ድለ

ሓላፍነትና ከይዘንጋዕና ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ጥሜት ንምውጋድ ንቃለስ! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ናይ ትማሊ ዜናና ኣመልኪትናዮ ከምዝነበርና ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕርሻ ልምዓት ሓልዮ ማሕበር ዘካይዶ መበል 42 ዓውደ ጉባኤ ንምኽፋት ሓላፍነትና ከይዘንጋዕና ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ጥሜት ንምውጋድ ንቃለስ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እዚ ብኢፋድ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ International Fund for Agricultural Development ዓለምለኸ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባሌ ኮይኑ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር እዚ 181 ሃገራት ልኡካን ከምዘለወን ቀንዲ ዕማሙ ከኣ ኣብ ዓለም ናይ ሃገራት ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝዓዪን ዝኽሰት ናይ ከባቢን ማሕበራውን ጸገማት ንምቅላስን ፍታሕ ንምርካብ ዘኽእለን ብቕዓት ክህልወን ዝድግፍ ምዃኑ ይግለጽ።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ማሕበረሰብና ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ጥበባት ዓበይቲ ዓወታት እንከመዝግብ ኮይኑ ግን ሎሚ ኣብ ዓለምና ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብጥሜትን ዓጸቦን ገና ይሳቀዩ ኣለው። እንክብሉ ነቶም ሕዳሴን ናይ ወፍሪ ተበግሶ ናብ ሃገረሰባት ብዝብል መሪሕ ቃል ዝጀመረ ጉባኤ ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ነቲ እዚ ዓለምለኸ ተቊዋም እዚ ከም መደብ ን2030 ዓምፈ ክንበጽሖ ኣሎና ኢሎም ኣቀሚጥዎም ካብ ዘሎ ንኩሉ ዝኸውን ምዕባሌ ዝብል ሸቶኡ ንክወቅዕ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብዝተወሃሃደ መንገዲ ክተሓሓዞ ነዚ ንምግባር ከኣ ኩሎም ሲቪላውያን ማሕበረሰባትን እቶም ገለ ትሕዝቶ ዘለዎምን ብሓላፍነት ክሰርሑ ኣለዎም። ሓላፍነት ሸለል ክበሃል የብሉን ከመይ ጭቡጥ ፍታሕ ንምርካብን ኣብ ተግባር ንምውዓሉን ሓላፍነትካ ምልባስ የድሊ። በዚ ከምዚ ጥራይ ከኣ እዩ ክንዮ እቲ ጥሜት ሕጂ የብሉ መጻኢ የብሉ ሕሉፍ ታሪኽ እዩ ዝብል መሪሕ ቃል ክኽየድ ዚከኣል።

ስኽፍ ከይበለካ ንዝሳቀ ዓይኑ ዓይኑ ክትርእዮ ምኽኣል የድሊ።

ቅዱስነቶም ብዝተፈላለየ ቋንቋ ካብ ዘቅረብዎ ለበዋታት ኣብቲ ብቋንቋ እስፓኒሽ ኣብ ዘስምዕዎ ናቶም ኣብቲ ጉባኤ ምህላው `ናይቶም በሽሓት ዝቚጸሩ ኣብ ሥቃይ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸገማት ንምግላጽ ከምዝኾነ ከምዚ ብምግባር ከኣ እንተወሓደ ናይዞም ሰባት እዚኦም ገዓር ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ናቶም ሽግር ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓለምና ክረኤ በዚ ከኣ ስኽፍ ከይበለና ንዝሳቀዩ ዓይኒ ዓይኖም እናረአና ክንሰምዖም ክንርድኦም ክንሕግዞም ሓደራ` ኢሎም። እዞም ሰባት እዚኦም ሽሕ’ኳ ሸጊርዎም እንተተጸገሙ ከማና ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን እዮም። ኩሉ ናብራና ተበኪሉ ናይ ተፈጥሮ ሃብታት ተጋሒጦም ወሓይዝ ተመሪዞም ሓመድ ናብ ኣሲድ ተለዊጡ ይትረፍ ንሕርሻን ንምጽራይን ዝኸውን ዝስተ ማይ ማይ እኳ ስኢኖም ኣብ መሪርን ሕሱምን ናብራ ይነብሩ ኣለው። ምስ እዚ ኩሉ እቲ ውድብኩም ኣቅሪብዎ ዘሎ ን2030 ክብጻሕ ኣለዎ ዝብሎ ንኩሉ ዝኸውን ምዕባሌ ዕላማታቱ ሽሕ`ኳ ተሓጒስካ ሕደር ዘብል ሃረርታ እንተኾነ እንተስ ብቚሩብ እንተስ ብኩሉ ንምጭባጡ ምስራሕ የድሊ። ቅድስት መንበር ከም ወትሩ ንኩሉ ብዓለምሓግቈፍ ማሕበራት ዝግበር ጻዕሪ ምናዳ ንድኽነት ንምብዳህ ዝግበር ቃልሲ ብምሉእ ልባ ትድግፎ እያ። ኢፋድ ንዝገብሮ ገድሊ እውን ብተኣማንነት ትድግፍ። በዚ ከኣ ንዝኾነ ኣብ ዓለምና ዝርከብ ጸገማት ንምፍታሕን ይከኣል። ካብተን ናይ 2030 ዕላማታት ሓንቲ ዝኾነት ንድኽነት ንምጥፋእን ተጻይ ጥሜት ንምቅላስን ብመግቢ ርእስኻ ኣብ ምኽኣል ምብጻሕን ዝብላ ብሓቂ ዝድገፋ እየን። ነዚ ኩሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግን ይብሉ ቅዱስነቶም መሠረቱ ሕይወት ሃገረሰብ ምምሕያሽ ኮይኑ ንናይ ገጠር ናብራ ከየማዕበልና ሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን ኢሎም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ጸብጻባት ከምዝሕብሮ ናይቶም ኣብ ዓለምና ኣለው ዝበሃሉ ብጥሜት ዝተጠቅዑ ልዕሊ 820 ሚልዮን ሕዝብና መብዛሕትኡ ኣብ ሃገረሰብ እዩ ዝርከብ። እዞም ሓረስቶትን ጓሶትን እዚኦም ብንእሽቶይ ሓገዝ ርእሶም ክኢሎም ንካልእ ክኾኑ ስለዝኽእሉ ክሕገዙ ኣለዎም። ጸገም እናክመጽእ ሕጹጹ  ፍታሕ ይገበር እንዳተባህለ ዘየውዕል ዘየሕድር ሥራሓት የብቅዑ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዓበይቲ ጸገማት ኣንክትርከብ ናይ ብዙሓ ግለሰባት ሕይወት ይትንከፍ መጻኢኦም እውን ይገላበጥ፣ ነዚ ግድላት ንምፍታሕ ንዘሎና ሓይሊ ምትሕብባርን ኣብ መንጎና ምትእስሳር ብምፍጣር ክንቃለስ የድሊ። ናይ ዘመንና ግድላት ዝተሓላለኹ ብምዃኖም ብግዝያውን ናይ ሕጹጽ ግዜ ፍታሕ ዝፍትሑ ኣይኮኑን፣ ነቶም ብቀጥታ በዚ ጸገም እዚ ንዝትንከፉ ሰባት ክንዲ ተርዳእትን ተቀበልትን ጥራይ ጌርካ ምሕሳብ ተሳተፍቲ ናይቲ መደብ ምግባሮምን ሓራ ኰይኖም ከምዝሰርሑን ምግባሮም የድሊ።  ክቡር ወዲሰብ ክንዲ ሓደ ሽግር ወይ ግድል ተራእዩ መፍትሒ ሃሰው ምባል ከም ሰብ ተራእዩ ክብሩ ኣናሓሎኻ ብባህሉን ርድኢትን ንሱ ባዕሉ ሓላፍነት ለቢሱ ፍታሕ ይኾነኒ እዩ ዝበሎ ንክፍትን ዘይምእኩል ኣመሓድራ ብምፍጣር ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ክረዳድእሉ ዝኽእሉ ርክብ ማለት ነቲ ሰሜን ደቡብ ዝብል ፍልልይን ርክብን ኣሊኻ ደቡብ ምስ ደቡብ ዝራኸበሉን ሓቢሩ ዝሰርሓሉን መንገዲ ምንዳይ የድሊ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቲ መበል 42 ጉባኤ ከም መሪሕ ቃል ዝወሰዶ ‘ሕዳሴን ናይ ወፍሪ ተበግሶ ኣብ ሃገረሰባትን’ ንዝብል ሓሳብ ብምድጋም ነዙይ ንምግባር ኣብ በቦታኡ ንዝርከቡ ክኢላታት ክዋስኡ ብምፍቃድን ብቚዕ ናይ ምህርቲ መጋበሪታትን ኣሰራርሓን ብምትእትታውን ንናብራ ሃገረሰባት ክትልውጥ ምቅላስ ኣብ መወዳእታ ንጥሜትን ዓጸቦን መዚሑቚካ ብምጥፋእ ገዛእ ርእስኻ እትኽእለሉ ብቚዕ ምዕባሌ ሕርሻ ክብጻሕ ይከኣል። ነዚ ንምግባር ከኣ ሕልና ዝመርሖ ኣፍልጦን ጥበብን ኣማዕቢልካ ንምዕባሌ ተክኖሎጂ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት ምምዳብ የድሊ ኢሎም።

ናብ ታሪኽ ምልስ እንተበልና ኢፋድ ካብ 40 ዓመታት ኣትሒዙ እዩ ንነበርቲ ሃገረሰባት ማለት ብሕርሻ ኣብ ገጠራት ንዝነብሩ ንምሕጋዝ ድጐማታት እና ኣካየደ ናይ መግቢ ርግጽነት ክፈጥርን ንኣመጋግባኦም ከመሓይሽን ይጽዕር ኣሎ። ካብ 1978 ዓምፈ ክሳብ ለይቲ ልዕሊ 20.4 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ንልዕሊ 480 ሚልዮን ሕዝቢ ዓለምና ንምርዳእ ተወፍዩ።

እዚ ብኢፋድ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ International Fund for Agricultural Development ዓለምለኸ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባሌ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ኮይኑ መንበሩ ኣብ ሮማ ብምግባር ንምግብናን ሕርሻን ከም ቀንዲ ዓውዱ ሒዙ ይሰርሕ ኣሎ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ`ዚ ጠውቑ!
14 February 2019, 17:39