ድለ

መደረ ቅዱስ ኣቦና ንልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መደረ ኣብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ንፈለማ ግዜ ሓደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ሕንጻ ተረኺቦም ንዘስምዕዎ መደረ ምልስ ቢሉ ዝተመልከተን ብፍላይ ናይ መድብለ ጐናውነት ሜላ ስነ ርክብ ሃገራት ክጸንዕ ዘተሓሳስብ

ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ መላእ ሃገራት ዓለም ልኡካነ መንግስታት ኣብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደን ሓድሽ ዓመትን መልእኽቲ፥ ኣብ መንጐ ሃገራት ምትሕብባርን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ርክባት ሜላ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ዝደክምን ብብሔርተይናነትን ኣዚዩ ዝጥቃዕ ዘሎ መድብለ-ጐናውነት ለበስ ክኸውን ዝብልን፡ ከምኡ እውን ነቲ ግድን ዝዀነ ምልዛብ ብምኽባር  ናይ መላእ ኣህዛብ ረብሓ ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምዚ እንተዘይኰነ ሓያል ኣብ ልዕሊ ድኻን ድኹምን ጸቕጢ ክገብርን ጸገማት ኣዚዮም እናገደዱ ከዱ እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መደረ ኣብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ንፈለማ ግዜ ሓደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ሕንጻ ተረኺቦም ንዘስምዕዎ መደረ ምልስ ቢሉ ዝተመልከተን ብፍላይ ናይ መድብለ ጐናውነት ሜላ ስነ ርክብ ሃገራት ክጸንዕ ዘተሓሳስብ ኰይኑ፡ ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ተራኽቦነት ናብ ብሔርተይናነትን ምድካም መድብለ ጐናውነት እዩ ዝኸውን ዝበልዎን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ርክብ ሃገራት ሃናጺ ክኸውን ከምዝግብኦ የተሓሳስቡ፡

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ 183 ሃገራት መንበር ልኡካነ መንግስታት ከምዘሎን ምስ እዘን 183 ሃገራት ቅድስቲ መንበር ብልኡካነ መንግስታት ዝተሰነየ ስነ ርክብ ከምዘለዋ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብዚ ርክብዚ ወጻኢ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ናይ ማልታ ልዑል ወተሓደራዊ ቅዋምን ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታትን ማሕበራትን እውን ብወግዓውያን ልኡካን ዝተሰነየ ርክብ ከምዘለዋ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ 1900 ዓመታት ታሪኽ ስነ ርክባት ዓለም ዳህሲሶም፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተነብረ ኩነት ርክባት ሃገራትን እውን ተንቲኖም፡ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን፡ ዛዕባ ናይ ስራሕ ኤኮኖምን፡ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ጸኣት ስደተይናታትን ዝብሉ ዓበይቲ ጸገማ ኩለን ሃገራት ዝሰማምዓሉ ናይ ሓባር መፍትሒ ከወሃቦ ዝግብኦ ጉዳይ ምዃኑ  ኣመላኪቶም፡ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ብዛዕባ ስምየት ጳጳሳት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕን ከምኡ እውን ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝዝከሩን ዝኽበሩን በርገሳውያን ዝክረ ብሔረ በዓላት ከም ኣብነት እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ጠቒሶም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ ንመላእ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ወኪሎም ናይ ሰላምታ ቃል ዘስምዑ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀጵሮስ ልኡከ መንግስቲ ጆርጅ ቡሊደስ ክዀኑ እንከለዉ፡ ቅዱስ ኣቦና፡ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ማሕበረሰብ ሃገራት ቅዋሜ እዚ ማሕበር’ዚ ሎሚ እውን እንተዘይሃለወ ፡ ንእዋናዊ መድብለ ጐናውነት ርክብ መሰረት ምዃኑን እዚ ኸኣ እቲ ናይ ሃገራት ሓድ ሕዳዊ ርክብ ብናይ ሓይሊ ስነ ሞጐት እናተገልጸን እናተተርጐመን መድበለ ጐናውነት ርክብ እናዳኸመ ናብ ውግእ ይመርሕ ምህላውን ድሕሪ 20 ዓመት ቅዋሜ ማሕበረሰብ ሃገራት እቲ ኣዚዩ ኣድማዪ ናይ ዝዀነ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘስካሕክሕ ተመክሮ ንኽንበር ዝገበረ እውን እንተዅነ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክቐውም ናብ ዝድርኽ ዓቢይ ውሳኔ ኣብጺሑ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ውሳኔ’ዚ ኵሉሳዕ ስሉጥ ኣውን ኣይዅን ሃገራት ናይ ሓባር መፍትሒ ከናድያ ዝድግፍ ዕድል እዩ።

ኣብ መንጐ ሃገራት ሃናጺ ምንጽጻር

ኣብ መንጐ ተዛተይቲ ወይ ተነጻጻርቲ ጽቡቕ ድላይን ሰናይ እምነትን ቅሩብነትን ቅንዕናን ግልጽነትን፡ ሕድገታትን ዝብሉ ረቛሒታት ኣዚዮም ኣገደስቲ እያቶም፡ እዚ ንስነ ርክባዊ ሜላ መድብለ ጐናውነትን ንሓባር ድልያ መፍትሒ መሰረት እዩ፡ እዚ መድብለ ጐናውነት ምስ ዘይህሉ ናይ ሓይሊ ዓመጽ እዩ ዝረአይ፡ ናይ ርክብ መምዘኒ ሓይሊ ይኸውን፡ ስለዚህ እዩ ኸኣ እቲ ማሕበርሰብ ብሔራት ናብ ቅልውላው ዝኣትወ፡ እዚ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ድኹም ዝብል ዓይነት ስነ መጐት ሎሚ ኣውን ኣብ ብዙሓት ዓለም ሓቆፍ ወዳቤታት ዝርአይ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ህልው እዋን ኣብ መንጐ ሃገራት ሃናጺ ዝዀነ ምንጽጻርን ርክብን ክህሉ ዝብል ጽቡቕ ድላይ ከይጐድል ምጥንቃቕ ኣገዳስነት ከምዘለዎ እንከዘኻኽር፡ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ኣብ ከርሲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን መድብለ ጐናውነት ርክባትን ብሓፈሻኡ እዚ ዝረአ ቅልውላው’ዚ ነቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዓለም ናይ ዘተን ርክብን ቦታ ክኸውን ዝግብኦ ናይ ዓለም ሓቆፍ ወድባት ዘለወን ጸዋዕታ ንሓደጋ ዘቃልዕ ብሔርተይናውነት የተኣታትው ኣሎ።

ካልእ ምኽንያት መንቀሊ ዓበይቲ ጸገማት እውን እቲ መድብለ ጐናውነት ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ገና መፍትሒ ዘይረኽቡ ዓበይቲ ዝተዓብጡ ንግዚኡ ኣብ ድስካለ ንዘለዉ ግርጭታት ዘይብቑዕን ዘይስሉጥን ስርዓት ክኸውን ይድርዀ ኣሎ፡ ስለዚህ ኣዞም ዓበይቲ ጸገማት ንዅለን ሃገራት ከርውይ ብዝኽእል መገዲ ምፍታሕ የድሊ፡ ብሔራውያን ፖለቲካታት እውን ኣክንዲ ንርሑቕ ዝኣመተ ናይ ሓባር ረብሓ ንምኽባር ኣብ ዝብል ከይዲ ዝጽመድን ቅጽበታውን መናፍቓውን ኰይኑ እዩ ዝርአይ፡ ነዚ ስዒቡ ብፍላይ ከኣ ስልጣንን ረባሕያን ጉጅለታት ክቘሙ ይገብር፡ እዚ ከይዲ’ዚ ከኣ ርእየተ ዓላማዊ መግዛእት ዘስዕብ ይኸው።

ሃንደፍታ ህዝብነት ንመድብለ ጐናውነት የዳኽም ኣሎ

ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ዓለም እቲ ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ዓውሎማነትን ነዚ ስዒቡ ዝርአይ ምስኡ ዝገራጨው ከባብያውነት ዝብል ከይዲ እውን ኣሎ፡ ነቲ ካባቢ ዝብል ተግባር ዘይስሕት ዓውሎማዊ ኩርናዕ ዓቢይ ግምት ምሃብ የድሊ፡ ከምዚ ብዘይምዃኑ ብሔርተይናነት ብዓውሎማውነት ደረጃ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክሰፍሕ ይረአይን ፍልልያት የጽፍሕን ኣሎ፡ ዓውሎማነት ግና ንገዛእ ርእሱ ብዝሃ ገጽ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ዕድል እዩ፡  ኩሉ ልዕሊ ክፋል ብዝብል መሰረት ምስ ናይ ኣሕዛብ መንነት እወታዊ ውጥረት ከምዘሎ ዝሕልው ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ዝርአይ ዘሎ ህዝብነትን ብሔርተይናነትን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ሃገራት ዝዕብልል ዘሎ ከይዲ ነቲ መድብለ ጐናውነት ስርዓት ዝጐድእ ቅልውላው ኵለ መዳያዊ ምትእምማን ተኣማንንት ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካ ምድኻምን ካብቲ ናይ መላእ ሃገራት ስድራ ቤት ውሽጢ እተን ድኹማት ዝዀና ሃገራር ዝሕርግን ዘግልልን ኵነት ይፈጥር ኣሎ።

ስምዒታዊ መፍትሕታት ጸገም ካብ ምፍታሕ ነቲ ጸገም ዘብእሱ እያቶም

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተረኺቦም ኣብ እዋኑ ንዘስምዕዎ መደረ እናሓሰቡ፡ ነቲ መድብለ ጐናውነት ስነ ርክባዊ ሜላ ጠቒሶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ተልእዀ መንፈሳዊ ጸዋዕታን ናይ ቅድስቲ መንበር ተልእዀን እንከብርሁ፡ ቀዳምነት ናይ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን (መሰልን ግቡእን) ነቲ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ዘሎ ርክብ ማዕቀን ኽኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም፡ ኣብ እነንብረሉ ዘመን ይብሉ፡ ነቶም ዝፍጠሩ ተጻብኦታትን ንምፍታሕን ፍትሒ ውሑስ ንምግባርን ብዓለም ሓቆፍ ኣባይቲ ፍርዲ እውን ይኹን ብሔራዊ ጥቕሚ ምቕዳምን ምስዓብን ዝብል ዝምባለ ዝፈጥሮ ስክፍታ ብሰፊሕ ዝረአይ እዩ፡ እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ’ዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ዘሎ ጸገማት ዘርእይዎ ግብረ መልሲ ኣብ መንጐ መንግስታት ዘሎ ርክብ ገለ ገለ እዋን ዜጋታት እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሕግታት ካብ ጭቡጥ ኩነታቶም ኣዚዩ ዝረሓቐን ዘገድስ ስሉጥነት ዘይብሉ ቢሎም ንኽሓስቡ ይድርዀም ኣሎ።

ስለዚህ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ሕዝቦም ድምጺ ጽን ክብሉን ነቲ ዓቢይ ዝዀነ ናይ ሓባር ጥቕሚ ሓለፋ ዝብል መፍትሒ ከናድዩ ግዚእ ሕጂ እዩ። እዚ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍትሕን ኣብ ማእከል ዓለም ሓቆፍ ማሕበርሰብ ክኽበር ይሓትት፡ ስለምንታይ ተጻያውን ስምዒታውን ታህዋኽን ሓጺር ተቐባልነትን ሓጺር እፎይታን ዘውህብ እውን እንተዀነ፡ ነቶም ሱር ሰደድ ዝዀኑ ጸገማት ግና ኣይፈትሕን፡ በንጻሩ የብእሶ።

ቅዱስነቶም ነቲ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅኑዕ ፖለቲካ ንሰላም የገልግል ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ጠቒሶም፡ ኣብ መንጐ ቅኑዕ ፖለቲካን ሰላም ኣብ መንጐ ኣህዛብን ዘሎ ርክብን ፖለቲካ መጋበርያ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክኸውን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም ናይዚ ዅሉ መሰረት እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ኵርናዕ ደረት ሰገርነት፡ ሰብ ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ድንጋጌ ዝተበዓለ ኵላዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘለዎ ኵላውነት ዝምዕድ እዩ፡ ክሳብ እቲ ሓደስቲ ዓይነት ኣልቦ ማዕርነትን ሓደስቲ ዓይነት ዓመጻትን መላኽነትን ክህሉ ዝገብር ሰብኣዊ ፍጡር ገማሚዕካ ዝምልከት ርእይት ንኸይህሉ ዘተባብዕ እዩ።

ክቡራትንክቡራንን ሰማዕትና ናይዚ መቐጸልታን ካልኣይ ክፋልን ኣብ ናይ ጽባሕ መደብና ከነቕርብ ምዃንና  ኣቐዲምና ንሕብር

08 January 2019, 15:07