ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ምእንቲ መንእሰያት

ናይ ፖለቲካ ዕዮ፡ ነቲ ኣልቦ ውሕስነትን ርግጸይናነትን ንዝዀነ መንእስይ በራት ተስፋ፡ መጻኢ ሕይወቶም ክሓንጽሉ ዘኽእሎም ናይ ስራሕ ዕድል ክፍጠረሎምን ስድራ ቤት ክቑሙን ደቃቶም ከዕብዩ ዘኽእሎም ተገብግሶታት ምርሃው እዩ ቢሎም ናይ ፖለቲካ ዓለም ነዚ ክኽውን ጻውዒት የቕርቡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. “መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅድስተ ማርያም”  ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከምዝወሰኑን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብምምዕዳው ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ ኣሞርኵይዞም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ መንእሰይ ወለዶ ናይ ወንጌል ሓሴት ከበስር ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንስኻትኵም መንእሰያት ኣብ ማርያም ናይ ሓጐስን ምንጪ ተስፋን ድርዀት ኣለኵም፡ ዝብል ሓሳብ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ መቕድም ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ በቲ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘነቓቕሖ ናይ ጸሎት ሓሳብ ምዃኑ ይፍለጥ።

ምእንቲ ሰላም ጸሎት መቝጸርያ ምድጋምን ወንጌል ምብሳርን

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ወርሒ ጥሪ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዓንቀጽ፡ ናብቲ ኣብ ፓናማ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝወሰንዎን በሸሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኑ ትጽቢት ዝንገረሉ ኣብ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ጠመተኡ ዘንበረ ከይኑ፡ መንእሰያት እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክጥቀምሉን እዚ ኸኣ ምስ ማርያም ኰይኖም ክርስቶስ ከስተንትኑ ዝምዕድ እዩ፡ ኵሉ ብቛንቋኡ ምእንቲ ሰላም ጸሎት መቑጸርያ ይድገም፡ ናይ ምሕላምን መጋበርያ ሰላም ንኽትኵኑ ክትድግፈኵም ኣበርቲዕኵም ኣማላድነታ ተማሕጸኑ፡ ምእንቲ መንእሰያት ንጸልይ፡ ብፍላይ መንእሰያት ላቲን ኣመሪካ ንዓለም ናይ ወንጌል ሓሴት ኣበስሩ ንዝብል ናይ ጐይታ ጸዋዕታ እነዅልካ ክብሉ ስሌኦም ንጸልይ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ፓናማ

ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ እምነትን መንሰያትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ብቕዱስነቶም ተጸዊዑ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ስዒቡ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፡ ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ዓቢይ ግምት ዝህቡ ምዃኑ የመላኽት፡ ብዛዕባ መንእሰያት ብዘይ ምቁራጽ ዝዛረቡን ስለ ሕንጸቶም ብዙሕ ኣተኵሮ ክግበረን፡ ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ መላእ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት መልእኽቲ ንምቕራብ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ናይ ፖለቲካ ዕዮ፡ ነቲ ኣልቦ ውሕስነትን ርግጸይናነትን ንዝዀነ መንእስይ በራት ተስፋ፡ መጻኢ ሕይወቶም ክሓንጽሉ ዘኽእሎም ናይ ስራሕ ዕድል ክፍጠረሎምን ስድራ ቤት ክቑሙን ደቃቶም ከዕብዩ ዘኽእሎም ተገብግሶታት ምርሃው እዩ ቢሎም ናይ ፖለቲካ ዓለም ነዚ ክኽውን ጻውዒት የቕርቡ።

እቲ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ተወኪሱ፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣስታት ሓደ ሚሊያርድን 190 ሚሊዮን መንእሰያት ከምዘለዉን ነዚ ግምት ብምሃብ ኣብቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ 1984 ዓ.ም. ዝተበገሰ ክልተ ዓመታዊ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተራኸቡ መንእሰያት ብምንጽጻር ዘኪሩ፡ ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 1.600.000 መንእሰያት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተራኸቡን፡ እቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ዓቆፍ ቅነ መንእሰያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ኣብ ፖላንድን ደሓር እውን ኣብ ብራዚል ሪዮ ደጃነይሪ ዝሳተፍሉ ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምዃኑ የዘኻኽር። 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ምእንቲ መንእሰያት
09 January 2019, 09:04