ድለ

ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐብልናሉ ዕለት ፈጺምና ከይንርስዕ ሓደራ

ንወለድና ድዩ ንኣብ ሓጐታትናን ኣደ ዓባይናን ዝተጠመቕናላን ኣብ ክርስትና ሕይወት ዝተወለድናላ ዕለት ንሕተቶትምን ተዘክሮ ኸኣ ንግበር

ብሞሳን ብጽኑዕ እምነትን እቲ ብምስጢረ ጥቅመት ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን ዕለት ብዕለት ምንባርን ምስቲ ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን ስኑይ ዝዀነ ሕይወት ይሃልወና፡ ንወለድና ድዩ ንኣብ ሓጐታትናን ኣደ ዓባይናን ዝተጠመቕናላን ኣብ ክርስትና ሕይወት ዝተወለድናላ ዕለት ንሕተቶትምን ተዘክሮ ኸኣ ንግበር፥

ከምቲ ልምዱ ብበዓለ ጥምቀት ምኽንያት ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስትና ምስጢረ ጥምቀት ንሕጽናት ሰሪዔ፡ ምእንቲ እቶም ዝተጠመቑ ሕጻናትን ወለዳቶምን ንጸልይ፡ ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዝተቐበልናዮ ምስጢረ ጥቅመት ህያው ተዘክሮ ንግበር። ኣብ ጥምቀት ሱር ሕይወትና ኣብ እግዚኣብሔር ይጸንዕ። ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወትና መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ብትስብእቱን ስቓዩን ሞቱንን ትንሳኤኡን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ሕይወትና ንመንፈስ ቅዱስ ንኸነወክፍን ብኣኡ ንኽምንራሕን ንፍቀደ፥

ከም ኢየሱስ ድህረ ጥምቀቱ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ንኽምንራሕ ንፍቀድ፡ ምእንቲ’ዚ ናብ መንፈስ ቅዱስ ምጽላይ የድሊ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንጸልይ፡ ዕለታዊ ሕይወትና ብፍቕሪ መታን ንኽንነብር፡ በዚ መገዲ እዚ ጥራሕ እዩ ዓበይቲ ነገራት ክንፍጽም እንኽእል

ቢሎም ምስ ዛዘሙ፡ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብማሕበርን ብውልቅን ንዝተረኽቡ ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ብሩኽ በዓለ ጥምቀትን ዝተባርከ ዕለተ ሰንበትን ይግበረልና ቢሎም ሓደራ ኣብ ጸሎትኩም ተዘከሩኒ ቢሎም ተፋንዮም።

ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐብልናሉ ዕለት ፈጺምና ከይንርስዕ ሓደራ
14 January 2019, 17:28