ድሕሪ እቶም ካብ ኵባ ዝመጸ ጉጅለ ተዋሳኢ ቅርዓት ንዘቕረቡሎም ትርኢት ምስ ተኸታተሉ፡ እዞም ተዋሰእቲ ጽባቔ ዘቕርቡን ዝምስክሩን ኣያቶም፡ ስነ ጥበብ ልብታትና ዘወዓውዕ ናብ ሕያውነትን ናብ እግዚኣብሔርን ዘብጽሓና ውበት ዝምስክረሉ ሞያ እዩ ቢሎም ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ኣውን ኣዘኻኺሮም፡ ኵሎም ከምቶም ንኢየሱስ ክበጽሑ የዕንቶም ናብ ሰማያት ኣቢሎም ናብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ መብልዒ ማል ዝኸዱ ሰብ ጥበብ ክንከውን ምዒዶም፡ ከምቶም ሰብ ጥበብ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ እቲ ኣብ መገዲ ሰናይ ዝመርሓና ኰዀብ ክንርእይ እንኽእል! ምስ በሉ ንዅሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ቡራኬ ሂቦምን ተፋንዮም።

ንተዋሰኣቲ ኩባውያን
ስነ ጥበብ ልብታትና ዘወዓውዕ ናብ ሕያውነትን ናብ እግዚኣብሔርን ዘብጽሓና ውበት ዝምስክረሉ ሞያ እዩ
02 January 2019, 18:04