ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብኣ ሰገል ኵነት እግዚኣብሔር ዝናፍቕ ኣልባብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብኣ ሰገል ኵነት እግዚኣብሔር ዝናፍቕ ኣልባብ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብኣ ሰገል ኵነት እግዚኣብሔር ዝናፍቕ ኣልባብ

ጥበብ ናይቶም ሰብኣ ሰገል፡ ኣብ ጉዕዞ እምነት ዘሰንየና፡ ኣብ ናይ ጸልማትን ደልሃመን ሰላሕታውነት ክንወድቕ ዘይሓድገና ካብቲ ሕይወትና ክዕብልል ካብ ዝደልይ ጸላም ከመይ ገርና ክንከላኸል ከምዝግብኣና ይምህረና

ናይ ከዋኽብቲ ብርሃን፡ ናይ ሰብኣ ሰገል ጉዕዞ፡ ነቲ ንኣና ሕይወቱ ዘወፍይ ኢየሱስ ዘቕርብሉ ህያባትን! ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም በቢ ዓመቱ ኣብ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ኣብ ዘዕረግዎ መሳዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎም ስብከታት ዘብርህዎ ነጥብታትን ዝተንተንዎ ሓሳብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንብርሃን ዓለም ብሩህ ዝገብር ዕሸል ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ዝዀነ ብርሃን፡ ሰብኣ ሰገል ነቲ ኵሉ ውሕስነት ዝህቦም ዝመስል ዝነበረ ባይታ ሓዲጐም ነት ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ጭንቀት ዝነብሩ እውን እንተበሩ ንሕዳሴ ክፉታት ብምንባሮም ናብ ጉዕዞ የብሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሰብኣ ሰገል ኣብ ጉዕዞና ዘሰንዩና ሰብ ጥበብ ምዃኖ ገሊጾም፡ ሰብኣ ሰገም ጠመተና ናብታ ኰዀብ ኣቕኒዕና ናይ ልባትና ጥልቂ ምንዮት ክንስዕብ ይሕግዙና፡

ሰብኣ ሰገል (ሰብ ጥበብ)፥ ዓቀብት እምነት

እታ ኣብ ሰማያት ዝተዀለዐት ኰዀብ ኣብ ልቢ ሰብኣ ሰገል ብርሃና ተንብር፡ ነቲ ዓቢይን ንፍጹምን ብርሃን ዝዀነ ክርስቶስ ንኸናድዩ የንቅሎም፡ እዚ ቅዱስ ብልሓት ወይ ቅዱስ ጉርሒ እዩ፡ ጥበብ ናይቶም ሰብኣ ሰገል፡ ኣብ ጉዕዞ እምነት ዘሰንየና፡ ኣብ ናይ ጸልማትን ደልሃመን ሰላሕታውነት ክንወድቕ ዘይሓድገና ካብቲ ሕይወትና ክዕብልል ካብ ዝደልይ ጸላም ከመይ ገርና ክንከላኸል ከምዝግብኣና ይምህረና፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ኣብ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ 2014 ዓ.ም. ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብዚ እዋን’ዚ እምነት ምዕቃብ ኣዚዩ ኣገዳስን ወሳንን እዩ፡ ክንየው ጸልማት ምባል፡ ክንየው እቲ ዓው ዓው ዝብል ጭርሖን ክንየው ዓለማውነትን ክንየው ኣብዚ እዋን’ዚ ዝግለጹ ዘመናውነታትን፡ ናብ ቤተልሄም ኣብቲ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማ ናብ እትርከብ ተራ ቤት፡ ናብቶም ምልኣት ፍቕርን እምነትን ዘለዎም ኣቦን ኣደን፡ እቲ ኵላዊ ንጉስ ዝዀነ ጸሓይ ካብ ሰማያት ናብ ዝበረቐላ ቤት ነብል።

ናብ እግዚኣብሔር ትሕት ምባል

ሎሚ እውን እታ ኰዀብ ነቶም ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዑ ጉዕዞ ተብርህ፡ መንፈስ ቅዱስ እቶም ሰብኣ ሰገል እቲ ሄሮዶስ ዘቕርበሎ መሐኰልን ምትላልን ነጺጐም ነቲ እውነተይና እግዚኣብሔር ክረኽቡ የብቅዖም፡ ነቲ ናይቲ ሕጻን ንኡስነት ይመርጹን ዝለዓለ ህያባቶም እውን የቕርብሉ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዓቢይ እዩ፡ ብርቱዕን ትሑትን እዚዩ ትሑትን እዩ፥

ኣብ እግዚኣብሔር ዝተሓብኤ ምስጢር እንታይ እዩ? ኣበይከ ክራኸቦ ይኽእል? ኣብ ዙርያና ውግእን ወረ ውጋን ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን መግረፍትን ንግድ ኣጽዋርን ሓድሽ ጊልያነትን … ከቢቡና ኣሎ፡ ኣብቲ ዅሉ ናይቶም ትሑታን ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኩነት ስቓዮም ኢየሱስ ኣሎ፡ ኣብ ስቓዮም ኢየሱስ ህልው እዩ፡ (ማቴ. 25,45 ረአ)፡  እቲ መብልዒ ማል ካብቲ እዋናዊ ኣመለኻኽታ ዘቕርቦ ሕልምታት ዝተፈልየ መገዲ የቕርበልና፡ እቲ ናይ ትሕት ምባል መገዲ እግዚኣብሔርን፡ እቲ ትሕት ዝብል ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ፡ ገዛእ ርእሱ ዘዋርድ ነቲ ኣብ ቤተልሄም መብልዒ ማልን ኣብ መስቀል ቀራንዮን ኣብ ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተሓብኤ ግርማን ሞጐሱን የቕርበልና።

ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር እንጉዳት

ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ክብረ በዓል ግልጸተ ዘእግዚኣነ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሲ፡ ሰብኣ ሰገል ይብሉ፡ ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኵርናዕ ዓለም ናብ እግዚኣብሔር ዘቕንዑን ኣብ ቤት እግዚኣብሔር እንጉዳት ዝዀኑን ይውክሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ብዓሌትን ቋንቋን ባህልን ምግምማዕ የልቦም፡ ኣብ ኢየሱስ መላእ ዘርኢ ሰብ ውህደቱን ስንይቱን ይረክብ፡ ካብዚ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ዕዩ እንታይነቱ ነስተውዕል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ድላይ እግዚኣብሔር ምብርባር፡ ዕለታዊ ረብሓታት ንድሕሪት ሓዲግካ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድምጺ ጽን እናበልካ ናብ ጉዕዞ ናይ ምባል ድላይ የነቓቕሕ።

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረቱ ኣብ ምዃኑ ብኑባሬ ንዝተዓደሎ ድላይ እግዚኣብሔር ነጺሩ ክግለጽ ትድግፍን እዚ ዕዮኣ ምዃኑ ኣፍልጦ ትገብር፡ ሓላፍነታን ተልእዀኣን ንሱ እዩ፡ በቲ እተንጸባርቖ ብርሃን፡ ብዙሓት እውን ኣብ እዋንና፡ ጭኑቕ ልቢ ዘለዎ ሕቶ የቕርቡ ግና መልሲ ገና ዘይረኸቡ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባቶም ዘወዓውዖ ምጭናቕ፡ እዚኣቶም እውን  ልክዕ ከም ሰብኣ ሰገል ናብ ቤተልሄም ገጻ እትመርሕ ኰዀብ ዘናድዩ እያቶም።

ዘይደንዘዘ ልቢ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት ክብረ በዓል ግልጸተ ዘእግዚእነ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ እቲ ኣባና ዘሎ እግዚኣብሔር ናይ ምንፋቕ ባህርይ ነቲ ዘሰልኪ ተመሳሲልካ ምንባር ዝብል ጠባይ ዝሰብርን ካብቲ ኵሉ ጽሕፍቶ እዩ ፍቓድ ዝበሃል ነገር የልቦን ካብ ዝብል ሓጹር ክንወጽእ ይገብረና፡ ሰብኣ ሰገል ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጡረት ተክለ ሰብነት ዝውክሉ እያቶም፡ ኣብ ሕይወቶም ልቦም ንኽድንዝዝ ዘይፈቐዱ እያቶም፡ ንሳቶም እዮም ነቲ ዘይፍሉጥ ዝመስል ዝነበረ ንጉስ ዝረኣዩ፡ ግና ሃረር ዝብልዎ ዝነበረ እዩ ዘየዋርድን ዘየሕስርን ጊልያ ዘይገብርን ምቑሕ ዘይገብርን ንጉስ።

ናይ እግዚኣብሔር ጠመተ ዘቕንዕን ዝምሕርን ዝፍውስን ምዃኑ ምፍላጥን ተመክሮ ምግባርን፡ ኣብቲ ማንም ዘይጽበዮን ዘይተጸበናዮን ስፍራ ክውለድ ዝመረጸ እግዚኣብሔር ኣብቲ ዝውለደሉ ቦታ ምርኻብ የድሊ፡ ኣብቲ ብዙሕ እዋን እንኽሕደሉን ኣብዚ ክህሉ ኣይኽእል ኣብ እንብለሉ ስፍራ፡ ኣብ ጥማቶ እግዚኣብሔር ንዅሉ፡ ንዝቖሰሉን፡ ንዝደኸሙን ኣደዳ ንዝዀኑን ንዝጥንጠኑን ቦታ ኣሎ፡ ሓይሉን ስልጣኑን ምሕረት ይበሃል።

ድላይ ናይ ዓለም፥ ዝናጐጽ በራሪ ኰዀብ እዩ

ጠመተኻ ምሕላው፡ ዓወትን ገንዘብን ስልጣንን ክብርን ድላይን ብርቱዕ ስምዒት ዘበራብር እውን እንተዀኑ ልክዕ ከም በራሪ ኰዀብ ብልጭ ቢሎም ዝናጐጹን ዘናጉጹን እያቶም፡ እታ ናይ ጐይታ ኰዀብ ግና ኵሉ ሳዕ ዝድጉሕ እውን እንተዘይኰነ ወትሩ ህልው እዩ፡ ኣብ ሕይወት ብኢድካ ሒዙ ዝጓዓዝ ሰላም ዝውሕስን ልክዕ ክምቶም ንሰብኣ ሰገል ዝዓደሎም ዓቢይ ሓጐስ ዝጽግው እዩ (2017 ዓ.ም. ስብከት ኣብ ክብረ በዓል ግልጸተ ዘእግዚእነ)።

ንኢየሱስ ንምርካብን ምስኡ ንምርኻብን ሓደጋ ዘይምፍራሕ እዩ፡ በጺሓ ዝብል ርውየትን ኣብ ሕይወት ካልእ ዝሓቶ ኣየድልየንን ዝብል ሃካይነትን ዘበለ ኵሉ ፍርሒ ምውጋድ የድሊ፡ ነቲ ሕጻን ንምርካብ ገዛእ ርእስኻ ንሓጋ ንምቅላዕ ዘይምፍራሕ፡ እቲ ሕጻን ምስ ረኸብካዮ ናቱ ሓልዮትን ፍቕሩን ምስ ረኸብካ ገዛእ ርእስኻ ትረክብ ስለዚህ ምስኡ ምራኻብ እዚዩ ዝለዓለን ክቡርን ረብሓ ዘለዎ እዩ፡ ሓደጋ ከይፈራሕካ ምራኻቡ ዝበለጸ ጥቕሚ ኣለዎ!

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

 

05 January 2019, 14:31