ድለ

ቅዱስ ኣቦና፥ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝሕረግ ንሱ እዩ ሓናጺ መንግስቲ ኣምላኽ

ኢየሱስ ብዛዕባ ብፅዕና እንከስተምህር ኣብ ዙርያኡ ንዝነበሩ ኵሎም ድኻታትን ህያዋንን ትሑታትን ልብን ዓቢይ ሓጐስ እዩ ዝፈጠረሎም

ሎሚ ዕለት 2 ጥሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ 2019 ዓ.ም. ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም። ነቲ ኣብቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም፡ ነቲ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ወንጌላዊ ሶውራ እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና ኣጽኒዕም፥ ክርስቲያን ወልደ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ፡  ስለዚህ ክርስቲያን ክርስቲያን ምዃኑ ዘፍልጦ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብቓልን ብሕይወትን ዝነብሮ ምስክርነት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዘይ ምስሉይነት ካብ ልቢ ምጽላይን ብዘይ ንኻልኦት ምጽላእን ጽልእን ወይ ብዘይ ሓሜታን ምስክርነት ብምቕራብ ከም ወልደ እግዚኣብሔር ምንባር ዝብል ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ከም መበገሲ ገይሮም፡ ናይ ሓደ ክርስቲያን ከም ክርስቲያን ጉዕዞኡ፡ ከም ኵሉ ሓጢኣተይን እውን ይዅን ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ምፍላጥ እዩ፡ ነዚ ወዲ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ጉዕዞኡ ድማ ከምቲ ወንጌላዊ ማቴዎስ ዘዘንትዎ፥ ኢየሱስ ኣብ ከባቢ ቀላይ ገሊላ ናብ ዝርከብ እምባ ደይቡ ብዙሓት ካበይን መን ምዃኖምን ዘይፍለጣት ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ንደቀ መዝሙር ካብ ዘስተምሃሮ ጸሎት ብምብጋስ እዩ፡

ናይ እግዚኣብሔር ምስጢር ኣብ ልብኻ ኣንቢርካ ምጉዓዝ

ኢየሱስ ብዛዕባ ብፅዕና እንከስተምህር ኣብ ዙርያኡ ንዝነበሩ ኵሎም ድኻታትን ህያዋንን ትሑታትን ልብን ዓቢይ ሓጐስ እዩ ዝፈጠረሎም፡ ቀደም ከም ሎሚ ብዙሕ ቆላሕታ ዘይገበረሎም እዮም ዝነበሩ፡

ኢየሱስ ዘቕርቦ ትምህርቲ ብፅዕና ናይ ወንጌል ሶውራ እዩ፡ ወንጌል ኣብ ዘለሉ ሶውራ ኣሎ፡ ወንጌል ኣብ ርግኣትን ህድኣትን ሮሞቕ ክንብል ዘይኰነስ ናብ ክትብል ዘንቀሳቕስ እዩ፡ ሶውራዊ እዩ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ሕርጉነት ዝነበሩን ዝተናዕቁን ናይ ምፍቃር ብቕዓት ዘለዎምን ገበርቲ ሰላምን መጋበርያ ሰላምን ንኽዀኑ የነቓቕሕ፡ ሓነጽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይዀኑ፡ ኢየስይስ በዚ ናይ ብፅዕና ትምህርቱ ኣቢሉ እቶም ምስጢር እግዚኣብሔር ኣብ ልቦም ዝዓቖሩ ብፍቕርን ብምሕረቱን ከሃሊ ኵልነቱ ይገለጸሎም እዚ ከኣ ንቕድሚት በሉ ዝብል እዩ ዝመስል፡

ታሪኽ ይልውጥ (ይገላብጥ)

ናይ ወንጌል ሕዳሴ ናይ ታሪኽ ደረጃታት ዕሴታት ዝገላብጥ ሓድሽ በሪ የርህው፡ ሕጊ ንምሕካኽ ዘይኰነስ ናብቲ ኣናስራዊ ትርጉሙ ከብልን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ስቡእ ክኸውን እዩ ዝገብር፡ … ክሳብ ፍጻሜ ሳዕቤናቱ።

እግዚኣብሔር መስዋዕቲ ዘድልዮ ኣምላኽ ኣይኰነን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ጸሎት ብጽሞና ዝጽለይ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጥማቴን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ ምንብር ጥራሕ እዩ ዘድልይ፡ ብኣኡ ንኽትስማዕ እዚ እዅል እዩ፡

ኣቦና እግዚኣብሔር ድጋፉን ቅርበቱን ሓለፋ ንኽብለና መስዋዕቲ ዘድልዮ ምዃኑ ክንደይ ባህ የብል፡ ዘድልዮ ሓደ ነገር’ኳ የልቦን፡ ኣብ ጸሎት ዝሓቶ ነገረ እንተሎ ምስኡን ምስ ኣውሕዋትን ወትሩ ዘራኽብ መዓጾ ምርሃው እዩ፡ ንሱ ኣዚዩ ዘፍቕረና ኣቦ እዩ። ፍቕሩ ኣልቦ ደረትን እዩ፡ በዓል ቤትካ ወይ በዓል ቤትኪ ዓርክኻን መሓዛን ክሳብ ጸላኢኻ ምፍቃር ዝብል እዩ፡ እዚ ሓድሽ ዓይነት ፍቕሪ እዩ፡ … ‘ብጻይካ ኣፍቅር ጻላኢኻ ጽላእ ከም ዝተብህለ ሰሚዑም ኣሎኹም ኣነ ግና ጸላእትኹም ኣፍቅሩ ንዝረግሙኹም መርቑ ውሉድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦዅም ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድም ዝናም የዝንም እዩ’ (ማተ. 5. 43 …)።

እቲ ምስጢር ደቂ እግዚኣብሔር ምዃንና ምፍላጥ እዩ

እቲ ዓቢይ ምስጢር - ኣብ ትሕቲ እቲ ኵሉ ትምህርቲ ብፅዕና፥ ደቂ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኢኻትኩም ዝብል መሰረት ኣሎ፡ ስለዚህ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 5 ንባበ ወንጌል ቲዮሎጊያ እምበር ግብረ ገባዊ ትምህርቲ ገርካ ከይሕሰብ ምጥንቃቕ እዩ ዘድሊ።

ክርስትና ካብ ካልኦት ንላዕሊ ሕያው ምዃን ማለት ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ሓጢኣተይና ምዃንካ ምፍላጥ ማለት እውን እዩ፡ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ እቲ ብሃልሃልታ ሓዊ ዝነድድ ቈጥቋጥ - ግልጸት ኣግዚኣብሔር ፊት - እምበር ኣብ ቅድሚ ክትገልጾን ክትግምቶን ኣብ ዘይትኽእል ምስጢራውነት ፊት ዝቐውም ማለት ኣይኰነን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣቦ ቢሎም ክጽውዖ ዝደልዮ ውላድ ማለት እዩ፡ ኣብዚ ሰናይነትን ጽባቔን ናይ ጥዑም ዜና ዝተሓርመ ዓለም ጸርግን ጩራን ሕያውነት ኰይንካ ምርኻብ ዝብል እዩ።

ርሕቐት ምስሉያትን ዓረማውያንን

ኢየሱስ ኣቦና ኣብ ሰማይ ኣትነብር ዝብል ጸሎት ከስተምህር እንከሎ ካብቶም ክረኣዩን ንቤተ ክርስቲያን ዕቅፋት ዝዀኑ ከም ኣረመን ዝጽልዩ ምስሉያት ተፈልዩን ካብቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ዓይነት ጸሎት ኣዚዩ ርሒቑን እዩ፡

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ መዓልቲ ዝውዕሉ ወይ ከኣ እቶም ዕለት ዕለት ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝኸዱን ንኻልኦት ዝጸልኡን ዝሓምዩን ዕንቅፋት ዝዀኑ ሰባት ክንደይ ንፈልጥ ንኸውን፡ እዚ ብሓቂ ዓቢይ መሰናኽል እዩ፡ ከምዚ ካብ ምዃን ቤተ ክርስቲያን ዘይምኻድ ይሓይሽ! ኢእግዚኣብሔራዊ ኰይንካ ምንባር ይሓይሽ፡ ግና ንስኻ ቤተ ክርስቲያን እትኸይድ እንተድኣ ኰይንካ ከም ውላድ እግዚኣብሔር ክትነብርን ምስ ካልኦትከም ሓውን ሓፍትን ምንባር እዩ ዝግብኣካ፡ ምስክርነት እምበር ጸረ ምስክርነት እተቕርብ ክትከውን የብልካን።

ጸሎት ክርስትና እሙን መስካሪ ብጀካ ሕልና እምበር ካልእ መስካሪ ዘይብሉ እዩ፡ እቲ ብቐጻልነት ምስ እግዚኣብሔር እትራኸበሉን እትዝትየሉን ቤትካ - ሕልና - እዩ ምስክርካ፡ ብዘነብንብዎን ዝደጋግምዎን ቃላት ሓይሊ እግዚኣብሔር ካብ ዝስምዖን ኣረመን ዝረሓቐ እዩ።

ብዙሓት ክርስቲያን ዝጽልዩ ዘለዉ ኰይኖም ዝስምዖ ብዙሓት ክርስቲያን እሓስብ፡ ኣይተሓዙለይ ንእግዚኣብሔር ከም ሕንጻይ ዝዛረቡ’ ኣይፋል! ጸሎት ብልብን ካብ ልብን እዩ፡ ንስኻ ግና ይብል ኢየሱስ - ክትጽልይ እንከሎኻ ናብ እግዚኣብሔር ውላድ ናብ ኣብኡ ከም ዝቐርብ ከይንካ ቅረብ፡ ንሱ እቲ ንስኻ ዘድልየካ ዘበለ ኩሉ ይፈልጦ እዩ። ንሱ ሓደ’ኳ ኣየድልዮን እዩ፡ እቲ ንሱ ዝደልዮ ዝሓትቶን ምስኡ እንራኸበሉ ማዕጾ ከነርህውን ደቂ ምዃንና ክነስተውዕልን እዩ፡ ንሱ የፍቅረና እዩ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና፥ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝሕረግ ንሱ እዩ ሓናጺ መንግስቲ ኣምላኽ
02 January 2019, 17:57