ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ከባቢ ማእከላይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ

ንሮመሮ ቤተ ክርስቲያን ምስማዕ ኣብ ውሽጥኻ ቤተ ክርስቲያን ክስምዓካ ማለት፡ ከም ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስሕሳብን ምስትንታንን ማለት እዩ ( … ) ሓደ ጓሳ ጐይታ ክደልን ክራኸቦን ናይ ሕዝቡ ህርመት ልቢ ምስማዕ ከመሃር ኣለዎ፡

ቅዱስ ኣቦና ካብ ቤተ መንግስቲ ሕንጻ ምስ ተሰናበቱ ናብቲ ኣብ ፓናማ ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ናብ ዝራኸብሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ቤተ ክርስቲያን ከይዶምን ብናይ ሮማ ስዓት ኣቆጻጽራ ሓሙሽተን ርብዕን ከምእተራኸቡን ቃለ ምዕዳን እውን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ልዊስ ኤስኮባር ኣላስ ብስም ኵሎም ብፁዓ ጳጳሳት ንዘቕርብለይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃሎም አመስግን፡ ጐይታ ነቲ ቕዱስ ሕዝቡ ንኽትሕልዉን  ኣብ ዝሃበኩም ሓላፍነት ጉስነት ዘሎ ሃረርታኹምን ውጥናትኩምን ሕልምታትኩምን ኵሉ ኣብዚ ምሳኹም ሓቢረ ክካፈል ሓጐስ ይስምዓኒ ምስ በሉ፥ ቅዱነቶም ከም ኣብነት ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ንመልከትን ኣብነቱን ንከተል ቢሎም፡ ሕይወትን ትምህርትን ቅዱስ ሮመሮ ንቤተ ክርስትያንና ብፍላይ ንኣና ጳጳሳት ትምህቲ እዩ ምስ በሉ፡ ብዙሓት ካህናትን ኣባላት ውፉያን ሕይወትን ኣሓውን ካህናትን ዓለማውያን ምእመንን ከም ሮመሮ ኣብ ቅድሚ ኢፍትሓውነትን ኣብ ቅድሚ ናይ ብዙሓት ሕይወት ናብ ድኽነት ንኸንቆልቍል ኣብ ዝገብር ኵነትን ኣብ ቅድሚ ናይ ስልጣን ዓመጽን ድምጺ ቤተ ክርስቲያን ንክስማዕ ሕይወቶም ዝሰውኡ ብዙሓት እያቶም። እዚኣቶም ከኣ ንእግዚኣብሔር ብሕይወትካ ክብርን መጐስን ንምቕራብን ናብ ቅድስና ንምምዕዳውን ሃረር ዝብልን ብህላዌኡ ቅድስናኡ ክውድስ ዝደልይ ኵሉ ናይ ምሕረት ተግባር ንኽነብርን ምእንቲ ምሕረት ክዓይን (ተፈስሑ ወተሓሰዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 107 ረአ) ክነብርን ዝተጸውዐ ምዃኑ የመላኽቱና ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ናይ ሮመሮ ናይ ጵጵስና መርሕ ቃሎም፡ ምስ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ክስምዓካ ዝብል ከዝነበረ ዘኪሮም፡ እዚ መርሕ ቃል’ዚ መላእ ሕይወቶም ኣብ ጽንኩር እዋን እንተዀነ እውን ኣብ ተኣማንነት ምንባር ዝብል መንገዲ ንኽነብሩ ዝገበረ እዩ፡ ንኣና ንዝስዋዕ ሕይወትን ንሕዝብና ዕለት ብዕለት ምግልግልን ንዝብል እዚ ንቝሕን ዘህውይን ምስክርነት ንኸነቕርብ ዘተባብዕ ዓቢይ ውርሻ እዩ፡

ሮመሮ ቤተ ክርስቲያን ክሰምዓን ጽን ክብላን ዝኸኣለ ብቐዳምነት ኣብ እምነት ዝወለደቶ ኣደ ብምዃና ስለ ዘፍቕራን ኣካል ናታን ኰይኑ ስለ ዝተሰመዖን እዩ፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ብውዕዉዕ መፍነስ ኩሉ ( … ) እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕረቦ ዝተሓደሰ ሓሳብን ኣበርክቶታቱን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህቲ ሓንጐፋይ ቢሉ ስለ ዝተቐበሎ እዩ

ኣብኡ እቲ ክርስቶስ ንኽስዕብ ዝድግፎ ጽኑዕ ቅልጽ ረኸበ፡ ብፖለቲካዊ ርእየት ወይ ከኣ ፖለቲካዊ ርእየተዊ ስለ ዝነበረ ኣይኰነን ( … ) ካብ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ተዀሊዑን እዩ። ንሮመሮ ቤተ ክርስቲያን ምስማዕ ኣብ ውሽጥኻ ቤተ ክርስቲያን ክስምዓካ ማለት፡ ከም ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስሕሳብን ምስትንታንን ማለት እዩ ( … ) ሓደ ጓሳ ጐይታ ክደልን ክራኸቦን ናይ ሕዝቡ ህርመት ልቢ ምስማዕ ከመሃር ኣለዎ፡ ናይ እዋኑ ሰብ ሽታ ዘሽትትን ዘስተውዕልን ክኽውን ኣለዎ። ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም kenosis ዝብል ቃል ግሪክ ጠቒሶም ትርጉሙ ከኣ ገዛእ ርእስኻ ምውራድ ትሕት ምባል ማለት ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብቐዳምነት እግዚኣብሔር ብኽርስቶስ ክሳብ ኣብ መስቀል ብሙማት ዝዀኑ እዩ፡

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ይነብር። ስለምንታይ ንሳ ትሕትን ድኻን ስለ ዝዀነት፡ ሓንቲ ትዕቢተይና ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ሕብንትን ርእሰ ብቕዓትን ዝዓብለላ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ገዛእ ርእሱ ዘትሓተን ዘዋረደን ክርስቶስ ቤት ክትከውን ኣይትኽእልን (ስብከት ሮመሮ ዕለት 1 ጥቅምቲ 1978 ዓ.ም. ( … )

ናይ ሕዝብና ኣቝሳልን ክንትንክፍን ቅረባ ክንከውንን ከፍርሓና የብሉን ኣሕዋተይ፡ እዚ ብናይ ጐይታ ኣገባብ ገርና ንንበሮ፡

ጓሳ ንናይ ሕዝቡ ስቓይ ርሑቕ ኰይኑ ክነብር የብሉን። ካብኡ ብዝለዓለ ደረጃ እውን ብናይቶም ናይ ብዙሓት ዝቖሰለን ንሓደጋ ዝተቓልዔን ሰባት ሕይወት ምስ ዝርእይ ተኻፋሊ ናይ ምዃን ብቕዓት እዩ ክህልዎ ዝግብኦ

( … ) እዚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኵነት ዕለት ብዕለት ኣብ ሕይወትና ናብቲ ትስፍውን ሃረርታን ከምኡ እውን ብጥልቂ ስቓይ ምልኵት ዝዀነ ናይ መንእሰይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኵውንነት ብዝያዳ ቀረባ ንኽንከውን ዝድርኸና ኣጋጣሚ እዩ፡ ( … ) ምስኣቶም ኣብ እንነብረሉ ዓለም ወንጌል ንዅሉ ከምዝዀነን እሙንን ክምዝዀነን ንኸነርእይን ንኽንነብርን ንኽእል። ንሳቶም ከም ማሕበረሰብ ከም ሕብረተሰብን ከመይ ከምዘለና መዐቀኒ እያቶም። ንሳቶም ኣብ ውሽጦም ጭንቀት ዘለዎም እያቶም፡ ስለዚህ ከነኽብሮምን ከነድንቖምን ከነሰንዮምን እዩ ዝግብኣና ( … )

ንመንእሰያትኵም ሓላፍነት ክስምዖም ዝገብር ዝድገፍሉን ዝስነይሉን መደብ ሕንጸት ይሓልኹም፡ እቲ በናኒ ዝዀነ ዘይነባርን ሕላኔታቶም ኵሉ ዝማርኽን ዝምዝምዝ ናይ ሞት ባህሊ ከይመንዞዖም እንክሎ ኣቐዲምና ካብኡ ንእለዮም፡ እዚ ብመላኻ ኣባታውነት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብምጥማት ኣይዅን

ስለንታይ እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ከምኡ ስለ ዘይኰነ፡ ንሱ ዝሓተንና ኣቦን ውነተይና ሓውን ምዃን እዩ ( … ) እቲ ዘሕዝን ሕይወቶም በቶም ሕይወት ዝዕፍኑ ቅጽበታዊ መልሲ ብዝህቡ ነገራት ዝተዓብለሉ ውሑዳት ኣይኰኡን፡ ኣበው ሲኖዶስ፡ ብዙሓት መንእሰያት ተገዲዶም ድዮም ወይ ብጉድለት ኣማራጽታት ኣብ ብርቱዕ ውሽጣዊ ግርጭትን ብቕልጡፍ መፍትሒ ኣብ ዘይረክብሉ ንኣብነት ኣብ ዓመጽ ኣብ ቤትን ቅትለት ደቀንስትዮን ጽግዕተይና ዕጸ-ፋርስን ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ምዝመዛን …  ኣብ ዝኣመሰለ ኩነት ከምዝርከቡ ገሊጾምልና እያቶም።

ኣብቲ ብሓቂ ዘሕዝን ብዙሕ ግዜ ዝረአይ ዓይነት ፈሪሳዊ ክህነታውነት ኣይትእመኑ፡ … በንጻሩ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ እያ፡ ናይ ክርስቶስ ሓልዮትን ርህራሄን እያ፡ … ምስ ቤተ ክርስቲያን ኰይንካ ጽን ምባልን ምስማዕን ምስ ኣማኒ ሕዝቢ ኰይንካ ምስማዕ ማአት እዩ፡ እቲ ዝሳቐን ትስፍውን ሕዝበ እግዚኣብሔር ( … ) ናጻን ኣብቲ ገዛእ ርእሱ ዘዋረደን ክሳብ ኣብ መስቀል ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበን ጐይታ ዝተማእከለት እያ፡

ከምቲ ቅዱስ ሮመሮ ዝብሎ ዝነበረ … ናይ ስልጣናትን ሓያላትን ወይ ናይ ፖለቲካ ስልጣናት ሓይሊ ሓይላ እትገብር ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ፡ ካብኡ ብኽብሪ ዝረሓቐት ኣብቲ እውነተይና ሓይላ ዝዀነ ኣብ ናይ ስቑል ኢየሱስ መርከብ ጸኒዕ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ምዃን የድሊ

እዚ ኸኣ ብዝረኣይን ጭቡጥን ተግባር ዝትርጐም እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ኣብ ምርጫታናን ዘሎና ምጣኔ ኣብ ኣጠቓቕማ ጽልዋናን  እዚ ኸኣ ኣብቲ ናጽነት ዘድክምን ዋጋን ዕዳጋን ዝብል ተዋጋይነትን ዘይምእማን ዝብልን ናብታ ጐይታ ዝጸወዓና ሓቀይናነትን ዝብል ኣቛውማናን ከመይ ከምዘለና ናይ ሕልና መርመራ ንኽንገብር ይሓትተናን ይድርኸናን፡ ምስ በሉ፥

ክቡራት ኣሕዋተይ እምበኣር ኣብ ትሕቲ ካባ ማርያን ገዛእ ርእስና ነንብር፡ እቲ ናይ ጓሳ ልባትና ንሳ መታን ክትዕቅበናን ክትሕልወናን ምስኣ ሓቢርና ነቲ ናይ ወዳ ክርስቶስ ኣካልን ኣብ ጉዕዞ ዘሎን ዝጽልን ኣብዚ ኣብ ማእከላይ ላቲን ኣመሪካ ዝጽልን  ቅዱስ ሕዝበ ግዚኣብሔ መታን ከነገልግል ንጸልይ፡

ኢየሱስ ይባርኽኩም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትዓቅብኩም፡ ሓደራኵን ስለይ ምጽላይ ኣይትረስዑ፡ የቐንየለይ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ከባቢ ማእከላይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ
25 January 2019, 09:05