ድለ

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፓናማ

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ማለት ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዝጻረር ቅንዕናን ፍትሕን ማለት ምዃኑ ብዝምስክር ኣገባብ ምንባር ማለት እዩ

ዕለት 24 ጥሪ 2019 ዓ.ም. እዞም ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ (1983 ዓ.ም.) ንፓናማ ምብጻሕ ዘካይዱ ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽብሪ ሃገረ ፓናማን መንግስቲ ፓናማን ኣብ ሕንጻ ቦሊቫር ቤተ መንግስቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሰለስተን ኣርቦኣን ሓሙሽተን ደቓይቕ ኣብ ኣፈት ቤተ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ፓናማ ኣብ ዝተገበረሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት ብርእሰ ብሔር ዅዋን ካርሎ ቫረላን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ርእሰ ብሔር ኹዋን ካርሎስ ቫረላ ናይ ግሊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ኣርብዓን ደቓይቕ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናትን ናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት ልኡካን ኣብ ፓናማን ላዕለዎት ናይ መንግስትን ኣካላት በርገሳያን ማሕበራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ድሕሪ መደረ ርእሰ ብሔር ቫረላ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ክቡር ርእሰ ብሔርን

ክቡራት ሰበ ስልጣናት

ክቡራትን ክቡራንን

እብክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ብምብጋስ፡ ኣቐዲሞም እውን ርእሰ ብሔር ቫረላ ንዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ናይ ክብሪ ቃሎም ኣመስጊኖም፡ ብኣኹም ርእሰ ብሔር ኣቢለ ንመላእ ሕዝቢ ፓናማን ካብ ዳሪየን ክሳብ ቺኪቅዪን ቦካስ ደል ቶሮ ንዘሎ መላእ ሕዝብኹም ሰላምታይ አቕርብ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ መንእሰያት ንምእንጋድ ዝገበርክምዎ ህርኩት ምድላዋት የቐንለየይ እብል።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ ሃገራዊ ተወላዲ ቨነዝወላ ሲሞን ቦሊቫር ኣብ 19 ክፍለ ዘመን መላእ ላቲን ኣመሪካን ተጠቀምቲ ቋንቋ ስፓንሽ ሕቡራት ሃገራት ንክዀና ዝብል ድላዩ ዘኪሮም። ሕዝብና ናይ ዝተፈላለያ ባህልታት ህዝቢ ከእንግድን ከኽብርን ሓንጐፋይ ቢሉ ክቕበል ኩነታት ናይ ምፍጣርን ምልላይን ብቕዓት ዘለዎ ብፍላይ ዓባይ ሃገር ናይ ምሕላም ብቕዓት ዘለዎ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ፓናማ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ዓቢይ ሕልሚ ሃገር እያ። ውቅያኖስን ባህርያዊ መሬትን እተራኽብ ድልድል እያ፡ ( … ) ትእምርቲ ናይቲ ካብ ጥምረትን ቃል ኪዳንን ዝምንጭው ዘላቕነት እያ፡ እምበኣር ከስ እዚ ክውንነት’ዚ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይ ትዕድልታቱን ናይ መላእ ሃገሩን ዕጫ ተዋሳኢ ‘ንጡፍ ተሳታፊ’ ኣብ ምዃን ዝድርኽ ክኽውን ኣለዎ፡ ( … ) እዚ ንጡፍ ተሳታፍነት’ዚ ነቲ ፍሉጥ ዝዀነ ትምህርቲ ናይ ምርካብን ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ናጽነት ንምጽባብ ዝብልን ናይ ዜጋታት ክብሪ ዕሽሽ ምባልን ብፍላይ ንድኻታት ዘይምጋዳስ ዝብል ሓደጋ ከይህሉ ብዝገብር ኣገባብ ውሑስ ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንቐዳሞት ተወለድቲ ሃገር፡ ብሪብሪን ቡግለን ኤምበራን ኩናን ናሶተሪበን ንጋበን ዋውናናን ሰላምታይ ቐርብ ቢሎም፡ ናይዞም ደቀባት እጹብን ዘደንቕን ኣበርክቶታቶም ብኣጽንዖት ኣዘካኺሮም፡ ሓድሽ ትውልዲ ብፍላይ እቶም ናይ ብሔር ምሕደራዊ ጉዳይ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም ምስቲ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ዘለዎ ክብሪ ዝተኻኸል ኣገባብ ሕይወት ክህልዎም ይግባእ፡ ብቑጥብነትን ብግልጽነትን ብምንባር ነቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ዓለምን ዘለዎም ሓላፍነት ክነብሩን፡ እዚ ኸኣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ማለት ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዝጻረር ቅንዕናን ፍትሕን ማለት ምዃኑ ብዝምስክር ኣገባብ ምንባር ማለት እዩ ኢሎም። ኣብዘን መዓልታት ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ሃገረ ፓናማ ካብ ዝተፈላለያ ሃገር ዓለም ንዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣራኻቢት ስፍራ ክትከውን እያ፡ ( … ) ኵሎም ብሓባር ሓድሽ ብሉጽ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ ዘለዎም ድላይን ሕርኩት ጻዕርን ዝነብርሉ እዋን እዩ። በዚ ኣገባብ’ዚ ነቲ ርሑቕ ዘይጥምት ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ሓጺር ጸርግን ንምርኰ ገዛእ ርእሱ ንዘረክብን ህርፋንን ወይ ነቲ ምጽንጻንን ንናይ ውደራን፡ ሕግን ስርዓትን ሓያላትን ጥራሕ ዝብል እቲ ብርቱዕ ነቲ ድኹም ምዕብላል ዝብል ከም ፍሉይን እንኰን መገዲ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ንዘቕርብ ምልካዊ ከይዲ እደ ጥበብ ምቑሕ ምዃንን ንዝብል ንሓድሽ ርእየት ሰብኣውነት ዕጽው ንዝዀነ ዓለም (ወንጌላዊ ሓሴት ፍቕዲ 53 ረኣ) ክብድሁ ስንድዋት እያቶም። ( … ) ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ናይ ሓድሽ ምርኻብን ምርድዳእን ምትሕብባርን ምህዞን ንሓድ ሕድ ምድግጋፍን ንዝብል ሓድሽ ድልድል ከምእተኸፍተ ክንምስክር ኢና፡ ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ መደረ ከጠቓልሉ እንከለዉ፥ ካልእ ሓድሽ ዓለም ዝከኣል እዩ ( … ) መንእሰያት ነዚ ሓድሽን ክኡልን ዓለም ንምሕናጽ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምስኦም ንኽንሓብር ይዕድሙና፡ ስለምንታይ ኩሉ ጽባሕነት ናይ ምሕላም ዕድል መታን ክህልዎ፡ መሰልን ክብርን መጻኢ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ክፍሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ ቢሎም …

እዚ ርክብ’ዚ መታን ክኽወን ንዝገብርክምዎ ጻዕሪ ኵሉ ምስጋናይ አቕርብ፡ ንኣኹም ክብር ርእሰ ብሔርን ንዅላትኩም ኣብዚ ንዝተአኸብኩምን ብመራኸቢ ብዙሃን ነዚ ኩነት’ዚ ንዝከታተሉን ምስጋናይ ደጊመ አቐርብ፡ ዝተሓደሰ ተስፋን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ምግልጋልን ዘሎ ሓሴት እምነየልኩም።

ቅድስተ ማርያም ዘኣንቲጉዋ ፓናማ ትባርኽን ትዓቅብን

ቢሎም ከምዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ሓቢሩ።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፓናማ

Photogallery

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፓናማ
25 January 2019, 09:12