ድለ

2019.02.03 ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር 2019.02.03 ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር  

አርድእቲ ኢየሱስ መንገዲ እምነት ዝኽተሉ ሰባት እዮም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 3 ለካቲት 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘ክርስትያን ዘቦኡ ኣብ ዓለምና ነቢይ ኮይኑ ብትብዓት ንተስፋ ክርስቶስ ዝሰብኽን መንገዲ እምነት ዝኽተልን ክኸውን ኣለዎ’ ኢሎም። ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከኣ ኣብ የመን ሰላም ክነግስ ጻውዒት ብምቅራብን ንካቶሊካዊ ተግባር ሃገረ ስብከት ሮማ ስለሰላም ንዝገበሮ ጻዕሪ ኣመጒሶም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም እንክብሉ ሰላምታ ድሕሪ ኣቅሪቦም ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ሂቦም።

ዝሓለፈ ሰንበት ዝቀረበልና ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብ ቤተጸሎት ናዝሬት ንዝተፈጸመ ማለት ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ትንቢት ኢሳያስ ጠቂሱ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ ንድኽታት ወንጌል ከበስር ከ ቀቢኡኒ ንዝብል ትንቢት ኣባኡ ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ተመልኪትና። ናይ ሎሚ ክፍሊ ወንጌል ከኣ መቀጸልታ ናቱ ኮይኑ እቲ ሕዝቢ ክንዲ በዚ ዚሕጐስን ሃንጐፋይ ቢሉ ዝቅበሎን ‘እዝስ እቲ ወዲ ዮሴፍ ጸራቢዶ ኣይኮነን’ ክብሉ ዝድነቁ ይመስሉ እሞ ግምጥል ኢሎም ከስተናዕቅዎን ‘እዝስ ያኢ ክርስቶስ ብእግዚአብሔር ኣቦ ዝተላእከ ኮይኑ ይስምዖ ኣሎ’ ኢሎም ንከጽድፍዎ ተደፋፊኦም።

ንልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኢየሱስ ግን ብኡ ንብኡ እንታይ ይሓስቡ ከምዘለው ይርድኦ።  እቲ ቀንዲ ጸገሞም ወዲ ዓዶም ብምዃኑ ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበሮ ኣብ ዓዶም ናዝሬት እውን ተኣምር ክገብር ሃንቀው ይብሉ። ኢየሱስ ግን ነዚ መንገዲ እዚ ኣይድግፎን ከመይ ምስ መደብ ኣምላኽ ኣይቃዶን! እግዚአብሔር ዝደልዮስ መንገዲ እምነት እምበር ከምቲ ንሶም ዝሓስብዎ ተአምርን ምልክታትን ኣይኮነን። እግዚአብሔር ድሕነት ናይ ኩሎም እንክደሊ ንሶም ግን ንጥቅሞምን መነየቲ ዝኸውንን ተኣምር ደልዮም። ኢየሱስ ድላይ እግዚአብሔር እንታይ ከምዝኾነ ንከረደኦም ክልተ ኣብነት ናይ ጥንቲ ነቢያት የምጽኣሎም። ኤልያስን ኤልሳዕን ይጠቅስ እሞ እግዚአብሔር ዕብራውያውን ንዘይኮኑ ሰባት ክፍውስ ከምዝለኣኾም ይገልጸሎም። እዞም ካብ ወገን ሕዝበ እግዚአብሔር ዘይነበሩ ነዙይ ዝበቅዑ ብቃል ኣምላኽ ስለዝአመኑ ምዃኖም እውን ይገልጸሎም። እዚ ከኣ ድሕነት እግዚአብሔር ንኩሉን ብነጻ ዝዕደልን ምዃኑ ንከብራሃሎም ኢሉ ነበረ። ደቂ ናዝሬት ግን እዚ ኣይእንታዮምን። ናብ ዓመጽ ገጾም ይዝምብሉ። ከጽድፍዎ ከተማኦም ተደኲናትሉ ኣብ ዝነበረት ኣጻድፍ ይመርሕዎ። እቲ ቅድሚ ቅሩብ ግዝያት ዝጸንሔ ኣድናቆት ናብ ዓመጽ ተቀየረ። ተጻዪ ተላዕሉ።

እዚ ክፍሊ ወንጌል ተልእኮ ኢየሱስ ኣብ ገዛእ ዓዱ ብእምቢትነትን ብምፍርራሕ ናይ ሞትን ከምዝጀመረ ይገልጸልና። ርግጽ ኢየሱስ ነታ ካብ ኣቦኡ ዝተዋህበቶ ተልእኮ ክፍጽም እንተኾይኑ ከጓንፎ ዝነበሮ ድኻምን ክሕደትን ስደትን ሽንፈትን ኣጸቢቁ ይፈልጦ ነሩ። እዚ ዋጋ እዚ ትማልስ ይኹን ሎሚ ቅኑዕ ትንቢታዊ ተልእኮ ክኸፍሎ ዘለዎ እዩ። እዚ ጽኑዕ እምቢተኝነት እዚ ግን ንኢየሱስ ኣይድህሎን ነቲ ተልእኮኡ እውን ኣይዕንቅፎን። ከምቲ ኣብ ፍቅዲ 30 ዝብሎ ኢየሱስ ኣብ ፍቅሩ ኣቦኡ ብምትእምማን ኣብ ተልእኮኡ ንቅድሚት ይግስግስ።

ሎሚ እውን እንተኾነ ዓለምና ኣብ አርድእቲ ክርስቶስ ነቢያት ክርኢ ይደሊ ማለት ንጸዋዕታ ክርስትናኦም ብጽንዓት ዝቃለሱን ዝግባእ መልሲ ዝህቡን ነቢያት ክርኢ ይደሊ። እዞም ነቢያት እዚኦም ንድፍኢት መንፈስ ቅዱስ ኣዎንታዊ መልሲ ብምሃብ ንተስፋ ወንጌል ዝሰብኩን ንድኻታትን ነቶም ዝተነጸሉን ሰባት መንገዲ ተኣምራታት ዘይኮነ መንገዲ እምነት ተኸቲሎም ዝምስክሩ እዮም። እዞም ከምዚ ዚኣመሰሉ ኣርድእትን ነቢያትን እዚኦም ብዘይ ምንም ሌላን ጐሌላን ንኩሎም ንምግልጋል ሕይወቶም ዘወፈዩ እዮም። ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ንፍቃድ እግዚአብሄር ዝቅበሉን ብተኣማንነት ንካልኦት ንክምስክርዎ ዝተዓጥቁን ሰባት እዮም።

ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ንተልእኮ ኢየሱስ ዝጐስጐሰ ሓዋርያዊ ሃረርታ ክንቅበልን ኣብኡ ክንዓብን ብኣኡ ክንግስግስን ንከተማልደልና ንለምና። ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአክ እግዚኣአብሔር ኣዕሪጎም። 

 

03 February 2019, 17:10