ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንእሰያት ኣብ ዓለም ናይ ሰላም መባዅዕቲ እያቶም

ብብዝሒ ብሔርተይናዊ ግጭት ኣብ ዝርኣየሉን ከምዚ ዓይነት ምስሕሓብ ሓለፋ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ብዙሓት መእሰያት ብሓሴት ክራኸቡ ክትርእይ ናይ ተስፋ ምንጭን ትንቢታዊ ትእምርቲ እዩ

ሎሚ ዕለት 30 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም።

ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ እኔዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፡ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ (ሉቃስ 1.38) ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝተኻየደ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምኽንያት ኣብ ፓናማ ዘካየድዎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ማእከል ከምዝገበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንእግዚኣብሔር እነዅልካ ከምዝበልካኒ ይዅነለይ ዝብል ሓድሽ ትውልዲ ክሳብ ዝህልው ንዓለም መጻኢ ክህልዎ እዩ፡ እቲ ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሕዝን ናብ ግጭት ዝመርሕ ብሔርተይናነትን ፈላላይ መናድቕ ክብ ምባልን ንመናብርተ ጥበብን ንናይ ኣሕዛብ ርክብ ዕጽው ምዃን ዝብል ዝምባለ ኣንጻሩ ዝኸይድ ናይ ካልእ ኣማራጺ መገዲ ትእምርቲ እዩ፡ እንክብሉ ነቲ ካብ ዕለት 23 ጥሪ ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ናይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ምስ መንእስያትን ናይ ዘካየድዎ ርክብ ተመክሮ ይሕብሩ፡

እቲ ምብኽንያት መበል 34 ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ዘካየድዎ ዓለም ሓቆፍ መገሻ ምስ ናይ ፓናማ ጭቡጥ ኵነትን ምስ ናይታ ሃገር መንግስትን ሰበ ስልጣናትን ጳጳሳትን መንእሰያት እሱራትን ወፉያንንን ካህናትን መንእሰያትን ህሙማንን ንኽራኸቡ ከምዝሓገዞምን፡ በቲ ናይቲ በዓል መንፈስን ሓሴትን እቲ ዘካየድዎ ርክባት ዘሕደረሎም ሓሴት ዓቢይን ተላገብን እውን ምዃኑን ብኣኡ ኣቢሎም ምስ ኩሎም ከምዝሓበሩን፡ እቲ ኣብቲ ቅነ መንእሰያት ህልው ዝዀነ ፍስሓን ሓሴትን ንመላእ ፓናማን ነቲ ከቢድ ስቓይ ዝረኣየሉ ከባኢ መላእ ማእከላይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ዘድልዮ እውን ምዃኑ ይገልጹ፡

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

ኣብ ፓናማ ንጐሆ ብጐደናታት ክሓልፍ እንከለዅ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ካብ ድቃሶም ኣናተንስኡ ናብ ደገ ሒዞሞም ክወጹ ክትርእይ፡ እነሆ እዚ እዩ ሓበነይ ኵርዓተይ መጻኢየይ ዝብሉ እዮም ዝመስሉ፡ እዚ ዓይነት’ቲ ኩነት ወለዲ ክቡርን ኣብቲ ዓይነት ኩነት ዘሎ ክብሪ፡ ንናይ ኤውሮጳ ናይ ወሊድ ቀዝሕ ብዓውታ ዝዛረብ ኣንደበተ ርቱዕ እዩ፡ ሕጻናት ናይ መጻኢ ዋሕስ እያቶም።

ናይ ወጅህታን ቋንቋታትን ውሁድ ጥዑም ቅንይት (ስምረት)

ብብዝሒ ብሔርተይናዊ ግጭት ኣብ ዝርኣየሉን ከምዚ ዓይነት ምስሕሓብ ሓለፋ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ብዙሓት መእሰያት ብሓሴት ክራኸቡ ክትርእይ ናይ ተስፋ ምንጭን ትንቢታዊ ትእምርቲ እዩ፡ ብሓቂ ናይ ወጅህታትን ቋንቋታትን ውሁድ ጥዑም ቅንየት (ስምረት) እተስተውዕለሉ ኵነት እዩ፡ ኣብ ፓናማ ናይ ሃገራቶም ሰንደቕ ዕላማ ዘንበልብሉ መንእሰያት ኣብ ፈቖዶ ጐደናታታ ክመላለሱ ክትርእይ፡ ኵሎም ክርስቲያ፡ ንዓለም ሰላም ብሓቂ መባዅዕቲ ምዃኖት ተስተውዕል፡ ካብዚ ንላዕሊ እውን እቲ ቀቅድሚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፡ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ደቀባትን ኣፍሮ-ላቲን ኣመሪካውያንን ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘለዋ ህብረ ወጅህታታ ዝምስክር እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ መስቀል

ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝነበሮን ዝፈጸሞን መደባትን ከይድታትን ብተምሳጥ እናዘከሩ፡ ብፍላይ እታ ፍኖተ መስቀል ዝተፈጸመላ ዕለት እናዘከሩ፡ መስቀል ናይ ክርስቲያን ሕይወት ቤት ትምህርቲ እንክብሉ ብምግላጽ፡ ኣብኡ ኢኻ ዓቃልን ዕጉስን ጭቡጥ ፍቕሪ እትመሃር ምስ በሉ፡ ካብ ጅቦኦም ዘይፈልይዎ ኣብ ኣርጀቲና ካብ ሓደ ሓዋርያዊ ቀናእ ዝተለገሰሎም ንእሽተይ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከምዘለዎምን ኣብ ዝኽእሉሉ ሰዓትን እዋንን እውን ዝደግምዎ ምዃኖም እዚ ናይ ግሊ ክፍሊ ሕይወቶም ዝዀነ ተመክሮ የካፍሉ።

ኣብ ፓናማ መንእሰያት ምስ ኢየሱን ማርያምን ናይ ብዙሓት ላቲን ኣመሪካን መላእ ዓለምን ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከበድ ሕይወት ናቶም ገይሮም ተሰኪሞም እዮም፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ዓይነት ጊልያነት ኣደዳ ናይ ዝዀኑን ድኻታን ኣሕዋቶም ስቓይ፡ ስለዚህ እቲ ናይ መስቀል መገዲ ጸሎት ዝተፈጸመሉ መደብ ብሓቂ ጥልቅን ዓቢይን እዩ ኔሩ፡ ኣብቲ ናይ ትሕቲ ዕድመን ሕጻናትን ቤት ምሕቡስ ዝተፈጸመ ናይ ዕርቅን ንስሓን ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓትን ኣብ ሕያዋይ ሳምራዊ መእለዪ ሕሙማን አይድስ፡ ዘጠቓልል ቤት ትምህርቲ መስቀል። ፍቕሪ ኣብ መስቀል ብመስቀል ምስ መስቀ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ምርያም ንእግዚኣብሔር “ተጽዕኖ ፈጣሪት”

ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መእሰያት ኣብ ፓናማ ናይ መዕጸኢ ስነ ስርዓት ጸሎት ዋዜማ፡ ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ከኣ ቅዱነቶም ማርያም ብትሕትናኣን ትሕትን ካብ ኵሉ ብዝለዓለም ደረጃ ኣብ ታሪኽ ዓለም ተጽእኖ ዝገበረት እያ፡ ሓቀይና ንእግዚኣብሔር ተጽእኖ ፈጣሪት ምዃና ሓቢሮም መንእሰያት ማርያም ናይ ሕይወቶም ኣርኣያ ክገብርዋ ከምዝመዓዱን፥

ሰንበት ንጐሆ ኣብቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዓቢይ ቅዱስ ቁርባን ዝተሰረዓሉ ፥ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ነቶም መንእሰያት፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂኣውያን እምበር ጽባሓውያን ስለ ዘይኰንኩም ኣብ ሕጃዊ ዓለም ወንጌል ንኽትነብሩ ዝተጸዋዕኩም ኢኻትኩም፡ ናይ ጽባሕ ሎሚ እያቶም፡ ኣብ መንጐን ክሳብ ሽዑን ከምዘይኰኑን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓለምን ሕጃውያን ምዃኖም እየ ዘተሓሳሰብክዎም፡ ኣስዒበ እውን ነቲ በጽሕን ዓቢይን ወለዶን ንመንእሰይ ኣብ ምሕናጽን ዕዮ ኣብ ምቕራብን ማሕበረሰብን ስድራን ንኸቑሙ ደገፍን ሕንጸት ምቕራብ ሓላፍነት ከምዘለዎ እውን ሓቢረ፡ ከንደይ መንእሰይ ብስእነ ስራሕ ተጠቒዑ ኣሎ … ማሕበረሰብ፥ ዝተኣንገዱን ተቐባልነት ከምዝረኸቡ ኣብ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን እውን ከምኡ።

ሓድሽ ፍርያምነት ንደቀ መዝሙር ክርስቶስ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶ ምስ ናይ መላእ ከባቢ ሃገራት ማእከላይ ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፡ እቲ ርክብ ፍልዩ ናይ ምጽናዕ እዋን ከምዝነበረን ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ዘተኮረ ምንባሩ እውን ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም ናይታ ዝተሓደሰት ውህበታን ውበታን ኣብ ክብሪ ንእግዚኣብሔርን ንእምነትን ብናይ ሕዝባ በዓልን ዳግማይ ዝተጐናጸፈት ባዚሊካዊት ካተድራል ቅድስተ ማርያን ዘኣንቲጉዋ መንበረ ታቦት ንኽባርኵ ዝፈጸመዎ ስነ ስርዓት ባርዀትን ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዘኪሮም፥

ስድራ ቤት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓናማን ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ምድሪ ዓለም ነጋድያን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ልኡካን መንእሰያት ደቀ መዝሙር ክህልዉን ክበዝሑን መታን ካብ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሓድሽ ፍርያምነት ሓይሊ ይድለዩ

እንክክብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠናቒቖም።

ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ፥ ተባዕ ካህን

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ዛዘሙ፡ ብቋንቋ ጣልያንይን ሰላምታኦም እንከቕርቡ፡ ዕለት 31 ጥሪ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ዝክረ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኰ እተዕርገሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ዶን ቦስኮ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ንመላእ መንእሰያት ተስፋን ቤትን መጻእን ብምቕራብ ናይ እግዚኣብሔር ኣእዳው ክሕዙን ክስዕቡን ምስ እግዚኣብሔር ክራኸቡን ንምግባር ዝኸኣለ እንክብሉ ገሊጾም፡ ምስክርነቱ ንዅላትና ንሓድሽ ትውልዲ ብግቡእን ኣብ ሓቀይና መንፍሳውን ሰብኣውን ዕሴታት ምሕናጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ንኸነስተውዕል ይደርኸና ኢሎም።

[ Audio Embed ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንእሰያት ኣብ ዓለም ናይ ሰላም መባዅዕቲ እያቶም፡ ]  

 

30 January 2019, 17:27