ድለ

ሓቀኛ ታሕጓስ ነቲ ዘሎና ምስ ብጾትና ምክፋል እምበር ከም ጣዖት ምስኡ ሕግብግብ ምባል ኣይኮነን! ር.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 17 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ብዛዕባ ብፅዕና ዝዛረብ ክፍሊ ወንጌል ጠቂሶም `ታሕጓስ ምስ እግዚአብሔር ኰንካ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ምዃን እምበር ናይ ምድንጋር ሊቃውንቲ ንዘተስፍውዎ ምኽታል ኣይኮነን’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ናይ ሎሚ ቃል ወንጌል ካብ ሉቃ 6.1-26 ኮይኑ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ብፅዕና ዘስተምህሮ ብመንገዲ ቅዱስ ሉቃስ የዘንትወልና። እቲ ጽሑፍ ኣርባዕተ ብፅዕናታትን ኣርባዕተ ብወይልኹም ዝግለጻ መጠንቐቕታታትን የቕርበልና። በዘን ሓያላትን ወሰንትን ዝኾና ቃላት ገሩ ኢየሱስ ኣዕይንትና ይኸፍተልና እሞ ክንዮ ዝኾነ ነጸብራቅን ምስልን በቲ ናቱ ኣመለኻኽታ ጠሚትና ንነገራትን ኩነታትን ክንዮቲ ዝመስልዎ ሓሊፍና ብዓይኒ እምነት ንክነለሊ ይምህረና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፁዓን ነዳያን ዝጠምዩ ዝሓዝኑ ዝስደደኡ ኢሉ ኣንክእውጅ ነቶም ሃብታማትን ጽጉባትን ዝስሕቑን ብሰባት ዝነኣዱን ከኣ ወይልኹም እናበለ የጠንቕቕ። ነዚ ስግንጢራዊ ኣተሓሳስባ ብፅዕና ቀንዲ ምኽንያት እግዚአብሔር ወትሩ ኣብ ጐድኒ እቶም ዝሳቐዩ ኮይኑ ካብ ባርነቶም ሓራ ንከውጽኦም ከምዝሠርሕ እዩ። ኢየሱስ ነዚ ኣነጺሩ ይርእዮ ክንዮቲ ዝረኤ ጸገምን ኣሉታን ንዘሎ ብፅዕና ይርእዮ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ኣብቶም ወይልኹም እናበለ ዝገንሖም ሎሚ ጥዒምዎም ንዘሎ ከኣ ካብ`ቲ ሓደጋ ናይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዚዓይነቱ መደናገሪ ጠመተ ጣዕሚ ሓራ ክወጹን ንናይ ፍቅሪ ሥራሕ ኣዕይንቶም ከፊቶም ግዜ ከለዎም ግዜ ከየተጸበዩ ንክነቅሑ ዘቅርቦ ጻውዒት እዩ።

እዚ ንሎሚ ቀሪቡልና ዘሎ ክፍሊ ወንጌልከስ ኣብቲ ዓሚቚ ትርጉም እምነት ኣቲና ክነስተንትን እሞ ብምልኣት ናብ ጐይታ ክንተኣማመን ይዕድመና። ነቲ ከም ኣምልኾ ጣዖት ሒዝና ዘሎና ናይ ዓለምና ጣዕምን ሃብትን ንብረትን ክንሓድግ ኣሞ ልባትና ናብቲ ሓቀኛን ሕያውን ዝኾነ ኣምላኽ ክንከፍት ከመይ ንህላዌና ትርጉምን ምልኣት ክህቦ ዝኽእል ንሱ በይኑ እዩ እሞ ወላውን ንክንበጽሖ ከቢድ እንተኾነ ንኣኡ ሒዝና ክንበጽሖ ንኽእል ኢና። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብዚ ዘመና እውን እንተኾነ ሓጐስ ደስታ ብከምዚ እዩ ዝርከብ እናበሉ ዓደልቲ ሓጐስ ኰይኖም ዝቀርቡ ብዙሓት እዮም! ንሓጺር ግዜ ዝኸውን ዓወትን ዓበይቲ መኽሰባታን ብከምዚ ይርከብ! ንዝኾነ ጸገም ዳርጋ ተኣምራዊ ፍታሕ ክነቅርበልካ ኢና እናበሉ ዘጋውሑ ብዙሓት እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ መደናገሪ ጫውጫውታ ኣምልኾ ንዋይ ተጻይ ቀዳማይ ትእዛዝ እግዚኣአብሔር ምዃኑ ብዘይምዝካር ሸተት ክትብል ቀሊል እዩ። ምናልባት ጣዖታትን ኣምልኾ ጣዖትን ግዜኡ ዝሓለፈ ኣብዚ ሕጂ ዘየሎ ኰይኑ ክረኣየና ይከኣል ኮይኑ ግን ወትሩ ኣለው። ወላ ሎሚ እውን ኣለው። ዘሎናዮ ኩነታት ክንዮ ማንም ናይ ሳይንስን ሥነሕብረተሰብን ትንተና ንላዕሊ ይገልጾ።

ስለዚ ከኣ እዩ ኢየሱስ ኣዕይንትና ክንከፍት ዝዕድመና። ንታሕጓስ ዝተጸዋዕና ኢና! ብፁዓን ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና! ምስ እግዚኣአብሔር ምስ እንውግን ናይ መንግሥቱ ኣባላት ምስ እንኸውን ኣብ ዝጠዕመናን ምቾት ኣብ ዘለዎን ዘይኮነ ምስ ጐይታ ኣብ እንጋደለሉ ከመይ ሕይወት ዘለዓለም ንምውራስ ምቅላስ ስለዘድሊ በዚ ኩሉ ብፁዓን ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል። ኣብ ኣምላኽ ከምዘድልየና ኣብ ቅድሚኡ ጐደሎ ከምዝኾና ክንርኢ እንተኽኢልና ሕጉሳት ኢና! እዚ ኣገዳሲ እዩ ‘ኦ ጐይታ ተድልየኒ ኢኻ’ ዝብል ስምዒት ክስመዓና እንከሎ ምሳኡን ከማኡን ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ዝሳቀዩን ዝጠመዩን ንክከውን ኣይጽግመናን እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ንሕና እውን ድኻታት ሕዙናት ጥሙያት ኢና። ክንሕጐስ እንኽእለሉ ኩነታትከስ እዚ እዩ ዝኾነ ናይዚ ዓለምና ንብረት ምስ እንረኽብ እሞ ንኣኡ ጣዕትና ከይገበርና ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንካፈሎ ምስ እንጅምር ክንሕጐስ ንኽእል። ናይ ሎሚ ሥርዓተ ኣምልኾኸስ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ነዛ ሓቂ እዚኣ መምርሒና ገርናዶ ንጐዓዝ ኣሎና ኢልና ክነስተንትን ይዕድመና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቅርበልና ትምህርቲ ብፅዕናኸስ ወሳኒ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ! እምንቶና ኣብ ናይዚ ዓለም እዚ ሃብቲ ማለት በራስን ሓላፍን ኣብ ዝኾነ ናይዚ ዓለም እዚ ሃብቲ ከይንገብርን ታሕጓስ ከኣ ኣብቶም ከንቱነት ዝሸቱ ናይ ዝመንና መዋዕዋዕቲ ዳርጋ ብዙሕ ግዜ ሸየጥቲ ሞት ክንብሎም እንኽእል ዘቅርብዎ ምጥፍፋእ ኣይንግበር። ነዚኦም ምስዓብ ጥፍኣት እዩ ከመይ ተስፋ ክህቡና ኣይክእሉን እዮም። ጐይታ ኣዕይንቲ ልቦናና ክንከፍት እሞ ንኩነታት ነገራት ብዕምቘት ክንርእን ከነለልን በዚ ከኣ ነቲ ዘጋጊ መንፈስ ዓለማውነት ክነውግድ ይሓግዘና። ኢየሱስ ከስ በዘን ስግንጢር ዝመስላ ቃላቱ ገሩ ንመትንታት ልብና የነቃንቆ እሞ ነቲ ብሓቂ ዘሀብትመና ዘጽግበና ታሕጓስን ክብርን ዘልብሰና ነገራት ከም እነለሊ ይግበረና። ሕጽር ብዝበለ ነቲ ንሕይወትና ትርጉምን ምልኣትን ዝህብ ሓቀኛ ነገር የፍልጠና። እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ቃል ወንጌል ክፉት ብዝኾነ ኣእምሮን ልብን ንክንሰምዖ ትሓግዘና በዚ ከኣ ኣብ ሕይወትና ፍረ ክፈረ እሞ ናይቲ ዘየደናግር ታሕጓስ እግዚአብሔር መሰኻኽር ንክንከውን ተብቅዓና። እዚ ታሕጓስ እዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር እዩ ፈጺሙ ከኣ ኣይጠልምን። ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚእብሔር ደጊሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
17 February 2019, 17:00