ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምዝዛም ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ ጸሎተ ዋዜማ

ፍቕሪ እግዚኣብሔር ልዕሊ ኵሉ ተነቃፍነትናን ሓሳርነትናን ተጋራጫውነትናን ኣብሊጹ እዩ ዘፍቅረና፡ ክንየው እቲ ዅሉ ዝዀንናዮ ዝኸይድ ፍቕሪ፡ ንሱ ነዛ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ክጽሕፍ ደለየ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቴድራላዊት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኣንቲጉዋ ባርኺምን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ስዓት 11፡45 (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ) ናብ ቅዱስ ኾሴ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ከምዝኸዱን ኣብኡ ብናይ ፓናማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ፍርቂ መዓልትን ርብዕን (ሮማ ኣጋም ምሸት ሰዓት 6፡15) ምስ በጽሑ ብሓሙሽተ ናይ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣሕሉቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብኡ ምስቶም ተመሃሮ ሓቢሮም ናይ ምሳሕ መኣዲ ምስ ተቛደሱ ሰዓት ሓደን ፈረቓን (ብናይ ሮማ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን) ናብቲ ኣብ ፓናማ ዝተኣንገድሉ ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከይዶምን ኣብኡ ሓጺር ዕረፍቲ ምስ ገበሩ ሰዓት ሓሙሽተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ (ብናይ ሮማ ምሸት ሰዓት 11፡45 ደቓይቕ) ኣብ መዛዘሚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ ናይ ዋዜማ ጸሎት ንኽሳተፉ ናብ ደምበ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ (መትሮ ፓርክ) ን 24.5 ኪሎ ሜትር ብማኪና ተጓዒዞም ኣብኡ ምስ በጽሑ ብናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኡዮኣ መንዲየታ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንመላእ ክፍለ ዓለም ብዝብውክሉ መንእሰያት ተሰንዮም ኣናተዘዋወሩ ንመንእሰያት ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ናብ ዝተመደበሎም ስፍራ ምስ በጽሑ ናይ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሰንደቓዊ መዝሙርን ናይ ምስማዐ ርእየት ምርኢት ቀሪቡን፡ ስዒቡ እውን ናይ ሓንቲ ስድራን ናይ ሓደ ነበር ጽግዕተይና ዕጸ ፋርስ መንእሰይን ናይ ሓደ ፍልስጥኤማዊ መንእሰይ ቃል ምስክርነት ምስ ተሰምዐ፥ ብቐጥታ ቅዱስ ኣቦና ስብከት ከምዝለገሱን፡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥

ንሕይወት ምስቲ ኵሉ ተኣፋፍነቱን ምግርጫዋቱን ሓንጐፋይ ቢልና ንቀበሎ፡ ስለምታይ ነቲ እነፍቅሮ እዩ ምድሓን ዝከኣል፡ እቲ ሕራይን ሓንጐፋይን ቢልካ እትቕበሎ ጥራሕ እዩ ክልወጥ ዝኽእልን ቢሎም ነቶም 600 ሺሕ መንእሰያት ምዒዶም፡ ኣስዒቦም ነቶም ዝተሰምዑ ቃል ምስክርነት እናሓሰቡ፡ ኢየሱስ ዘቕርበልና ድሕነት ከም ሓደ መሕትታዊ ምልክታ (application) እነውርዶ ኣይኰነን፡ ወይ ገና ክትረኽቦን ክትምህዞን ዝግብኣካ ናይ ዕደ ጥበባዊ ፍልጠት ውጺኢት ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ታሪኽና ዝመሳቐልን ዝጠማመርን ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ተሳታፍነት ዝብል እዩ።

ማርያም “ጸላዊት - ተጽዕኖኖ ፈጣሪት” ናይ እግዚኣብሔር

ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት፡ ከም ማርያም ነዚ ፍቕሪ’ዚ እነዅልካ በሉ ሕራይ በሉ፡ ማርያም ይብሉ ቅዱስነቶም ተጽዕኖ ፈጣሪት ንእግዚኣብሔር ኣይነበረትን ኣይኰነትን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ማሕበራዊ ጉዳይ ተዋሳኢት ኣይነበረትን፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት እታ ዓባይ ተጽእኖ ፈጣሪ ኰነት፡ ማይርያ ተጽዕኖ ፈጣሪት ናይ እግዚኣብሔርን ንእግዚኣብሔርን፡ ነዚ ክትከውን ዘብቀዓ ኣቲ ብዘይ ቅድመ ኵነት ንእዚኣብሔር እነዅልካ ከም ዝበልካዮ ይኹነልይ ዝብል ምሉእ ተወፋይነት ዝተነብሮ መልሳ እዩ፡ እቲ ሕራይ  ምባላ ንዝፈጥሮ ኵሉ ስግኣትን ሓደጋን እውን ትቕበል፡ እቲ ርግጸይና ምዃን ማርያም ኣብ ሓድሽ ቃል ኪዳን ተሳታፊት ኣብ ምዃና እዩ፡ እቲ እነዅልካ ዝብል ናይ ማርያም መልሲ፡ ምጥርጣርን ሽግርን ዝነበሮ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነዚ እውን ተቐበለት፡ ናይ ሕይወት ውሕስነት ድሕነት ዝፈረመቶ ውዕሊ ኣይነበራን፡ ኣብ ከምዚ ኵሉ ግና እነዅልካ ብምባላ ተጽእኖ ፈጣሪት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንምዃን  በቕዔት።

እነዅልካ ማለት፡ ሕይወት ከም ኣመጻጽኣኡ ምቕባል ማለት እዩ

እቲ እነዅልካ ዝብል ናይ ማርያም መልሲ ሎሚ እውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ የቃልሕን ይራባሕን ኣሎ፡ ከምዚ ምዃኑ እውን ከም ኣብነት እቲ ኣብዚ ቅድሚ ናይ ጸሎተ ዋዜማ ምጅማርና ዝቕረቡ ቃል ምስክርነት የረጋግጸልና፡ ኤንሪካን ሮገሊዮን ወለዲ ሓንቲ ገና መድሃንቲ ዘይተረከበሉ ምልክታ ሕማም ጐዶሎነት ናይ ዘለዋ ሕጻንን ገና ቅድሚ ምውላዳ እዚ ዘይሓውይ ሕማም ከምዘለዋ እውን እተተሓበሮም፡ ከም ማርያን ንሕይወት ሕራይ ዝበሉ እያቶም፡ ሎሚ እታ ሕጻን ጓል ክልተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕ ኰይና ኣላ፡ ከም ዝበልካዮ ይዅነልና ዝበልኩም ከም ማርያም ኣንክብሉ፡ … ቅዱስ ኣቦና ነዞም ወለዲ የምስግኑ፡

ንሕይወት ብፍቕሪ ከከም ኣመጻጽኡ ምቕባል፡ እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ሃገርካን ተኣፋፍነትካን ብጾትካን ከም ምዃኖን ምስቲ ኵሉ ንሱነቶም፡ ተኣፋፍነቶምን … ፍጹም እውን ኣይዅኑ ሕራይ ቢልካ ምእንጋድን ምቕባልን ማለት እዩ፡ ንፍቕሪ ዘይግባእ ማንም ክህሉ ኣይክእልን፡ ሕይወት ብኸምዚ ዓይነት መገዲ’ዚ ትቕበሉ ዶ? … (ኵሎም መንእሰያት እወ እንክብሉ ይምልሱ)፡ ሓደ ስደተይና ወይ መጻእተይና ስለ ዝዀነ፡ ሕማም ዘጓነፎ እውን እንተዀነ ዝኣበሰ እውን እንተዀነ፡ ምቑሕ እውን እንተዀነ ንፍቕሪ ዝተገብኤ እዩ? …. (ኵሎም መንእሰያት እወ ዝተገብኤ እዩ እንክብሉ ይምልሽሎም)

እቲ ዝፍቀር እዩ ንምድሓን ዝክኣል

ኢየሱስ ነቶም ብሕማም ደዌ ዝተጠቕዑ ይሓቍፍ፡ ፈሪስውን ሓጥኣንን እውን ይቕበሎም ሓጢኣቶም እውን ይሓድገሎም፡ ነቶም ኣብ መስቀል ኣውን ዝሰቐልዎ ከይተረፈ፡ እቲ ዝፍቀር ጥራሕ እዩ ንምድሓን ዝክኣል፡ እቲ ሓንጐፋይ ቢልካ እትቕበሎ ጥራሕ እዩ ዝልወጥ፡ … እንሕና ኢየሱስ ስለ ዘፍቕረና ኣድሒኑና፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 26 ጥሪ 2019 ዓ.ም.  ኣብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ምስ መንእሰያትን፡ ኣብ ፓኮራ ምስ ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን እሱራትን ተራኺቦምን ኣብ ካሳ ሆጋር ደል ቡዎን ሳማሪታኖ ዅዋን ዲያዝ ምስ ሕምማን ኤይድስ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝገለጽዎን ዝነበርዎን ቃል እዩ፡

እግዚኣብሔር ወትሩ የፍቅረናን  ካብ ምውዳቕና ንኽንትንስእ ይሕግዘናን

ቅዱስነቶም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ልዕሊ ኵሉ ተነቃፍነትናን ሓሳርነትናን ተጋራጫውነትናን ኣብሊጹ እዩ ዘፍቅረና፡ ክንየው እቲ ዅሉ ዝዀንናዮ ዝኸይድ ፍቕሪ፡ ንሱ ነዛ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ክጽሕፍ ደለየ፡ ምስ ጴጥሮስ ድሕሪ እቲ ዅሉ ክሕደታቱን፡ ልክዕ ከምኡ ኢየሱስ ሓንጐፋይ ቢሉ ዝቕበለና እዩ፡ ድሕሪ ምውዳቕና እውን ንኽንትስእ ዝድግፍ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ እውነተይና ምውዳቕ እምበኣር፡ እቲ ሕይወትና ዘዕንው ምስ ወደቕና ሓገዝ ንኸይንሓትት ዝጸቕጠና ምውዳቕ እዩ፡ … ኣብ ባህሊ ሰቂለ ህሊናነት ዓወት ኣብ ዘይምዳቕ ዘይኰነስ ወዲቕካ ኣብ ዘይምትራፍ (ኣብ ምውዳቕ ዘይምትራፍ እዩ፡ ካብ ውድቀትካ ኣብ ምትንሳእ እዩ) ምዃኑ ይግለጽ።

መጻኢ ንምሕላም ሎሚ ንመን እነብር ከምዘለኹ ክፈልጥ ይግብኣኒ

ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ፓናማዊ ኣልፍረዶ ዝሃቦ ቃል ምስክርነት ኣስተንፍሶ ገይሮም ቅዱስ ኣቦና፥ ብዙሓት መንእሰያት ዝነብርዎ ዘለዉ ዓቢይ ጸገም እናሕሰቡ፡ ኣልፍረዶ ቦኽሪ ገዛ ሸውዓት ኣሕዋት ዘለዉዎ፡ ናይ ወለዲ ጸገም ኤክኖሚ ኣገዲድዎ ትምህርቲ ሓዲጉ፡ ስራሕ ንኽጅምር ዝተገደን፡ እዚ ሕልሙ እዚ እውን ናይ ዕጸ ፋርስ ጽግዕተይና ብምዃን ኣሰንከሎ፡ ኣብ ከምዚ ዓይንት ሕይወት እውን እንከሎ ቤት ማሕቡስ እውን ዝጠዓመ እዩ፡ ደሓር ግና ብማሕበር ግብረ ሰናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ተኣንጊዱ እቲ ዅሉ ብዘይ ዕላማን ማሕበርሰብ ስድራ ቤትን ስራሕን ትምህርቲ ምንባሩ ኵሉ ተበትከ፡ እዚ ቃል ምስክርነት’ዚ ንኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ንመንእሰያትና እንታይ ዓይነት ዓለም ንሓድገሎም ኣሎና ዝብል ሕቶ ዘቕርብ እዩ።

መንእሰያት ምንቃፍን ምጕርምራምን ቀሊል እዩ፡ ዕድላት፥ ናይ ስራሕ ድዩ ናይ ሕንጸትን ማሕበረሰብ መጻኢ ምሕላምን ኵሉ እንተድኣ ከይህልዎም ገርናዮም፡ ብዘይ ስራሕ መጻኢ ክትሓልም ዘይከኣል እዩ፡ ብዘይ ስድራ ብዘይ ማሕበረሰብ መጻኢ ምሕላም ዝከኣል ኣይኰነን፡ ስለምንታይ መጻኢ ምሕላም ማለት እነብር ንዝብል ሕቶ ጥራሕ መልሲ ንምሃብ ዘይኰነስ ንመን እነብርን እንታይን ንመንን እዩ ሕይወተይ ምሕላፍ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ምስንዳው ማለት እዩ። እዚ ኣንሕና እቶም ብዕድመ ዝደፋእና ኢና ከነቅርበሎም ዝግብኣና። ስራሕን ሕንጸትን ማሕበረሰብን ዕድላትን ከነቕርበሎም ናይቶም ብዕድመ ዝደፋእና ሓላፍነት እዩ።

ከም እተፈቕርካ ንኽስምዓካ መርበብታዊ ርክብ እዅል ኣይኰነን

ሓደ እዋን መንእሰያት ንቕዱስ ኣቦና፥ ስለምንታይ እዩ ኣብዚ እዋን’ዚ ንብዙሓት መንእሰይ ንምእማን ዘጸግምሞ ወይ ከኣ ኣብ ሕይወት ክጽመዱ ዘይደልዩ? እንክብሉ ንዘቕረብሎም ሕቶ ዘኪሮም፡ “ቀስ ብቐስ ምንባሮም እውን ከይተረፈ ስለ ዝርስዑ እያቶም”  እንክብል ሓደ መንእሰይ ዝሃቦ መልሲ ሕስብ ኣቢሎም፡ እወ ናይ ምንጻግ ባህሊ፡ ናብ ዘኽታምነት ዝድርኽ ባህሊ፡ ብዙሓት እቲ ሕቶ ከቕርበሎም ዘኽእል ጭቡጥ ቦታ እውን ዘይብሎም እያቶም፡ ስለ ሓውኻ ዘይምባር ዝተሰኣነካ ንስኻ ከመይ ገርካ ኢኻ ህልዎተ እግዚኣብሔር ክትኣምን እትኽእል? እዚ ኹሉ’ዚ እዩ ናብ ዕጸ ፋርስን ምንባር ብሕይወት ዘረስዕ ምርጫታት ዝድርኽ፡ ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም እድግፎም ዶ ወይ ከኣ ኣይግድሰንን እየ ዝብል? …. ከም እተፈቕርካ ግምት ከምእተወሃበካ  ንኽስምዓካ ምሉእ መዓልቲ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ርክባት ተጣቢቕኻ ምውዓል እዅል ኣይኰነን፡ ብዙሕ እዋን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘይኰነ ኣብ ጭቡጥ ቦታ ከም ሓደ ኣካል ማሕብረሰብ እትሳተፈሉ ቦታ ምርካብ እዩ ዘድሊይ።

ቅዱሳት እዚ እዩ ዝተረድኦም፡ ንኣብነት ዶን ቦስኰ … ርሑቕ ዝርከቡ መንእሰያት ከናድይ ዘይኰነ ዝኸደ ኣብቲ ከባቢኡ ዝርከብ መንእሰይ ዘሎሉ ስፍራ እዩ ዝኸደ፡ ምስ ናይ ብዙሓት መንእሰያት ሕይወት ተራኸበ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዘናድዮ ሰባት ነይሮም እዮም፡ ዶን ቦስኮ ግና ብዓይኒ እግዚኣብሔር እናጠመተ ከም ምዃኖም እናሓቖፈ ምስ ኣአንገዶም ማሕበረሰብን ስድራ ቤትን ፈጠረሎም፡ ማለት ከምሃሩ ብምግባርን ብሙያ ክስልጥኑ ብምግባርን፡ ከም እምተፈቕሩ ክስምዖምን ብምግባር ብዝፈጠረሎም ኵነት ሕይወት ኣቢሉ ሓንጐፋይ ቢሉ ተቐበሎም፡ ንመንእሰይ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ምጥማት እዩ ዘድሊ!

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብ መክብብ ሓነጽቲ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላቲን ኣመሪካ ነዚ ዝፍጽሙ ብዙሓት ማእከላትን ተቕዋማትን ከምዘሎ ዘኪሮም፡ ….  ስድራ ቤት፡ ማሕበረሰብ ምስ ዝህልወካ ናይ ፍቕሪ ማሙቕ ተሰተማቕር፡ ሱር እትሰደሉን እናስር እተንብረሉን ቤትን ከምእተፈቐርካ ንሓደ ናይ ፍቕሪ ተልእዀ ከምእተፈጠርካ እተስተውዕለሉ ቤት።

ጐይታ ብጭቡጥ ወጅሂታት ኣቢሉ ህልው ይኸውንን ይመጽእን፡ እነዅልካ ከም ማርያም ነዚ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ሕራይ እነክዅልካ ምባልን ኣብ ዞባታትናን ክፍለ ከተማታትናን መጋባሪያ ሕንጸት ንኽንከው ሕራይ ምባልን፡  መክበብ ኣቢያተ ክርስቲያንናን ኣብ ናይ ከተማታትና ጐደናታትን ናይ ምጉዓዝ ብቕዓት ክህልወናን ሓንጐፋይ ቢልና እንሓቁፍን ሓድሽ መላግቦ ርክባትን ንኽንከውንን።  ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና 21 ክፍለ ዘመን ተጽዕኖ ፈጠርቲ ምዃን ማለት፡ ዓቀብቲ ኣናስርን እቲ ዅሉ ሕይወትና ንቑሕ ዝገብር በናኒ ንኸይከውንን፡ እቶም ብዕድመ ዝደፋእኩም ኣረጋውያንን ናይቲ ነፍሲ ወከፍና ኣባላት ሕብረተሰብ ንኽንከውንን ንሓድሕድና ተማላእቲ ዝገብረና ከይዲ ዓቀብቲ ንዅን።

እዚ ናይ ኒረሚን ኦደሕ ምስክርነት ዘረጋገጾ እዩ፡ እዚ ፍልስጥኤማዊ መንእሰይ ከምዝበሎ እዩ፡ እታ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ተሳተፈት ናብ እምነት ዝተመልሰት፡ ህያው ማሕበረሰብ ስለ ዝረኸበትን ክፍሊ ማሕበረሰብ ኰይና ክስምዓ ስለ ዘኽኣላ እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ይገልጹ።

ንብሉጽ ዓለም ምርግጋጽ ንናይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እነዅልካ ዝብሉ የድልዩ

ቅዱስ ኣልበርቶ ሁርታዶ ኢየሱሳዊ ካህን ተወላዲ ቺለ ኣብ 1900 ዓመታት ብሕይወት ዝነበረ፡ ሓደ እዋን፥ ምዕባለ ሕብረተሰብ እቲ ሓድሽ ዝወጸ ዝተመሃዘን ዕደ ጥባብዊ ምሕርቲ መሰል መኪና ብምውናን ዝብጻሕ ድዩ ወይ ከኣ እቲ ዝተበጽሐ ምዕባለ ዕደ ጥበብ ኣብ ዕዳጋ ዝወዓለ ንምውናን ድዩ? ኣብዚ እዩ እቲ ምዕባለን ዕቤትን ሰብኣዊ ፍጥረት ዝቐውም? ካልእ ስሌኡ ቢልካ ንኽትነብር እትደልዮ የሎን ማለት ድዩ? እንክብል ዘቕረቦ ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ጠቒሶም፡ ሰብ ካብዚ ንዝዓበየ ዕላማ ዝተፈጥረ እዩ፡ ነዚ ከኣ ማርያምን ካልኦት ብዙሓት ከም ቅዱስ ኦርታዶን ካልኦት እውን ኣብዚ ዘለዉ ዘስተውዓልዎ እዩ፡ ክሳብ ከም ዝበልካዩ ይዅነለይ ንምባል ዝበቕዑ።

ወንጌል ከምዝምህረና ዓለም ውሑዳት ህሙማን ስለ ዝህልዉ ብሉጽ ዝኸውን እዩ ማለት ኣይኰነን። ውሑዳት ተነቀፍትን ውሑዳት ድኻታትን ወይ ኣረጋውያንን ስለ ዘለውዎ ብሉጽ ኣይክኸውንን እዩ፡ ውሑዳት ሓጥኣውን እውን ስለ ዘለዉ ብጽሉ ክኸውን ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡ ዓለም ብሉጽ ዝኸውን ልክዕ ከምቲ ታሪዀም ዘዘንተውና ቃል ምስክርነቶም ዘስምዑና ኣብዚ ጉባኤ፡ ኣብ ብርሃን ዝኣምኑ ተባዓትን ኣብ ጽባሕ ሎሚ እምነት ዘለዎምን ኣብቲ ኩሉ ዝልውጥ ሓይሊ እግዚኣብሔር ዝኣምኑ ምስ ዝህልዉ እዩ፡ ንኣኻትኩም መንእሰያት፡ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ንምዃን ትደልዮ ዶ እንክብል እሓትት፡ (ኩሎም እወ ንደልይ እንክብሉ ይምልሱ)፡ ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ትብሉ ዶ? ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ሰብኣዊ ዝገብርና፡ ባእሲ ኣይኰነ፡ መጽናዕቲ እውን ንበይኑ ሰብኣውያን ኣይገብረናን እዩ፡ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ምሉኣን ዝተለወጡን ሰብኣውያንን ዝብረና፡

ኣነ እውን ክምዝበልካዮ ይኹነለይ ንኽብል ምእንታይ ጸልዩ

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ድሕሪ ምዝዛም ቃለምዕዳኖም ዝካየድ ጸሎት ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን እናሓሰቡ፡ ገጽ ንገጽ ምስ ኢየሱስ ክርናኸብ ኢና፡ ኵሎም መንእሰያት ንኢየሱስ ልባቶም ክኸፍትሉ ይዕድሙ፡ ሕይወት ምስቲ ዅሉ ተኣፋፍነቱን ንኡስነቱን ውህበትን ውበትን እውን እዩ፡ ሓንጐፋይ ቢልና ንኽንቅበልን ንኸነእንግድን ይድርኸና።

ንስኻትኵም እውን ኣብቲ ናይ ፍቕሩ ታሪኽ ኣብ ዓለም ንኽትዋስኡ ድላይ ከምዘለኩም ንገርዎ ንልዕሉ ዕላማ ዝተፈጠርኵም ኢኻትኵም።

ምስ ኢየሱስ ገጽ ንገጽ ኣብ እትዀኑላ ኣብዛ ናይ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ሰዓት እዚኣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ኣነ እውን ንሕይወት ብዘይ ፍርሒ ሓንጐፋይ ቢለ ንኽቕበልን ኣናሳር መታን ምዕቃብ ክኽእል፡ ከም ማርያን ከምቲ ዝበልካዮ ይዅነለይ፡ እነዅልካ ንምባል ክኽእል ምእንታይ ጸልዩ ሓደራ ኢሎም።

እቲ ጸሎተ ዋዜማ ብኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ናብ ምዝዛም ገጹ …. ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት በቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእስያት፡ ስድራ ቤትን ውፍይ ሕይወትን ምእንቲ ጸዋዕታ ክህነትን ልኡካነ ወንጌልን ጸሎት ዓሪጉ፡  እቲ መደብ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ቡራኬን ጸሎት በማላድነት ማርያን ቀሪቡ፡ ማርያም ከምእተሰንየና …. ዝተረጋገጸ እዩ እንክብሉ እቲ ዝተካየደ ጸሎት ዋዜና ከምእተዝዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምዝዛም ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ፓናማ ጸሎተ ዋዜማ
27 January 2019, 18:45