ድለ

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሳተፍሩላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሳተፍሩላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት  

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሳተፍሩላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት

“ቡካሎቭ ሰብኣውነት ዝዓሰሎም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘኽብሩ ፍርሒ ዘይነበሮም፡ ዘኽብሩ እምበር ዘይፈረሑ፡ ካብ መለኰት ክሳብ ተራ ሰብ፡ ኣብ ኩሉ ሰብኣውነት ዘለልዩ ሰብኣውነት ዝተጸገዉ እዮን ነይሮም”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናብ ፓናማ ኣብ እተብጽሖም ነፈሪት ኣሊታልያ መገዲ ኣየር ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ዕለታውያን ጋዜጣታትን መራኸቢ ብዙሃንን መደብራት ተለቪዥንን ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ናይ ታስ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ዝነበሩን ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻታቶም ዝሰንዩ ዝነበሩን ኣብ ቀረባ እዋን ማለት ዕለት 28 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ጋዜጠይና ቡካሎቭ ዘኪሮም ዝተሰምዖን ሓዘን ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ካብ ዘመሓላለፍዎ ምንጪ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ  ቫቲካን

ኣለክሳይ ቡካሎቭ ናይ ታስ ናይ ዜና ኣገግሎት ሓላፊ ካብ ሮማ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ኣግልግሎቶም ልኡኽ ጋዜጠይና ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዘሰነዩ ልኡካን ጋዜጠይናታት ሓደን ብሉጽን ብሓቂ ክቡር ሰብኣውነት ዝተዓደሉን ልክዕ ናይ ዶስቶቪስኪ ኣገባብ ዝዓሰሎ ጽሙር ጽሑፍ ኣቀራርባ ዝነበሮምን ዓቢይ ጋዜጠይና እንክብሉ ነቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ኣብ ዘቕረብሉ ዘረባኦም ከምዝዘከርዎም ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ቶርኒየሊ ኣስዒቦም፡

“ቡካሎቭ ሰብኣውነት ዝዓሰሎም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘኽብሩ ፍርሒ ዘይነበሮም፡ ዘኽብሩ እምበር ዘይፈረሑ፡ ካብ መለኰት ክሳብ ተራ ሰብ፡ ኣብ ኩሉ ሰብኣውነት ዘለልዩ ሰብኣውነት ዝተጸገዉ እዮን ነይሮም” እንክብሉ ከምዝዘከርዎም ገሊጾም፡ “ስለ ነፍሰ ሄር ቡካሎቭ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ” ቢሎም ንደቓይቕ ንዅሎም ንዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ናይ ጽሞና ጸሎት ሓቲቶምን ድሕሪ ቁርብ ደቓይቕ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ብዝብል ጸሎት ነቲ ናይ ሕልና ጸሎት ዛዚሞም፡ ኵሎም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ንብጻዮም መሳርሕቶም ንዝነበሩ ዓቢይ ጋዜጠይና ቡካሎቭ ቅዱስነቶም ምዝካሮም ምስጋናኦም ብጣቕዒት ከምዘቕረቡሎም ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ናይ ሰላምታ ቃል ቅድሚ ምቕራቦም ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ለኻዊ መገሻታት ዋና ኣሰናዳኢ ንኽኰኑ ዕለት 2 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብቕዱስነቶም ዝተሾሙ ብፁዕ ኣቡነ ማውሪሲዮ ሩወዳ በልዝ ንቕዱስ ኣቦና ንፈለማ ጊዜ ኣብዙ ጉዕዝ ናብ ፓናማ ንዘሰንይዎም ዘለዉ ብቕዱስነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ዋና ሓላፊ ንኽዀኑ ዕለት 31 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ንዝተሰምዩ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ምስ ጋዜጠናታት ከምዘላለዩ ቶርኒየሊ ሓቢሮም።

(Andrea Tornielli)

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሳተፍሩላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት

 

23 January 2019, 14:36