ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ከይዲ ናብ ሓድነት ኣማራጺ ዘይኰነ ዘይቕልበስ ጉዕዞ እዩ

ነተን ሎሚ ኣውን ተገማምዔን ንዘለዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ዝገብርኦ ንዘለዋ ጉዕዞ ክርስትና እምነት ዝጠልቦ መሰረታውን ግድነታውን እምበር ኣማራጺ ኣኰነን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ከምቲ ልሙድ ድሕሪ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ናይ ጸሎት ሳምንቲ ምጅማር ዕለት 19 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ንመንፈሳዊ ንግደት ሮማ ንዝኣተወ ናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ርክብ፥ ናብ ሓድነት ዝገብር ጉዕዞ ክርስትና እምነት ዝጠልቦ መሰረታዊ ግድነት ምዃኑን ብፍላይ ከኣ ነቲ ብምግምማዕ ዝሳቐይ ዓለም እናረኣና ናብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ከነዶናጉዮ ዘይግብኣና እዩ እሞ ብጸሎትን ብህርኩት ጻዕርን ምእንቲ ምርግጋጽ ፍትሒ ንቕድሚ ንሰጉሞ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ነተን ሎሚ ኣውን ተገማምዔን ንዘለዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ዝገብርኦ ንዘለዋ ጉዕዞ ክርስትና እምነት ዝጠልቦ መሰረታውን ግድነታውን እምበር ኣማራጺ ኣኰነን፡ ስለዚህ ናይ ክርስቶስ ሰዓቢ ምዃን ዝሓቶ ተግባር ምዃኑ ቅዱስነቶም ንልኡኻን ናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም፡ እዞም ብዓመታዊ በዓል ቅዱስ ኤንሪኮ ዘፊንላን ናብ ሮማ በቢ ዓመቱ ኣብ ሮማ ብዝገብርዎ መንፈሳዊ ንደግደት ምኽንያት ብሉተራናዊ ጳጳስ ኩዎፒዮ ያሪ ዮልኮነን ዝተመርሔ ናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጉጅለ ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡

ምእንቲ ሓድነት ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ ወሳኒ እዩ፡ ናይቲ እንናዘዞ  እምነት ሕቶ እዩ፡ ሓድነት ቀንደይና መለለዪ ሰዓብቲ ኢየሱስ እዩ፡ ከም ሰዓብቲ ጐይታ እምበኣር ከስ ከምቲ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ደጋጊሞም ዝበልዎ፡ ሓድነት ጉዕዞ እዩ፡ ስለዚህ ንድሕሪት ዘይምለስን ዘይኣማራጽን እዩ፡

ሓድነት ኣብ ጉዕዞ እናዕበየ ይኸይድ

ኣብ መንጐና ዝፍጠር ሓድነት ኣብ ጉዕዝ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ፡ ከምዚ ምዃኑ እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ በዓለ ቅዱስ ኤንሪኮ ናብ ሮማ እተካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት ይምስክሮ፡ ብሓድነት ነቲ መሰረት ሓድነት ምስ ዝዀነ ክርስቶስ ከም ፍቑራት ደቂ ሓደ ኣቦ ስለዚ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽንራኸብ እዩ።

ሓድነት፥ ምስክርነት ኣብ ኣገልግሎት ፍቕርን ናይ ሓባር እምነትን እዩ

ቅዱስ ኣቦና ንምብጻሕ እቲ ብብፁዕ ኣቡነ ዮልክኖነ ዝተመርሔ ጉጅለ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣመስጊኖም፡ እዚ ርክብን እቲ ናብ ሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ ምስክርነት ኣብ ዝተቐበልናዮ ምስጢረ ጥምቀት ዝተሰርተ ኣብ ኣገልግሎት ፍቕርን ምንባር ናይ ሓባር እምነትን እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ብብፁዕ ኣቡነ ዮልክኖነ ንመላእ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣመስጊኖም፡ ኣብ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ እቲ ስነ ሰብኣውን ስነ ታሪኻውን ዝዀነ ደጋዊ ዝገምምዓና ኩነት ቀዳምነት ኣይንሃበሉ ኢሎም።

ብሓባር ክንጽልይ እንከሎና ብሓባር ወንጌል ከነበስር ኣንከሎና ብሓባር ድኻታት ከነገልግል እንከሎና ብሓባር ኣብ ጉዕዞ ንራኸብን እቲ ናብ ሓድነት እንገብሮ ጉዕዞ ይጉልብትን ይዓብን ጭቡጥ እናዀነ እውን ይኸይድ፡ እቲ ሎሚ ዝፈላልየና ቲዮሎጊያውን መክብባውን ሕቶ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ እምበር ኣብ ደውታ ብምጽናዕ ኣይኰነ እንፈትሖ፡ ኢድ ብዘይ ምውጣን፡ ኣብ ከይዲ እናተፈትሔ እዩ ዝኸይድ፡

ቲዮሎጊያዊ ዘተ፡ ብፍቕሪ ዘይምርድዳእን ቅድመ ፍርድን ምስጋር

ንመንፈስ ቅዱስ ምዕዙዛት እንተድኣ ኰይንና ንሱ ባዕሉ ክንግምቶ ብዘይይከኣል መገዲ እውን ከመርሓና እዩ፡ ርክባትና ንኽኽወንን እቲ ካብ ዘመናት እናተሰጋገረ ዝመጽእ ርክባትና ዝሃሰዩ ዘይምርድዳእናን ቅድመ ፍርድትታናን ንኸነወግድ ግቡእና ከነበርክት ኣገዳሲ ይኸውን፡ እቲ ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ምስጢረ ቅብኣትን ኣብ ዝምልከት ሕቶ  ብሉተራናውን ካቶሊካውን ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ምዕባይ ኣብ ሱታፌ ዘርእስቱ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ ጭቡጥ እዩ ኢሎም።

እቲ ዘሕብረና ኣብ ናይ ክርስቶስ መንፈስ ዘሎና ናይ ሓባር ባህሊ የሀብትመና

ኣብቲ ንሓድነት እንገብሮ ጉዕዞ ንበይንና ኣይኰንናን ቅዱስ ኤንሪኰ ዘፊንላንድን ቅዱሳትን የሰንዩና እዮም፡ ባህሊ ጸጋ እምበር መዋጥር ኣይኰነን፡ ንምፍልላይ እንውከሶ ባይታ ኣይኰነን፡ በንጻሩ ንሓድ ሕድና ንኸነህብትም ብሓላፍነት ዝተወሃበናን ዝተረከብናዮን ጸጋ እዩ

ናብቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል እንከሎ ካብቲ ዝተወግአ ጐድኑ ዝፈልፈለ ናይ ባህልታትና ኣናስር ናብ ዝዀነ ሓደ ዝሕብረና  ኩነት ክንምለስ ወትሩ ንጽዋዕ፡ ገዛእ ርእሱ ከይበቐቐ ኵለንተናኡ ምእንታና ኣወፈየ፡ መንፈሱ እውን ከይተረፈ ዓደለና፡ ካብኡ እዩ ኣማኒ ሕይወትና ዝወሓዘ፡ ኣብኡ እቲ ቀጻሊ ምውላድና ህልው እዩ፡ ኣብኡ ነናይ ሓድ ሕድና መስቀል ምእንታኻ ምእንታኺ እናተበሃሃልና ክንስከም ዝድርኸና ሓይሊ ንረክብ።

ንምርግጋጽ ዝለዓለ ፍትሒ ብሓባር ንጸልይን ሕርኩት ናይ ሓባር ጻዕሪ ነሳልጥ

ኣብቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ከይንደክም ጽዉዓት ኢና፡ ቢሎም እቲ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ሰሙን ዘኪሮም፡ ኣብ ጐይታ ዝለዓለ ሓድነት ከምዘሎ ኣበርቲዕና እንኣምነሉን እንጽልየሉን ሰሙን እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ፡ ጽድቂ ጥራይ ሰዓቡ ኣብ ዝብል መርሕ ቃሉ ተመልኪቱ ኣሎ፡ ሰዓቡ እዩ ዝብል፡ ስለዚህ ፍትሕ ንበይንኻ ዘይኰነስ ምስ ካልኦት ሓቢርካ እትደልያን እተቑማን ምዃንካ እዩ ዝሕብር፡

እቲ ብውግእን ጽልእን ብሔርተይናነትን ምግምማዕን ዝደምይ ዘሎ ዓለም ዝለዓለ ፍትሒ ንምርግጋጽ ይጽንሓለይ ዘይበሃል ናይ ሓባር ጻዕሪ ወሳኒ ምዃኑ የመላኽት፡

ቢሎም ቅዱስ ኣቦና፡ ነቶም ልኡካን ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣጋይሾም ደጊሞም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ሓደራ ኣብ ናይ ሓባር ጸሎትን ምስክርነን እምነትን ንቕድሚት ከምእንብል ተስፈይና እየ፡ ድሮ ኣብ መንጐ ሉተራናዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊንላንድ ዘሎ ምትሕብባር ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ እንክብሉ ዘዝምዕዎ መደረ ዘዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ከይዲ ናብ ሓድነት ኣማራጺ ዘይኰነ ዘይቕልበስ ጉዕዞ እዩ
19 January 2019, 17:36