ድለ

ብላቲን ስርዓት ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት በዓለ ጥምቀት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቆዑ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 13 ጥሪ 2019 ዓ.ም. በዓለ ጥምቀት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ምስጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያን ክንጣመር ብምግባር ክርስቲያን ገይሩና፡ ኵላትና ዝተወለድናላ ዕለት ንዝክር፡ ይዅን ደኣ እምበር ኵላትና ጸጋ ጥምቀት ዝተቐብልናላመዓልቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ዝተወለድናላ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትና ዝነገሰላ ዕለት ኣይንዝክርን፡ በዓለ ጥምቀት ብምስጢረ ጥምቀት ዝተበልናዮ ጸጋ ዳግም ንኽረኽቦ ይድርኸና፡ ቢሎም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናላ ዕለት ንወለድናን ኣቦ ሓጐታትናን ኣደ ሓጐታትናን ንሕተት፡ መኣዝ እየ ኣብ እምነት ዝተወለድኩ ቢልና ንሕተቶም፡ እታ ዕለት እቲኣ ከኣ ኣብ ልብና ንኽተባ፡ ከምዚ ክትገብሩ ሓደራ፡ ጥቅመት ዝተቐብልናላ ዕለት ምብዓል ኣገዳሲ እዩ፡ ኦ ጐይታ ንጸጋ እምነት አምስግነካ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ተባዓት መሰኻኽር ኢየሱስ ክንከውን ደግፍና ንበሎ እንክብሉ ንዅሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፈንዮም።

09 January 2019, 16:35