ድለ

ስለ ሕጻናት የመን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 3 ለካቲት ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ስለ እቶም ኣብ የመን ዝሳቀዩ ዘለው ሕጻናት ንክጽለ ‘ኣብ የመን ዝረኤ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዘይመጠን የተሓሳስበኒ ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ በዚ ግጭት እዚ ዝሳቀ ሕዝብን ብጥሜትን ዓጸቦን ዝሳቀዩ ዘለው ሕጻናትን ብጣዕሚ ስለዘተሓሳስቡኒ ስለኦም ንጸሊ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኩነታት የመን ምናዳ ከኣ እቶም ኣደዳ ጥሜትን ጽምእን ኮይኖም ዘለዎ ድነ ሞት ዘንጸላልዎም ሕጻናት የመን እንተወሓደ ብጸሎት ክነሰንዮም ከምዚ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

“‘ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ የመን ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዓቢ ሻቅሎት እከታተሎ ኣሎኹ። ሕዝቢ የመን ብነዊሕ ግጭት እንክሳቀ ሕጻናት የመን ከአ ብዓጸቦ ጥሜት ይግረፉ ኣለው እቲ ዝገደደ ከኣ እቲ ቊሩብ ቊራቦ መኻዚኖታት ክበጽሕዎ ኣይክእሉን። ኣሕዋትን ኣሓትን ገዓር እዞም ሕጻናትን ወለዶምን ናብ ዙፋን እግዚአብሔር ይዓርግ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ህጹጽ ጻውዒት ናብ ዓለምሓቆፍ ማሕረበሰብን ናብ ዝምልከቶም ኣካላትን እንከቅርብ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዓት ብምኽባር እንተሓሰመ እቲ ብገበርቲ ሠናይ ዝወሃብ መግቢ ናብቶም ዝሳቀዩ ንክበጽሕ ከፍቅዱን ስለሰላም ኩሉ ሕዝቢ ክስራሕን እላቦ። ንኩሎም ስለ ኣሕዋትና የመናውያን ክንጽሊ ኣዘኻኽር ብሓባር ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ንበል። ስለ እቶም ብጥሜትን ጽምእን ሕማምን ዝሳቀዩ ምንም መድሓኒት ከኣ ዘይብሎም ሞት እውን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሕጻናት የመን ንጸሊ። ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ልብና ሒዝናዮ ንጐዓዝ። እንክብሉ ተማሕጺኖም።”

 

03 February 2019, 17:06