ድለ

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ብቕዱስነቶም ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ዝተመሓላለፈ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት እተካይዶ ዘላ ናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ዝተመልከተን ተበጽሖታቱን ገና ክብጽሑ ዘለዎን መዓልቦታት ዝፈለየ ርክብ

ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምርኻብን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያኖም ዝዝትይሉን መረሕ ቃል ዝልገስሉ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መደብ ምብጻሕ ምኽንያት ዕለት 14 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን እቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ዓመጽ ካብ ስሩ ንኽመሓውን ንኸይድገምን ብግልጽነትን ብጥበብን እቲ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ዓቢይ ገበን ምግጣም ከምዘድሊ ቅዱስነቶም የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማ ብፁዓን ጳጳሳት ቺለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅስቲ ማርታ ሕንጻ ተቐቢሎም ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ከምእተመያየጡን ክሕበር እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ናይ ቺለ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ሓልዮ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳንቲያጎ ኻይመ ሲልቫ ረታኣላመስን ናይ ላ ሰረና ሊቀ ጳጳሳት ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቺለ ምኽትል ኣቦ መንበርን ብፁዕ ኣቡነ ረነ ኦስቫልዶ ረቦለዶ ሳሊናስን ናይ ሳንቲያጎ ደል ቺለ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሪካርዶ ኤዛቲ ኣንድረሎን ናይ ሳን በርናድርዶ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ኢግናሲዮ ጎንዛለዝ ኤራዙሪዝን ናይ ተትቺ ስዩም ጳጳስን ናይ ራቻጉዋ ሓዋርያዊ መስተናብርን ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት  ቤት ምኽሪ ጠቕላላሊ ዋና ጸኣፊ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፈርናንዶ ራሞስ ፐረዝን ከምእተሳተፉ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ቸቺሊያ ሰፒያን ግሪሰልዳ ሙቷል ሓቢረን።

እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ዕጽው ምንባሩን ግልጽን ቅኑዕን ከምዝነበረን እቲ ካብ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ልክዕ ምስ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቺለ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣማእኪሉ ንምዝታይ ካብ ዝተረኸብሉ ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ነቲ ብቕዱስነቶም ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ዝተመሓላለፈ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት እተካይዶ ዘላ ናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ዝተመልከተን ተበጽሖታቱን ገና ክብጽሑ ዘለዎን መዓልቦታት ዝፈለየ ርክብ ከምዝነበረ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፈርናንዶ ራሞስ ፐረዝ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቺለ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባን ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጸብጻብ ንምቕራብን ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ቃለ ምዕዳኖምን መርሕ ቃሎምን ንምቕባልን ምልስ ቢሉ ድሕሪ እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቺለ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ዘካየድሉን ክሳብ ሎሚ ዝተረጋገጹ ተበጽሖታትን ከይዲ ልልያን ካብ 2019 ዓ.ም. ክሳብ 2020 ዓ.ም. ማለት ክሳብ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝህልዉ ምዕባሌታ ዘተኩር መደብ ሳልሳይ መክብባዊ ዓውደ ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቺለ ዝምልከት ዝክረ ነገርን ኣማእኪሉ ምስ ቅዱስነቶም ከምዝመኸረን ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዅሉ ክንልብሎ እንደልን ኩሉ ብጽሞና ሰሚዖም ዓሚዩቕ ሓሳብን ምኽርን ከምዝለገሱ ገሊጾም።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን
15 January 2019, 17:18