ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ናብ እግዚኣብሔር ምጽላይ

ንእግዚኣብሔር ኣብ ጸሎት፡ ብጸሎት ናብ እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ገጹ ዝሓብእ ኣይኰነን ኣብ ሱቕታ ዝተዓጽወ እውን ኣይኰነን፡ ሰለምንታይ ንፍቕሩ እሙን ስለ ዝዀነ፡ ኩሉ ዝተቐበልናዮ ክህሎታት ዘበለ እንተበተንናዮን እንተዘየርባሕናዮን እውን ንሱ ወትሩ ይደልየናን የፍቅረናን

ሎሚ ዕለት 16 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብታ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ኣብ ዝብል ጸሎት ኣተኵይሮም ዘበገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ብምቕጻል፥ እግዚኣብሔር ኣቦ ጥራሕ ዘይኰነስ ከምታ ፈጺማ ደቃ ካብ ምፍቃር ከምዘይትበኵር ኣደ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብዝብል ልሙዳዊ ሰላምታኦም ኣብ ዘበገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ  

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜን ከምኡ እውን ናብ ሰብ ገላቲያ

ከመይ ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ ኣቦ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር ናብ  ፍርሃት ክትምለሱ መንፈስ ጊልያነት ኣይተቐበልኩምን (ምዕ. 8,15)

ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ ነቲ ኣባ ኣቦ ኢሉ ዝጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣዀ (ምዕ. 4,6)

ኣንክብል ኣብ ዝጻሓፎ ቃል ብምስትንታን፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ጸሎት፡ ብጸሎት ናብ እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ገጹ ዝሓብእ ኣይኰነን ኣብ ሱቕታ ዝተዓጽወ እውን ኣይኰነን፡ ሰለምንታይ ንፍቕሩ እሙን ስለ ዝዀነ፡ ኩሉ ዝተቐበልናዮ ክህሎታት ዘበለ እንተበተንናዮን እንተዘየርባሕናዮን እውን ንሱ ወትሩ ይደልየናን የፍቅረናን …

እግዚኣብሔር ኣቦ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣደ እውን እዩ ካብ ንደቃ ምፍቓር ከምዘይትበኵር ኣደ … ወትሩ ነባርን ዘይቋረጽን ጽንሰት ኣሎ፡ ክንየው ጥንሲ ኣካላውን ትሽዓተ ወርሕን፡ ብዘይ ምቁራጽ ፍቕሪ ዝወልድ እዩ፡ … ንሓደ ክርስቲያን ምጽላይ ማለት ኣባ ምባል ጥራሕ እዩ፡ ብእማኖን ልክዕ ሓደ ሕጻን ነቦኡ ኣቦ ከምዝብሎ፡ ልክዕ ከምኡ ማለት እዩ!

ኣቦ እትብል ቃል

እግዚኣብሔር ኣብ ምጽቃጥ ገዛእ ርእሱ ዘይዓጽው፡ ገጹ ዘይኽውል ኣብ ቅድሚ ኵሉ ተስፋ ቍርጸትና እውን ይዅን ዘይኽወል

ንስኻ ኣቦ ጥራሕ በሎ፡ ንስኻ ኣቦ ዘሎካ ኢኻ፡ ንሱ መዓዝ ፈጺሙ ኣብ ምስቃጥን ገጹ ኣብ ምኽዋልን ዘየለ ኣቦ እዩ፡ … ዘፍቅር ኣቦ ኣሎካ ፈጺሙ ኣበይነትና ዘየጥፍእ ኣቦ እዩ .. ኩሉ ዝርእን ዝፈልጥን ኣቦ። እነ እዚ ገይረ ኣቢሰን ካልእ እውን ንብል ንኸውን ንሱ ግና ንፍቕሩ እሙን ስለ ዝዀነ ኣብ አበይነትና ኵሉ ምሳና እዩ

ኣገዳስነት ጸሎት

ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ጸሎት ኣብቲ ናይ ጸሎት እንታይነት ዘተኵር እዩ ዝመስል፡ ኣብታ ኣባ … ኣቦ እትብል ቃል ዘቕለበ እዩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ቃል ብስምረት ይዕቅባን የስተምህራን፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ቢልካ ናብኡ ምቕራብ ወንጌላዊ ሕዳሴ እዩ።

ክርስቲያን … ንኢየሱስ ምስ ፈለጠን ምስኡ ምስ ተራኸበን ስብከታቱ ምስ ሰምዔን፡ እግዚኣብሔር ንኣኡ ዝፍራሕ ምልኪ ከምዘይኰነን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሒ ከምዘይርዕድን የስተውዕል፡ ስለምንታይ ኣብ ልቡ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎ እማኔ ስለ ዝጥጥዕ። … ኣቦ ቢልካ እናጸዋዕካ ምስኡ ምዝራብ፡ ናይ እግዚኣሔር ኣቦነት ንክርስትያን ኣገዳሲ ተመክሮ እዩ፡ …

ሓደ ሕጻን ምስ ኣቡኡ ዘለዎ ርክብ

እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝግለጽ ኣቦነት እግዚኣብሔር በቲ ኢየሱስ ኣብ እዋኑ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ዝጥቀመሉ ብዝነበረ ቋንቋ ኣራማይስጥ፡ ክምዘሎ ከይተተርጐመ እዩ ዝተነብረ፡ ኣባ .. ኢየሱስ እውን ጸሎት ከስተምህር እንከሎ፡ ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና እዩ ዝብል። ኣባ ዝብል ቃል ምስ ምስጢር እግዚኣብሔር ዝተኣሳሰረ ዘይኰነስ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎ ጥልቂ ውሳጣዊ ምትእሳር ነፍሲ ወከፍ ውላድ እዩ ዘገንዝብ፡ ጭቡጥ ርክብ።

ነታ ኣባ እትብል ቃል ብቋንቋ ኣራማይስጥ ዝተጸሓፈት ክትርጐሞ ዝደለዩ ነይሮም እዮም፡ ይዅን ደኣ እምበር ሎሚ እውን እንተዀነ ክንጽልይ እንከለና ኣባ ዝብል ቃል ኢና ንጥቀም፡ …. ልክዕ ከም ሓደ ውላድ ምስ ኣቡኡ ዘለዎ ቅርበትን ርክብን፡ ልክዕ ከምቲ ሕጻን ኣቦ ወይ ኣባ ከምዝብሎ እዩ።

ናይ ሕጻን ልቢ

ኣቦ ዝብል ቃል ናብ ናይ ሕጻንነት ኵነት እዩ ዝመልሰና፡ ጊዜ ንእስነትና የዘኻኽረና፡ ፍቕሪ ዝገልጽ ድማ እዩ፡

ምእንቲ’ዚ ፍትዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ብሓቂ ምጽላይ ማለት እምበኣር ከስ ናብቲ ናይ ቍልዕነት ኵነት ምምላስ ማለት እዩ፡ ርእሰ ብቑዕነት ዘለዎ ኵይኑ ዝስምዖ ልቢ ሒዝካ ምጽላይ ኣይከኣልን፡ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን ኣብ ሕቕፎ ወላዲኡ ምዃን ማለት እዩ፡

ሕይወት ዝለብሱ ቃላት

ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ዝብል ጸሎት ታሪኽ ናይቲ ጥፍኡ ውላድ ድሕሪ ምንባብና ክንደግሞ እንከለና ፍልዩ እዩ ዝኸውን፡ ታሪኽ ናይቲ መሓሪ ኣቦ፡ ናይቲ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት መልሲ እዩ፡ ሉቃስ ወንጌል ከምዝሕብሮ፡ እቲ ውላዱ ንነዊሕ እዋን ብተስፋ ዝጽበይ ዝነበረ ኣቦ ውላዱ ንኽሓቁፍ ሃረር ዝብል ኣቦ፡ ነቲ ዅሉ ውላዱ ዝኣበሶ ሓዲጉ ክሳብ ክንደይ ዘፍቕሮን ብፍቕሪ ይጽበዮን ከምዝነበረ ብጥልቂ የረድኣና …

እግዚኣብሔር ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ዝፈልጥ፡ ጽልእ ዘይፈልጥ፡ ሕተትዎ ንእግዚኣብሔር፡ ንሱ ምፍቃር ጥራሕ ምዃኑ ክነግረኩም እዩ፡ ቅርሕንትን ቂም በቀልን ሕነ ምፍዳይን … እግዚኣብሔር ፍቕሪ ጥራሕ እዩ፡ ናይቲ ጥፉእ ውላድ ታሪኽ፡ እግዚኣብሔር ክንየው ኣቦነት ኣደነት እውን ምዃኡ ነስተውዕል፡ ብዙሕ እዋን ኣዴታት እያተን ንደቀን ዝምሕራን ይቕረ ዝብላን፡ ምስ ደቃተን ዘለወን ስኒት ዘይቋረጽ እዩ፡ ጽቡቕን ፍቕሪን ኣብ ውላድ እዩ ዝበኵር፡ ዋላ’ኳ እዚ ኹሉ ካብ ኣደ ዘይግብኦም እውን ኰይኑ ይረኸብ ኣደ ካብ ጽቡቕ ውላዳን ፍቕሪ ውላዳን ካልእ ኣይትሓስብን….

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፡ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ናብ እግዚኣብሔር ምጽላይ
16 January 2019, 17:25