንተነበረ መንፈስ ቅዱስ ክመርሖ እንተፈቀደ (ሮሜ 8.14) ካብታ ኣብ ልቡን ኣብ ተፈጥሮን ዝተጻሕፈት ጀሚሩ ንሕጊ እግዚአብሔር እንተፈለጠን ኣብ ግብሪ እንተኣውዓለን ንተፈጥሮ ኣብ ድሕነቱ ብምትሕብባር ሠናይ ነገር ይገብረሉ። ስለዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ብርቱዕ ድላይ ዝገልጾ ነገር እንተሎ ደቂ እግዚአብሔር ንክግለጹ እዩ እዚ ከኣ እዚ ማለት ከኣ እቶም ብምሥጢረ ፋሲካ ናይ ኢየሱስ ጸጋ ድሕነት ዝረኸቡ ኩሎም ነቲ ፍረታት ፋሲካ ብምሉኡ ይንበርዎ። ከመይ እዘን ጸጋታት እዚኤን ኣብ ሸቶኦን ዝበጽሓሉ ነቲ ዝተወሰነለን ወዲሰብ ምስ ኣካሉ ንክድሕን ስለዝኾነ ኣብ ምሉእ ብስለቱ ክበጽሕ ኣለዎ። ፍቅሪ ክርስቶስ ንሕይወት ቅዱሳን ነፍሶም ሥጋኦም መንፈሶም ይልውጦ። እዚኦም ንእግዚአብሔር ብጸሎትን ኣስተንትኖን ምስጋናን ክብርን የቅርቡ፣ ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ከምቲ መዝሙር ሓውና ጸሓይ ኢሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ብዘደንቅ መንገዲ ዝደረሶ ጸሎት ንፍጡራት እውን ይሕውሱ፣  ኮይኑ ግን እታ ብድሕነት ናብዚ ዓለም እዚ ዝመጸት ውህደት ብኣሉታዊ ሓይሊ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ምስ ተጸገመ እዩ።

2.     ኣዕናዊ ሓይሊ ሓጢኣት

ስለዝኾነ ከኣ ከም ደቂ እግዚአብሔር ምንባር ምስ ገደፍና ንብጻይናን ንካልኦት ፍጡራትን ዘዕንው ጠባያት ነዘውትር። እዚ ዕንወት እዚ ናብ ገዛእ ርእስና እውን ይበጽሕ እዩ። ነዚ ከኣ ብፍላጥስ ይኹን ብዘይፍላጥ ንጥቅምና ቢልና እንገብሮ ነገራት እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ቅጥዒ ዝሰአነ ናብራ ከኣ ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ጥበብ ተዘርዚሩ ዘሎ ረሲዓን ወይውን ንተግባራቶም ከም መምዘኒ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘይብሎም ዝብሎም ጠባያት ኮይኑ (2.1-11) ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ስምዒታት ንምርዋይ ነቲ ኩነታት ሰብኣውነትናን ተፈጥሮን ክንሕልዎም ዝሰርዑልና ሕግታት ከምእንጥሕስ ይገብር። ቈላሕታና ናብ ፋሲካ ገርና ንትንሣኤ ክርስቶስ ክነማዕዱ እንተዘይክኢልና ንኩሉ ድላየይ ሕጂ ሕጂ ብዝብል ሥነመጎት ከም እንርታዕን እዚ ድላይ እዚ ግን ወትሩ ብዙሕ እንደለየ ዘይረዊ እዩ።

ናይ ኩሉ ክፍኣት ምኽንያት ሓጢኣት ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፣ መጀመርያ ኣብ ገጽ ምድርን ኣብ ታሪኽ ደቂሰባትን ክኣቱ ካብ ዝጀመረሉ ወትሩ ኣብ መንጎአ እግዝአብሔርን ደቂሰባትን ንዝነበረ ውህደት ዘሪጉ። ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ሰባትን ምስቲ ብማእከልነት ሰብነትና ምስኡ ብዙሕ ምትእስሳር ዘሎና ተፈጥሮ እውን ከይተረፈ ፋሕ ኣቢሉና። ምስ እግዚአብሔር ንዘሎና ውህደት ብምዝራግ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ኣከባብን ዝነበረ ውህደት እውን ስለዝደምሰሶ እታ ገነት ትበሃል ዝነበረት ናብ ምድረበዳ ተቀዪራ (ዘፍ 3.1718)። እዚ ሓጢኣት እዚ ንሰብ ብትዕቢት ተዋሒጡ ከም ፈጣሪ ናይ ተፈጥሮ ገሩ ንርእሱ ጐይታ ነቲ እግዚአብሔር ዝወሰነሉ ገዲፉ ንተፈጥሮ ከም ድላዩ ክጥቅመሉ ነዚ ከኣ ብዋጋ ካልኦት ፍጡራትን ከምኡ ደቂሰባትን እዩ ዝገብሮ።

ሕጊ ፍቅሪ ዝኾነ ሕጊ እግዚአብሔር ምስ ተጠልመ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ንድኹም ክጸቅጥ ዘውጽኦ ሕጊ ይነግሥ። ከምቲ ኣብ ወንጌለ ማርቆስ ዝብሎ ሓጢኣት ኣብ ልቢ ሰብ እዩ ዝነብር (7.20-23) እዚ ከኣ ከም ስስዔ ቅጥዒ ዝሰኣነ ናይ ምቾት ናብራ ብዛዕባ ሠናይ ነገር ናይ ካልኦት ዘይምግዳስ ምስ ሰኸርካ ከኣ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሠናይ ነገር እውን ዘይምግዳስ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምዝመዛ ተፈጥሮን ደቂሰባትን ኣከባብን ይበጽሕ። እዚ ከኣ በቲ ይኣኽለኒ ዘይብልን ዘይረዊ ስምዒታትን ንምዕንጋል ከም መሰሉ ገሩ ኣብ መወዳእታ ድሒሩ ወይ ቀልጢፉ ነቲ ብሓይሉ ነዚ ዝገብር እውን ዘዕኑ ኩነት እዩ።

3.     ዳግም እተሕዊ ናይ ጣዕሳን ምሕረትን ሓይሊ

ስለዚኸስ ፍጡር ናብ ወዲሰብ ዘቅርቦ ሕጹጽ ጻውዒት ናይቶም ብጸጋ ድሕነት ሓዲስ ፍጥረት ዝኾኑ ማለት ‘ሓደ ሰብ ኣብ ክርስቶስ እንተልዩ ሓዲስ ፍጥረት ኮይኑ ማለት ማለት እዩ እቲ ዝበለየ ነገር ሓሊፉ እዩ፡ እንሆ ሕጂ ኵሉ ሓዲስ ኮይኑ እዩ ‘ (2ቆሮ 7.17) ደቂ እግዚአብሄር ግልጸት ክገሃድ እዩ ድልየት ኩሉ ፍጡር። በዚ ግልጸት ደቂ እግዚአብሔር ከኣ ፍጥረት ብምሉኡ በዓለ ፋሲካ ክገብር እሞ ንሓዲስ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ክቅበል እዩ (ራእ 21.1)። ንበዓለ ፋሲካ ገጽና እንገብሮ ጒዕዞኸስ ነቲ ተደዊኑ ዘሎ ገጽና ኣብ ጥንተ ፍጥረቱ ክንመልሶ ንልብታትንና ልቢ ክርስትያን ክንገብሮ  ነዚ ከኣ ብሓቀኛ ጣዕሳ ሓጢኣትናን ለውጢ ልብናን ይቅረ ምባልን ክንገብሮ ንኽእል። በዚ ከኣ ንኩሉ ምሥጢረ ፋሲካ ዘቅርበልና ሃብታት ብምሉኡ ክንቅበሎን ክንነብረሉን ንኽእል።

እዚ ትዕግሥቲ ምስኣን ማለት እዚ ተፈጥሮ ብዓቢዩ ህንጡይነት ዝገብሮ ዘሎ ትጽቢት ንፍጻሜ ግልጸት ደቂ እግዚአብሔር ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉኸስ ክርስትያንን ኩሎም ደቂ ሰባት ኣብዚ ሕማም ቅልውላው እዚ ኪኣትው እንከለው እዩ፡ እዚ ቅልውላው እዚ ከኣ ለውጢ ንስሓ እዩ። ኩሉ ፍጡር ምሳና ሓቢሩ ‘ካብ ባርነት ምብራስ ናብ ድሕነት ክብሪ ደቂ እግዚአብሔር ነጻ ኪወጽእ’ (ሮሜ 8.21) ዝተጸወዔ እዩ። ጸመ ኣርባዓ ከኣ ምልክት ምሥጢራት ናይዚ ለውጢ እዚ እዩ። ጾመ ኣርብዓ ክርስትያን ንምሥጢረ ፋሲካ ብዕቱብነት ሒዞም ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ግላዊ ሕይወቶምስ ይኹን ኣብ ሥድራቤቶም ከምኡ እውን ኣብ ማሕበራዊ ናብራኦም ክነብርዎ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን እናተጠቅሙ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ይጽውዕ።

ጾም ማለት ኣመለኻኽትና ክንልውጥ ንምሃረሉ እንክኸውን እዚ ከኣ ኣብ ካልኦትን ኣብ ፍጥረትን ንዘሎና ኣመለኻኽታ ክንልውጥ ካብቲ ንስስዔና ክነዕግብ ንኩሉ ኣክብ ዝብል ፈተና ወጺእና ስለ ፍቅሪ ክትሳቀ ኣብ ምኽኣል እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ባዶሽ ክመልኦ እዩ። ጸሎት ማለት ከኣ ንኣምልኾ ጣዖት ክሒድካ እግዚአብሔርን ምሕረቱን ከምዘድልየካ ምእዋጅ ኣዩ። ምጽዋት ምሃብ ከኣ ካብቲ ንዘይትፈልጦ መጻኢ ውሕስነት ንምግባር ዝብል ዕሽነት ዝተላዕለ ንኩሉ ንኣይ ጥራይ ምእካብን ምንባርን ውጽእ ምባል እዩ። በዚ ከኣ በቲ እግዚአብሔር ኣብ ፍጥረቱን ኣብ ልብታትናን ብዘቀመጦ መደብ ማለት ንኣኡን ነሕዋትናን ኖኣለም ምሉእን ብምፍቃር ንዝርከብ ሓጎስ ዳግም ንምርካቡን ሓቀኛ ደስት ናይዚ ፍቅሪ ምንባርን እዩ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ሓደ ወደ እግዚኣአብሔር ጾመ ኣርባዓኸስ ናብቲ ምድረበዳ ኮይኑ ዘሎ ፍጥረት ምእታው እሞ ናብ ገነት ምልዋጡ ማለት ናብቲ ቅድሚ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ምእታው ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮ ውህደት ምምላሱ እዩ (ማር 1.12-13 ኢሳ 51.13 ተመልከት) ጾመ ኣርባዓናኸስ ነቲ ‘ካብ ባርነት ምብራስ ናብ ድሕነት ክብሪ ደቂ እግዚአብሔር ነጻ ኪወጽእ’ (ሮሜ 8.21) ዘልዎ ፍጥረት ተስፋ ክርስቶስ ከምጽኣሉ  ነዚ ጒዕዞ እዚ ዚፍጽም ይኹን። እዚ ምሩጽ ግዜ ብከንቶ ክሓልፍ ኣይነፍቅድ። ናይ ሓቀኛ ለውጥን ንስሓን ጒዕዞ ክንገብር ንክሕግዘና ንእግዚአብሔር ንለምኖ። ነቲ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከምእነተኲር ዝገብረና መንፈስ ረጥሪጥና ናብ ፋሲካ ኢየሱስ ገጽና ቊሊሕ ንበል እሞ ንዘሎና መንፈሳውን ንዋታውን ሃብትና ምስቶም ኣብ ጸገም ዘለው ጐረባብታና ብምክፋል ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንግበሮም። ከምዚ ብምግባርና ከኣ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዝተጐናጸፎ ዓመት ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ተቀቢልና ነታ ምንጪ ለውጢ ዝኾነት ሓይሉ ናብ ፍጥረት ኩሉ እውን ክነባጽሓ ንኽእል።

ካብ ከተማ ቫቲካን ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓምፈ

በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
22 February 2019, 14:28