ድለ

ናይ 2019 ዓ.ም. ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2019 ዓ.ም. ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ናይ 2019 ዓ.ም. ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ዝክረ ነገር ጽዑቕ ምዃኑ ክንገረ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን መደረ ከምዘቕርቡን፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዓበይቲ መርሓ ግብርታቶም ተባሂሎም ካብ ዝግለጹ፡ ናብ ኤሚራት ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ዝገብርዎ ምብጻሕን ብዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምኽንያት ኣብታ እቲ ኵነት እንተእንግድ ሃገረ ፓናማ ዘብርዎ ምብጻሕን ከምኡ እውን ኣብ ሞሮኰን ቡልጋርያን መቄዶኒያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻ ዓበይቲ ፍጻሜታት ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ መሪሖም ካብ ዝሳተፉሎም ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያናት እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ጉባኤን፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞንን ይጥቀስ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ዝክረ ነገር ጽዑቕ ምዃኑ ክንገረ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን መደረ ከምዘቕርቡን፡ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ በቢ ዓመቱ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብኻልእ መዳይ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣገዳሲ መልእኽቲ እተመሓላልፈሉ ክኸውን እንከሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ቅዱስነቶም ነዞም ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ 70 ዓመት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ሎሚ ኣብዚ ሳልሳይ ሺሓዊ እዋን ኣብ ዓለም ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝርአይ ምዃኑን፡ እቲ ዝለዓለ ግህሰት ከኣ ጸረ ሕይወት ምዃኑ ክምዘመላኸቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፓናማ

ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 28 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር እየ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ (ሉቃስ. 1,38) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ከምዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመኸረ ድሕሪ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝካየድ ብምዃኑ እቲ ሲኖዶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ወለዶ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን እንክብል ድሕሪ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ስዒቡ ዝካየድ ብምዃኑ ብሓቂ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ክኸውን እንከሎ። ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኣመንትን ኢኣማንያንን መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ መንእሰይ ካብ ገዛእ ርእሱ ክወጽእን ኣብ ምግልጋል ንኻልኦት ክጽመድን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ብዙሓት መንእሰያት ካልእ ንምሕጋዝን ንዝሳቐዩን ንድኻታትን ዝከኣሎም ኣብ ምግባር ዝዋስኡ እያቶም ናይ መንእሰይ ሓይሊ ዓለም ዝልውጥ እዩ፡ ነቲ ናይዚ ዓለም ብርቱዓት ሓይልታት ንዝብሃሉ ኵሉ ዘሰንፍ ናይ ኣገልግሎት ሶውራ ናይ መንእሰይ ሓይሊ እዩ፡ ሕይወትና ትርጉም ዝህልው፡ ኣብ ንእግዚኣብሔርን ንብጻይን ምግልጋል ምስ ዝውዕል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይዘኻኽር።

መደብ ዓለም ለኻዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ

ናብ ሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 5 ፍቕዲ 9 “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እያቶም” ዝብል ቃል ኣስተንፎፍሶ ዝገበረ ኣብ ጸሎት ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ዝተነብረ፥ ኦ ጐይታ ናይ ሰላም መሳርሒ ግበረኒ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓባር ጉባኤ ክሳተፉ እዮም። ቅድም ክብል ከምእተሓበረ እውን 2019 ዓ.ም. ናይ ምትሕብባር ዓመት ክኸውን መንግስቲ ኢሚራት ሕቡራት ሃገራት ዓረብ፡ ካብ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነት ዝረሓቐ ባህሊ ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ናይ ምክእኣል ዓመት ቢሉ ከምዝሰመዮ ይዝከር።

ናይ ትስዓቱ መማክር ር.ሊ.ጳ. ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላትን ሕዳሴ ኵርያን

ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 መብል 28 ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ መሪሖም ክሳተፉ ከምዝዀኑን፡ እቲ ጉባኤ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ብኵርያ ሮማና ዝፍለጥ ላዕለዎት ሓዋርያዊ መዋቕራት ዝምርሓሉ ሕያዋይ ጓሳ ቕዋም ዝሕድስ ወንጌል ስበኹ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝቀረበ ሰነድ ዘማእከለ ከምዝኸውን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ ሕዳሴ’ዚ እታ ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ብጥልቂ ልእኽቲ ወንጌል ምዃና ንዝጠልቦ ድላይ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዝሓቀነ ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን፥ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልክዕ ድሕሪ እቲ ናይ ትስዓቱ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንኽመክር ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ፡ ምስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ክራኸቡን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣቐዲምካ ከይኽሰትን ከይህሉን ኣብ ምግባር ሓሳብ ክመኽሩ እዮም። ብፍላይ ከኣ ከምቲ ዕለት 21 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት መግለጺ ንምልውዋጥ ምስ ኵሪያ ሮማና ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምንም ዓይነት ናይ ወሲብ ኣብ ሓቅን ፍትሕ ብዝቖመ ከይዲ ከዋዊልካ ምሕላፍ ከምዘይህሉ ብትረት ከምዘተሓሳሰቡንን ተሓተትቲ ገበነይናታት ክልወጡን ንሰብኣዊ ፍትሒ ገዛእ ርእሶም ከቕርቡን ንመለኰታዊ ፍትሒ ክሰናደዉን ዝብል መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ዝዝኸር እዩ።

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሞሮኮ

ካብ ዕለት 30 ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መሮኮ ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ብዘቕረቡሎም ወግዓዊ ዕድመ መሰረት ኣብ ሃገረ ሞርኮ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም።

ዝበዝሔ ሕዝቢ መሮኮ ሰዓቢ ሓይማኖት ምስልምና ምኳኑ ኣብ ዝነገረላ ሃገር ቅድሚ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ዕለት 19 ነሓሰ 1985 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምብጻሕ ኣክይዶምን ኣኣብ ካሳብላንካ ስፖርት ሜዳ ምስ ልዕሊ 80 ሺሕ ሰብዓብቲ ሓይማኖት መንእሰያት ተራኺቦምን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ነፍሲ ወከፍ መንነት መለለዪ ዘኽብር ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ይዝከር፡

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን

ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋሪያን መቀዶኒያን ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ከምዝዀነ ቅድም ክብል ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋሪያ ኣብ ከተማ ሶፊያን ራኮቪስኪን ኣብ መቀዶኒያ ከኣ ኣብ ከተማ ስኮፕጀ ምብጻሕ ከምዘካይዱን፡ ኣብ ሃገራት ቡልጋርያን መቀዶኒያን ካብተን ሃገራት መንግስታትትን ኣብተን ሃራት ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እዩ፡ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብርታት ዝርዝር ገና ዘይቀረበ እውን እንተዀነ ዝኽተሎ መርሕ ቃልን መለለዪ ኣርማን ድሮ ከምእተሰናደዎ ቅድም ክብል ክምእተሓበረ ዝዝከር እዩ።

ናይቲ ኣብ ቡልጋሪያ ዘካይድዎ መገሻ መርሓ ቃልን መለለዪን ክልተ ኣእዳው ንዓለም ዝድግፉን ናይ ቡልጋርያ እትርከበሉ ክፍለ ዓለም ዘርእይ ቡልጋሪያ ኣበይ ከምዘላ ዝሕብር ሰንደቕ ዓላማ ቡልጋርያን ዝተነብሮን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ሰላም ኣብ ምድሪ ዝብል ኣርእስቲ መርሕ ቃል ዝገበረን ክኸውን እንከሎ ዮሓንስ መበል 23 ንቡልጋርያ ዝበጽሑ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ክዀኑ እንከለዉ፡ ር.ሊ.ጳጳጳሳትን ካርዲናልን ቅድሚ ምዃኖም እውን ኣብ ቡልጋርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ናይ ቅድስቲ  መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ናይቲ ናይ መቀዶኒያ ዘካይድዎ መገሻ መርሓ ቃልን መለለዪን

ናይ ሃገረ መቀዶኒያ ሰንደቕ ዕላማ ሕብሪ ዘለዎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዝበስርን ዝባርኽን ስእሎምን ናይዚ መለለዪ ድሕረ ምድሪ ከኣ ናይ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ መፍለጢ ዝዀነ ናይ ገዳማዊ ልብሰን ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎን እናቴ ተረዛ ኣብ ከተማ ስኮፕጀ ዝተወልዳ ብምዃነን ነዚ ዘንጸባርቕን መርሕ ቃሉ ድማ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 12, 32 “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ … ኣይትፍራህ” ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የአመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ምብጻሕ ከካይዱ ብርቱዕ ድላይ ከምዘለዎም ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ ተንሾከኖህ ሺሰትዙ ጃፓናዊ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾምክ ከምዝነበር ይዝከር።

ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ፍልዩ ናይ መላእ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ሲኖዶስ ከምዝጸውዑን ኣብቲ ሲኖዶስ ክሳተፉን ብዝዕባ ኣማዞንን ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያዊ ኣገልግሎታን መደባታን ኣብ ክንክን ምህዳርን ሰፊሕ ምምጥ ዝገበረሉ ምዃኑ ባዕሎም ቅዱስነቶም ነቲ ሲኖዶስ ኣብ ዝጸውዕሉ እዋን ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ።

ናይ ሕውነት ንገልግሎት ዓመተ ሰላም

ርእሰ ዓመት 2019 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዝበዓለሉን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.  መልእኺ ሰላም እውን ዘመሓላልፍሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ ቅዱስነቶም እቲ ናይ ለምዘበን መልእኽቲ ሰላም መርሕ ቃል “ቅኑዕ ፖሎቲካ ንሰላም የገልግል”’ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ክልእኮም እንከሎ ዝበሎ ሰላም ነዛ ገዛ እዚኣ ይኹን ቢልኩም ወዲሰላም እንተሎ ይወሃቦ እንተዘየሎ ሰላምኩም ይምልሰልኩም ዝበልዎ መሠረት ብምግባር እውን ንዓለም ምሉእ ‘ሰላም ንኣኹም ይኹን’ ብዝብል ቃና ሰፊሕ  መበል 52 መልኽቶም፥ ኢየሱስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እት ሓለቓ ኪኸውን ዚደሊ ድሕር ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይዅን” በሎም (ማር. 9,35) ነቲ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ናይ ምግልግል ሓላፍነት መገዲ ሰላም ምዃኑ ብሰፊሕ ዝትንትን እዩ።

ናይ 2019 ዓ.ም. ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
02 January 2019, 09:08