ድለ

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንውድብ ጋሊለዮ ኣመሓደርቲ ሕድርን ገበርቲ ሰናይን ቃል ቅዱስ ኣቦና ንውድብ ጋሊለዮ ኣመሓደርቲ ሕድርን ገበርቲ ሰናይን  

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንውድብ ጋሊለዮ ኣመሓደርቲ ሕድርን ገበርቲ ሰናይን

ነቶም ብድኽነትን ምዝመዛን ዝሳቐዩን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ብዝፍጽምዎ ንግድ ሰብ ዝሳቐዩን እዚ ስቓይ’ዚ መላእ ሕዝቢ ዓለም ክፈልጦን ብሓባር ድኽነትን ምዝመዛን ንግድ ሰብን ንምውጋድ ክዓዪ እተተባብዑ ኢኻትኵም

ዕለት 8 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ውድብ ድጋፍ ጋሊለዮ ኣመሓደርቲ ሕድርን ደገፍትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝተፈተኹም ኣሕዋት ብዝብል ቃል ሰላምታ ዘበገስዎ ቃለ ምዕዳን ንውድብ ድጋፍ ጋሊለዮ ኣመሓደርቲ ሕድርን ደገፍትን ኣባላት፥ ስለ እቲ እተካይድዎ ዕዮን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እተበርክትዎ ድጋፍን ከመስግነኩም ኣፈትው፡ ኣተሳልጥዎ መደብ ምትሕብባር ነቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መናብርተ ጥበብ እተቕርቦ ኣገልግሎት ብቐረባ ዝድግፍ ብምዃኑ ንሕብረተሰብ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ ኢሎም።

ከም ዓለማውያን ምእመናን በዚ ዘለኵም ጸዋዕታ ንኽርስቶስ እትስዕቡን መልእኽቲ ወንጌላዊ ድሕነት ኣብ ዓለም ንኽፍለጥ ብፍላይ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምኽልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን እተበርክትዎ ኵለ መደያዊ ደገፍ ለጋስ ምስክርነት ብምዃኑ ኣብዚ እተቕርብዎ ኣገልግሎ ከበራትዓኵም እፈትው ኢሎም።

ንግድ ሰብ፥ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ

ነቶም ብድኽነትን ምዝመዛን ዝሳቐዩን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ብዝፍጽምዎ ንግድ ሰብ ዝሳቐዩን እዚ ስቓይ’ዚ መላእ ሕዝቢ ዓለም ክፈልጦን ብሓባር ድኽነትን ምዝመዛን ንግድ ሰብን ንምውጋድ ክዓዪ እተተባብዑ ኢኻትኵም፡ እዚ ናይ ሎሚ ርክብና ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እታ ብንግድ ሰብ ንዝሳቐዩ ሓላዊት ቅድስቲ ጁሰፒና ባኪታ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ። ቅድስቲ ባኪታ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኵነት ጊልያነት ብቐረባ ተመክሮ ዝነበራን ተሳቕያን ደሓር ግና ናጻ ወጺኣ መላእ ሕይወታ ገዳማዊት ኰይና ቤተ ክርስቲያንን ሕዝብን ንምግልጋ ዝበቕዔት እያ፡ ኣብነት ቅዱስ ሕይወታ ንእዋናዊ ንግድ ሰብን ጊልያነትን ንምውጋእ ጥራሕ ዘይኵነ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ኣብ ናይ ክርስቶስ ኣካል ዘሎ እዋናዊ ናይ ሕብረተሰብ ቁስሊ ምዃኑ ክስትውዓል እትድግፍን እያ፡ እዚ ምስክርነት’ዚ ጊልያነትን ንግድ ሰብን ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ገብን ምዃኑ የረጋጸልና ኢሎም።

ኣብ ጸሎት ዝጸንዔ ኣገልግሎት

መደባትኵምን እተካይድዎ ዕዮታትኩምን ንጥፈታትኵምን ብጸሎት ዝተሰነየ ይኹን፡ ብኣማላድነት ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታን በቲ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ክህቦ ብዝኽእል ሓይሊ ዝተደገፈ ይዅን፡ ንስኻትኵም በቲ እተካይድዎ ዕዮ ንጐይታ ኣብ ምግልጋልኵም ኣብ ልዕሌዅምን ኣባይቲ ስድራዅምን ዕዮታትኩምን ኵሉ ናይ ሓጐስን ሰላምን ቡራኬ ኣብ ልዕሊዅም ካብ ጐይታ እምሕጸን። ስለ እቲ ኵሉ ግብረ መንፈሳውነትኩም አመስግን ሓደራ ምእንታይ ጸልዩ እንብክሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንውድብ ጋሊለዮ ኣመሓደርቲ ሕድርን ገበርቲ ሰናይን
08 February 2019, 17:57