ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን መገሻ ከካይዱ ትስፍው ምዃኖም ይገልጹ ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን መገሻ ከካይዱ ትስፍው ምዃኖም ይገልጹ 

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን መገሻ ከካይዱ ትስፍው ምዃኖም ይገልጹ

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ፥ ናይ ፍርሒ መናድቕ ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጸ ኣንብቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናብ ፓናማ እተብጽሖም ነፋሪት ምስ ተሳፈሩ ነቶም ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓንን ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ካብቶም ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብቶም ዘሰንይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ጃፓናዊ ልኡኽ ጋዜጠይና ንጃፓን ንኽትበጽሑ መደብ ዶ ኣለኵም እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ እወ  ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ መደብ ኣሎኒ ምስ በሉ፡ ዋላ’ኳ ህልው ኩነታት ዝፈቕዶ ዘይመስል ምዃኑ ዝግለጽ ይኹን ብሓቂ ናብ ዒራቕ ክበጽሑ ዓቢ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ኣስዒቡ እውን ሓደ ካብቶም ኣብ ቀረባ ኣዋን ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሜድትራኒያን ዝጠሓሉ ናይ ሞት ሓደጋ ካብ ዘጋጠሞም ኣብ ዝለበሶ መረሃጫ ብላስቲክ ሸፊኑ ዝሸቐጦ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ዝተረኽቦ ዘኪሩ እንታይ ትብሉ እንክብል ዘቕረብሎም ሕቶ ልቦም ኣዚዩ ዝተንከፎን ዘሕዝን ታሪኽ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ምምላሰይ ክዛረበሉ ይሓይሽ ቢሎም ከምዝመለሱን፡ ዝተሰምዖም ሓዘን ኣብ ገጾም ይንበብ ኣውን ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ራይ ኡኖ ናይ እተሰምየ ናይ ተልቪዥን ጣቢያ ልኡኽ ጋዜጠይና፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘድብው ከባቢ ቱኹና ተዓጊቶም  ዘለዉ ስደተይናታት ጠቒሱ ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ ፍርሒ ንጽላሌ እዩ ዘብጽሓና፡  ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ፥ ናይ ፍርሒ መናድቕ ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጸ ኣንብቡ እንክብሙ ምስ መለሱ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ፥ ብዛዕባ ናብ ጃፓን መደብ ጉዕዞ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሱ፡ ኣብ መጽናዕቲ ዘሎ ምዃኑን፡ ከምቲ ቅድም ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎን ኣብ ካልእ እዋን እውን ከምዝገልጽዋ ጃፓን ክበጽሑ ዘለዎም ድላይ ዓቢይ እዩ፡ እቲ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ጃፓን ይጽናዕ ኣሎ እንክብሉ ምስ መለልሱ፡ ብዛዕባ ዒራቕ ምብጻሕ ዝብል ጉዳይ እውን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ኣካይዶ ምስ ተመልሱ ከምዝበልዎ ህልው ኩነታት ዝፈቕዶ ከምዘይመስል እዩ እንክብሉ መልሲ ሂቦም።

 

23 January 2019, 17:13