ስለ ሕጻናት የመን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 3 ለካቲት ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ስለ እቶም ኣብ የመን ዝሳቀዩ ዘለው ሕጻናት ንክጽለ ‘ኣብ የመን ዝረኤ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዘይመጠን የተሓሳስበኒ ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ በዚ ግጭት እዚ ዝሳቀ ሕዝብን ብጥሜትን ዓጸቦን ዝሳቀዩ ዘለው ሕጻናትን ብጣዕሚ ስለዘተሓሳስቡኒ ስለኦም ንጸሊ’ ኢሎም።
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኩነታት የመን ምናዳ ከኣ እቶም ኣደዳ ጥሜትን ጽምእን ኮይኖም ዘለዎ ድነ ሞት ዘንጸላልዎም ሕጻናት የመን እንተወሓደ ብጸሎት ክነሰንዮም ከምዚ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
03 February 2019, 17:06