ድለ

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦናን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያንን

ሓደ ምእንቲ ክዀኑ (ዮሓንስ ምዕ. 17. ፍቕዲ 21)

ነቶም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ በቢ ዓመቱ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝካየድ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ዘኪሮም፡ እቲ ኣቦይ … ሓደ ምእንቲ ክዀኑ (ዮሓንስ ምዕ. 17. ፍቕዲ 21) ዝብል ጸሎት ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍጸም ኵሉ ሓድነት ክርስቲያን ኣማራጺ ከምዘይኵነ ኣስተዒሉ ክጽልይ ምዒዶም ኩሉ ክጽልን ሓደራ ቢሎም፡ ካብ ፖላንድ ቁምስና ቅዱስ ስታኒስላው ንዝመጹ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቁሩብ መዓልታት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ቅድሚ  ምሕራዮም ናብቲ ናይ ፖላንድ ሓላዊ ቅዱስ ስታኒዝላው ቅዱስ ስፍራ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝዝከረሉ እዋን እውን ምዃኑ ጠቒሶም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም። 

16 January 2019, 17:31