ድለ

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ብፁዓን  ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ 

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ

እቲ ንጐይታ ባህ ዘብሎ ንምስትውዓል ልልያ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ብኣጽንዖት ዝተሓሳሰቡ ቅዱስነቶም፥ ብዙሓት ተግባራት ኣገደስትን ሰናይን ቅኑዕን እውን ክመስል ዝከኣል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኩሉ ሽታ ወንጌል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤ ንዝርከብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኵነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ማዕቅፍ ገይሮም እዚ ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ገብን ንኸይክሰት ነቲ ዝዀነ ይኹን ውድባውነት መጐተ ዝጻረር ምልዋጥን ሕውነታዊ ሱታፌን ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ነቲ መልእኽቲ ኣብ መኽፈቲ መፈሳዊ ሱባኤ ብመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ብናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዲናርዶ ከምእተነበን፡ ብፁዕነቶም እውን ብወገኖም ነቲ ዘጋጥመናን ኣብ ቅድመና ተዓሪዱ ንዘሎን ንዝጽበየናን ብድሆ ንምስናፍ ጥበብን ሓይልን ንኽንረክብ እዩ ጻዕርና ዝብል መእኽቲ ናብ ቅዱስ ኣቦና ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ተኣማንነት ኣዚዩ ዝጐድእ ቁስሊ ንምሕዋይ ዋቕዕ ውድባውነት ዘይኰነስ እቲ ዘገድስ እውነተይና ምልዋጥ ምዃኑ ዝሕብር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ  ክሳብ ዕለት 8 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቺካጐ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሙንደላይን ንሓደ ሰሙን ንመንፍሳዊ ሱባኤ ናብ ዝተኣከበ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ኣተሓሳሲቦም፡ ቅዱስነቶም ብጸሎትን ምዕዶን ኣብቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምቅላስን ከይሁሉ ንምግባርን ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ኣብ ዘካይድዎ ጉዕዞኦም ንመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ከም ሓውን ንኸነቓቕሕዎምን ኣሚቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ዝሃስይ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ብቐረባ ክምልከትዎን ናይ ምልዋጥን ቁርጺ ፍቃድን ልልያን ኣስተንትኖን ንኸካይዱ ቅድም ክብል ባዕሎም ዘቕረብዎ ሓሳብ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሱባኤ ክርከቡን ነሕዋቶም ብፁዓን ጳጳሳት ከሰንይዎም ድላይ ከምዝነበሮም ክፍለጥ እንከሎ ይኹን ደኣ እምበር ህልው ንጥፈታቶም ከዘይፈቐደሎም ሓቢሮም፡ ኣይትሓዙለይ ቢሎም ኣክንድኦም ኰይኖም ነቲ ሱባኤ ዝመርሑ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ክኸኑ ከምዝወሰኑን ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ነዚ ውሳኤ’ዚ ብውሉዳዊ መንፈስ ምቕባሎም እውን ኣመስጊኖም።

ናይቲ ሱባኤ መርሓ ኣስተንትኖ ኣብ ወንጌል ማርቆስ፥ ርእሰ ኵሉ ክኸውን ዝደልይ ኣገልጋሊ ኵሉ ይኹን ዝብል ኢየሱስ ነቲ ያዕቆብን ዮሓንስ ኣብ የማንን ጸጋምን ኢድካ ኣንብረና እንክብሉ ንዘቕረብሉ ሕቶን እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ መንጐ ደቀ መዝሙር ዝፈጠሮ ቁጣዔን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ነቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ማሕበረሰብ ዝተፈጥሮ ምስሕሓብ ቀዳማይ ናይ ምዃንን ቅንእን ተተሓሒዙ በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኤኮኖሚያውን ስልጣን ኵሉ እቲ ኣብ ዙሪያ ኢየሱስን መልእኽቱን ዝፍጠር ዝነበረ ውዲትን ተመሻጥሮን ብሰፊሕ ዝስተንትንን መንነት ኢየሱስ ብትኽክል ዘነጽር እዩ።

ንቑሕነትን ልልያን    

ኣብ ጽንኩርን ጸገም ኣብ ዘለሉ እዋን ውሳኔታትናን ኣማራጽታትናን ተግባራትናን ሕሳቤታትናን እኵይ ከይከውንን ብፍላይ ነቲ ንዓለም ሕይወት ዝዀነ ጐይታ ዝወሃብ መልሲ ክኸውን መታን ምንቃሕ ከምዘድልን፡ እቲ ንጐይታ ባህ ዘብሎ ንምስትውዓል ልልያ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ብኣጽንዖት ዝተሓሳሰቡ ቅዱስነቶም፥ ብዙሓት ተግባራት ኣገደስትን ሰናይን ቅኑዕን እውን ክመስል ዝከኣል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኩሉ ሽታ ወንጌል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፡ ስለዚህ እቲ መፍትሒ ቢልና እነቕርቦ ካብቲ ክፍታሕ ዝግብኦ ሕማም ዝገደደ ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ናይ ስልጣንን ሕልንና ወሲባውን ዓመጽ ዘስዕቦ ኣቝሳል

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት እታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዕምቆት ተኣማንነታ ብዝጐድእ ዓመጽ ተናዊጻ እያ፡ እቶም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ውፉያንን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ናይ ወሲብ  ዓመጽ ናይ ስልጣንን ሕልናን ዓመጽ ኣደዳ ብዝዀኑ ብብርቱዕ ምንዋጽ ዝተረኣየሉ እዋን እዩ፡ እዚ ምንዋጽን መስቀልን ነቶም ኣደዳ ናይ ዝዀኑ ኣባይቲ ስድራን ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔርን እውን፡ በቶም ዝተፈጸ ገበናትን ሓጢኣትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ካብ ምእታው ሓሊፉ ኣማሲንዎ እውን እዩ። ብፍላይ ከኣ በቲ ነቲ ዝተኸስተ ሓጢኣትን ገበንን ንምኽዋልን ንምጉልባብን ዝተራእየ ድላይ ኣዚዩ ተኣማንነታ ተጐዲኡ እዩ፡ እዚ ብዙሓት ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘይውሕስነትን ዘይምርግጋእን ክስምዖም ገይሩ እዩ፡ … እዚ እዚዩ ብዙሕ ማህሰይቲ ኣስዒቡ እዩ … ኵሉ ብመክብባዊን ማሕበራውን ባህላውን ደረጃታት ዝተፈጸመ ገበንን ሓጢኣትን ኵሉ ንልቢ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምድንጋጋራትን ሻቕሎትን ስንባዴን ብምፍጣር ብጥልቂ ኣቝሲሉ እዩ። … ብዙሓት ሕይወቶም ንእግዚኣብሔር ዘወፈዩን ክርስቲያንን ምጥርጣር ክህልዎምን ተኣማንነቶም ተቐባልነት ንኸይረክብ ምኽንያት እውን ኰይኑ እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ምስክርነት ወንጌል ዕንቅፋት ኣብ ዝዀነሉ ህሞት ነዚ ድምጺ ወንጌል ንምዕባጥን ትም ንምባልን ነቲ ብኣባላት ውሉደ ክህነትን ጓሶት ነፍሳትን ዝተፈጸመ ገበንን ክፋእትን ብምጥቃም ዝንቀሳቐሱ ውሑዳት ኣይኰኑን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ኤጰስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ነቲ ዝተኸስተ ሓጢኣት ብቕንዕና ብሓባር ገጢሙ እክንዲ ዝብድህን መፍትሒ ዘናድይን ምግምማዕ ከተኣታትው ተራእዩ እዩ፡ እዚ ምግምማዕ ከኣ ናይ ዲያብሎ ስራሕ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኢግናዚዩስ ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤታት ጽርሳናቱ ዝብሎ፡ እቲ ክገማምዕ ዝደልይ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብ ብሓባር ካብ ምንባርን ጽንዓቶምን ግቡእን ዋቕዓዊ ተቓውሞ ካብ ምቕራብ ምግምማዕ እዩ ዝደልይ እንክብል ከምዝሕብሮ እዩ፡ ስለዚህ ከበርትዓካ ዝቃወመካ ዘይኰነስ ክገማምዕ ዝደልይ መንፈስ ተቓውሞ እዩ።

እቲ ዝተኸስተ ቍስሊ ብጽፍሒ ውዳቤ ዝፍታሕ ኣይኰነን

ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ሓድሽ ኣገባብ እንክሕብሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ተኣማንነት ዘጋጠመ ቁስሊ ብወለንተይናውያን ውሳኔታትን ኣዋጃትን ወይ ከኣ ብተራ ሓዳስያን ድርገታት ቅዋሜ ወይ ልክዕ ከም መራሕቲ ናይ ሰብኣዊ ብቕዓት ሓልዮ ቤት ምሕደራ ብዝበለጸ ብምውዳብ ኣይኰነን፡ እዚ ናይ ጓሳ ነፍሳት ተልእኾ ብናይ ሓደ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ትካል ናብ ዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ዘነኣእስ እዩ፡ …

ምልዋጥ ወንጌላዊ ልኡክነት የድሊ

እቲ ተኣማንነት ዘቑሰለ ተግባር ናይ ርክባትና መትኒ ዝትንክፍ እውን እዩ፡ ስለዚህ ከም ኣንጠረይናታት እቲ ሕይወታዊ ባይታ ዝተረጋገጸን ግልጽን ዝዀነ ምትእምማን በቲ ኩለንተናውነት ውሳጣውነትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘኽብር ቅኑዕን ጥዑይን ብሱላትን ኣገባባት ምሕናጽ የድሊ፡ … እቲ ልማዳዊ ዝመስል ጸሎት ኣገብብራናን መንፈሳዊ ሕይወትናን ምሕደራ ቁጠባውን ሓላፍነትን ስልጣንን ኣብ መንጐናን ምስ ዓለምን እውን ዘሎና ርክብ ክልወጥ ኣለዎ፡ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ደረት ለውጥን ሕዳሴን ቀጻሊ ምልዋጥን ምሕዳስን ተልእኾ ወንጌልን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን እቲ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ምስ ወንጌል ዘሰማማዕን ክኽውን ዘነቓቕሕ እዩ፡ ናይ ተግባራትና ደረት ግብርኣውነት ኣገዳሲ እዩ፡ … ብዘይ እዚ እትፍጽሞ ዘበለ ኩሉ ናብ ርእሰ ውከሳ ዝመርሕን ርእሰ ዕቃቤን ርእሰ ምክልኻልን እዩ ዝኸውን እዚ ከኣ ናብ ባዶነት የውድቕ።

ተኣማንነት ጻማ ናይ ዝሓበረ ኣካል እዩ

ኣብ ሓሳብን ርእይቶን ትካታዕ ንሕይወታውያን ኩነታትና ልላይ እዩ ዘድልዮ፡ ስለዚህ ተራ ኣመሓደርቲ ዘይከኑስ እቲ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ብመሰረቱ ኪደት እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ህዝቡ ዘለልዩ ጓሶት መምሃራንን እዮም ዘድልዩ፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ማሕበረሰብና ኣብ ዝነብሮ ዘሎ ምድንጋራት ውሽጢ ንልልያን ዝሕግዘና ናይ ሓባር መንፈስ ምንዳይ ግድን ይኸውን፡ እዚ ኸኣ ምዕሩይን ውዱዕን ሰብኣውነት ንምዕታር ብዲሞክራስያዊ ስሮዓት ከንብር ዘኽእል ኩነት ኣብላጺ ድምጺ ምቛም አይኰነስ ብጉባእያውነትን ብሲኖዶሳነትን ከንብር ዘኽእል ህልው ኩነታት ብሓላፍነት ዝቕበል ነቲ እግዚኣብሔ ንጉስነትና ዝሃበና ሕዝቢ ካብ መንፈሳዊ ዝኽትምና ዝድሕን ኣባታውነት የድልይ። ተኣማንነት ኣባናን ኣብ ገዛእ ርእስናን ብቕዓትን ሓለፋን ክብርናን ወይ ኣብቲ ናይ ይግብኣኒ በሃሊ ትእምርታትናን ብዙሕ እዋን ብዘይምስትውዓል ገዛእ ርእስና ምኽንያታውያን ንምግባር ኣብ ዝድርኽ ኣይኰነን ዘሎ፡ እንታይ ደኣ ውጽኢት ናይቲ ሓጢኣተይና ምዃኑ ዝኣምን ምልዋጥ ከምዘድልዮ ዝእውጅ ሰለምንታይ ኢየሱስ እምበር ገዛእ ርእስኻ እተበስር ስለ ዘይኰንካ፡ ናይቲ ውሁድ ኣካል ጻማ እዩ፡ ጐይታ ኣብ ደልሃመት ናይ ጉዕዞ መገዲ የቕንዕ ነታ ተስፋ ዝቖረጸት እምነትን ዝቖሰለት ተስፋን ዝተታኸሰት ፍቕርን ብዘይቱ ይቐብእ።

ካቶሊካውነት ጠመቓዊ ወይ ሕጋዊ ሕቶ ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ዮሓንስ መበል 23 ዘኪሮም፡ ስልጣን ተነጺልካ ምንባር ማለት ኣይኰነን፡ ስለንታይ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምኽሓድ ትሕት ናይ ምባልን ናይ ምግልጋልን ማሕበራዊ ህሞት እዩ ቢሎም፡ ስልጣን ካንታዊ ደረት ሰገርነት ኣይኰነን፡ ከምዚ እንተዘይኰነ ብዘይ ክርስቶስ እግዚኣብሒር ዘበስር፡ ብዘይ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ዘበስር፡ ኣልቦ ሕዝቢ ዝኸነት ቤተ ክርስቲያን ዘበስር ይኸውን፡ እግዚኣብሔር ዘጠዑት ማለት ከም ጣዖት ንናይ ምቕራብ ሓደጋ የቃልዕ ምስ በሉ ኣስዒቦም። ስልጣን ነቲ ኣማኒ ሕዝቢ ካብ ፍሉዩነት ኰይኑ ካብ ዘስምዖ ኩነትን ፈተናን ካብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝነብር ሓደ ዓይነት ባህሊ ጌርካ ካብ ምሕሳብ ዘድሕን ንኵላውን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ባህልን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንን  ሱታፌ ዝውከስ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ካቶሊካውነት እቶም ጓሶት ንኻልኦት ብምስማዕን ጽን ብምባልን ዝነብርዎ፡ ብሓባር ብምዕያይን ዝግለጽ እዩ፡ ስለዚህ ካቶሊካውነት ከም ሓደ ጠመቓዊ ትምህርትን ሕግን ኩነት ዝምልከት ሕቶ ጥራሕ ናብ ዝብል ኣመለኻኽታ ምንእኣስ ኣይግባእን ኢሎም።

እቲ ኣብ ቀጻሊ ምልዋጥ ዝርከብ ሓጢኣተይና ናይ ምዃን ኣስተውዕሎ፡ ጉባእያውነት ወይ ሲኖዶሳውነተ ሕልና ምስ ሕዝብና ናብ ፍቑራዊ ሱታፌ ክንኣትው ይገብረና፡ ባዶ ካብ ዝዀነ ተዓዋትነት መንፈስ ናጻ የውጽኣና፡ … ጓሳ ነፍሳት ምዃን ናብ ርእሰ ምክልኻል ዝብል ዘይኰነስ ኣብ ንስሓ ኩነታት ስቓይ ናይ ጐይታ ድምጺ ጽን ናይ ምባል ዝንባለ ዘለዎ እዩ ክኸውን ዝግብኦ።

ምሕሳርን ሕጋውነቱ ንሕቶ ምእታው ኣይፋል

ንኻልእ ምንሻውን ምሕሳርን ሕጋዊ ኣካልነቱ ኢሕጋውነት ካብ ናይ ምግባርን ገዛእ ርእስኻ ኣደዳ ግዳይ ጌርካ ካብ ብቕራብን ንተራኻብነት ካብ ዝጐድእ ኣገባብ ስርሒት ምልቓቕ የድሊ፡ በንጻሩ ነቲ ወንጌል ጥራሕ ዘቕርቦ ጥዑምን ርጉእን ንፋስ ቦታ ምሃብ የድሊ፡ ካብቲ ናይ ምቑጣዕን ምግናሕን ሓሜታን ከም ጸላያን ከም ቅቡል ገይርና እንነብሮ ዘሕፍር ውስንነት ዝዀነ መውጽኢ ካብ ዘይብሉ ዒንኪላሎ ንምውጻእ ዘተን ቅኑዕ ምንጽጻርን ልልያን ኮታ ኵሉ እቲ ወንጌላዊ መገዲ ዝሕብሮ እቲ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ተልእኾ ወንጌልን ዝጠልቦ ዘበለ ኵሉ ምንባር የድሊ፡ ኵሉ ጊዜ ተሓታትነት ናይ ካልእ ገርካ ካም ብቕራብ ኣነባብራ ምልቓቕ የድሊ … እሙን ሕዝቢ እግዚኣብሒርን ተልእዀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተሳቐዮ ኣይወሓዶምን፡ ብሰንኪ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ብጉድለት ስኒትን እቶም ኣክንዲ ዕርቂ ንሓድ ሕድካ ምክሳስን ዝመርጹ ጳጳሳትን ብዙሕ ተሳቕዩ እዩ እዚ ዅሉ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ግልጺ ከይከውን ይገብር።

ኣገልግሎት መለሳን ሸመታን ወይ ከኣ ዕማም ፍጻሜ ኣይኰነን

ቀዳምነትን ጣቕዒትን ይግብኣኒ ዘይብል ኣገልግሎት፡ “ኣንሕና ጓሶት እግዚኣብሔር ክደልዮን ክፍፈቕዶን ዝፈርይ ዝቕበር ዘርኢ ምዃን እዩ ግቡእና” እዚ ንኣና ካብቲ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ዕዮ ጻዕርን ናይ ቁጠባ ዕዮናን ፍርያማ ካብ ዝገብር መምዘንታት ዘድልየና ነቲ ዝልውጥ ሓይሊ ንዘለዎ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ክፉታት ምዃን እዩ። እቲ ኣብ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረትን ታሪኽን በቢ ዕለቱ ብጽሞና ዝዓዪ ሓይሊ ቅዱስ ክንስሕት ክንፈቅድ ኣይግብኣናን፡ ተኣማንነት ካብ ምትእምማን እዩ ዝመጽእ፡ ምትእምማን ንገዛእ ርእሱ ካብ ቅኑዕን ዕለት ብዕለት ናብ ካልኦት ካብ ዝብል ኣገልግሎት እዩ ዝመጽእ፡ ካብቲ መለሳን ሸመታን ወይ ከኣ ኣቲ ዝሰኣንካዮ ቦታ ንኸተምልስ ካብ እተንብሮ ዕማም ፍጻሜን ወይ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ተፈላጥነት ክህልወና ካብ ዝብል ከንቱነትን ጃህራን ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ናይ ወንጌል ቀንደይና ኣካል እዩ ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ እተራኽብ መሬት ክትከውን

ጸዋዕታ ንቕድስና፡ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ካብ ናይ ሓሶት ተቓዋምነትን ምንሻውን ነቲ ንጽልእን ዓመጽን ንምግምማዕን ምሕራግን ክህሉ ዝብል ኩነት ብሱቕታ ምሕላፍ ማለት ኣይኰነ፡ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ እተራኽብ ባይታ ናይ ምዃን ተልእኾ ዘለዋን ኣብ መንጐ ሰባትን ሕዝብታትን ሓድነት ክህሉ ዘይሕለል ኣስተዋጽዕ ንኸተበርክት ከም ትእምርትን ምስጢርን፡ ኢየሱስ ካብ መስቀል ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ዝዓደላ እያ፡ ናይ ቀደምን ሓደስትን ናይ ኣሕዋት ምቕትታል ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እተቕርቦ ዓቢይ ኣገልግሎት እዩ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እግዚኣብሒር ኣቦ ኵሉ ምዃኑ ኣብ ኵሉ መዳይ ዝምስክር እዩ … ከም ቤተ ክርስቲያን ሕጹራትን ናይ ሓጹራት ምቑሓት ክንከውን ኣይግብኣናን፡ ካብቲ ገዛእ ርእሱ ናይ ምክልኻል ንቕዓትን ዓቕሚ ካብ ዘይብሉ ንኡስ ምብጋስ፡ ብውስንነትና ብጉድለትናን ሸለል ክንብሎን ከነደንዝዞን ብሱቕታ ክንሓልፎ ዘይግብኣና በደል እዩ፡ ኣሕዋተይ ኣብ ኢድና ዝተነብረ ሓላፍነት ክንደይ ልዑል እዩ ዝብል ቃል እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ ጠቒሶም፡

ኢየሱስ ኣብ ሰዓታት መስቀሉ፡ ናይ ሰዓብቱ ዓቢይ ፈተና ምግምማዕን ብምትታንን ኣቀዲሙ ዝረአዮ እዩ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ከምቲ ኣነን ንስኻን ሓደ ዝዀን፡ ንሳቶም ኣውን ሓደ ክዀኑ እንክብል ዝጸለየ፡ ነዛ ናይ ኢየሱ ጸሎት ብምስትውዓል ካብኡ ብቆራጽነት ካብዛ ናይ ጸሎን ኣስተንትኖን ጽሞናን ዘተን ሱታፌን ጽንታን ሰዓት ኣዚኣ ኣትሒዝና ንሱ ልብና ብናቱ ኣምሳልን ክቐርጾን ፍቓዱ ንኽንረክብ ይሓግዘና፡ ነበይንና ዘይንጓዓዘሉ ከይዲ እዩ፡ ማርያም ኣብ ብተስፋ ምጽባይ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃን መታን ክኹላዕ ኣብቲ ዘይምርድዳእን ኣብ ገዛእ ርእሰ ተወካስነትን ኣብ ዘኽታምነትን መንፈስ እትጓዓዝ ንዝነበረት ቀዳመይቲ ማሕበረሰብ ደቀ መዝሙር ድጋፍ ኰነት እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ መፍነሳዊ ሱባኤ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መኽፈቲ እቲ ሱባኤ ዘንበቡ ናይ ጋልቨስቶንን ሁይስቶንን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዳኒኤል ኒኮላስ ዲናድርዶ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ
05 January 2019, 08:43