ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ መላእ ስድራ ዘርኢ ሰብ ይባራኽ፡ ኩሉ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም

እንነብረሉ ማሕበረሰብ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ክኸውንን ናይ ሰላም መልእኽተይናን እቲ ናይ ዘርኢ ሰብ ጽቡቕን ሓጐስን ዝደልይ እግዚኣብሔር መስካሪ ይኹን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጺ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ፥ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም  ሎሚ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ እግዚኣብሔር ምዃኑን ተተሓሒዙ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኩላትና ንናይ ኵሉ ናይ ሓባር ጥቕሚ ሓላፍነት ዘሎና ምዃንናን ሰናይ ፖለቲካ ዝህልዉ ኩሉ ከከም ሓላፍነቱ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ግዴኡ ምስ ዘበርክት እዩ ዝብል ኣስተንትኖ ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እታ ሎሚ ቅድቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓላ ተብዕለላ ዘላ ቅድስተ ማርያም እመ እግዚኣብሒር ምእንቲ ኣገልግሎት ሰላም ኣብ ዕለታዊ ዕዮታትና ትደግፈና፡ እዚ ናይ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥልቂ ምንዮት ክኸውን እንከሎ፡ ከምኡ እውን ኣብዚ ሎሚ ከምቲ በቢ ዓመቱ ብድላይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተገበሰ ለምዘበን ንመበል 52 ዓመት ዝዝከር ዘሎ ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ጠቒሶም፡

ሰናይ ፖለቲካ ኣገልጋሊ ሰላም

ናይ ለምዘበን ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝዀነ ሰናይ ፖለቲካ ኣገልጋሊ ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ዘኪሮም፡

ፖሊቲካ ንሰበ ስልጣናት መንግስትን መንግስታትን ጥራሕ ዝተዓቀበ ዘይኰነስ ኩሉ ንናይ ከተማ ሕይወት፡ ናይ ሓባር ጥቕምን ሓላፍነት ኣለዎ፡ ሓደ ፖለቲካ ሰናይ እዩ ዝበሃል ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ነገልግሎት ሰላም ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ምስ ዘበርክት እዩ፡

ማርያም መድሕን ትገልጸልና

ቅዱስነቶም ከምቲ ናይ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. እመ ኣምላኽ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ትዓቅበናን ተሰንየናን ናብ ልባትናን ናብ ዓለም ናይ ወዳ ሰላም ተብጽሕ ዝብል ዝፈነውዎ ናይ ትዊተር መእኽቶም ዘኪሮም፡ እንነብረሉ ማሕበረሰብ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ክኸውንን ናይ ሰላም መልእኽተይናን እቲ ናይ ዘርኢ ሰብ ጽቡቕን ሓጐስን ዝደልይ እግዚኣብሔር መስካሪ ይኹን ቢሎም፡ ድሕሪ በዓለ ልደት ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ እቶም ጓሶት ቤተ ቤተልሄም ዝገበርዎ የዕንታ ኣብ ቅድስቲ ማርያምን ኣብቲ ኣብ ሕቕፎኣ ናብ ዘሎ ሕጻን ኢየሱንን ተንብር።

ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ማርያም ኢየሱስ መድሕን ዓለም ተርእይ፡ ትባርኸናን፡ ሎሚ ንዅላትና ትባርኸና፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጉዕዞ ኣብ መባእታ 2019 ዓ.ም. ትባርኽ፡ እዚ ዓለም’ዚ ሰናይ ዝኸውን መጠኑ እቲ ኢየሱስ ንዓለም ከበስር ዝመጸ ናይ እግዚኣብሔ ሓልዮት ዘእንግድ እዩ፡

ናይ ጐይታ ሓይሊ

ነቲ ብበዓላት ምኽንያት እንለዋወጦ ናይ እንቋዕ ሓጐሰካ ርሑስ በዓልን ምግለጺ መልእኽቲ ትርጉም ዝህቦ ቡራኬ እግዚኣብሔር እዩ፡ ከምቲ ኣብ ጥንቲ ካህናት እስራኤል ንሕዝቢ ክባርኹ እንከለዉ፡ ሰለስተ ሳዕ ስም ጐይታ እናጸውዑ፡ ኣእዳዎም ናብ ሕዝቢ ኣንቢሮም ዝህብዎ ቡራኬ ዘዘኻር።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ነቲ እትምህለሎ ብጭቡጥ ዝውክል እዩ፡ ስም እግዚኣብሔ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ወይ ስድራ ቤት ወይ ማሕበረሰብ ልዕሊ የንብር፡ እዚ ኸኣ ካቲብ ስም ዝምንጨው ሓይሊ ቡራኬ ክወርድን ክባርኽን ዝገብር እዩ

ክትርእዮ ዘይከኣል ጸጋታት ዝድርጉህ ጸሓይ

ኣብ ስነ ስርዓት ምብራኽ ውጅሂ እግዚኣብሔር ክልተ ሳዕ ይስመይ፡ ኦ ገይታ ውጅሃኻ ኣባይ ኣንጸባርቕ ናብ ሕዝብኻ ኣብሎ፡ ምሕረትን ሰላምን ጸግው እንክብል ይባርኽ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወጅሂ እግዚኣብሔር ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘይብጻሕ እዩ፡ ማንም ወጅሂ እግዚኣብሔ ርእዩ ብሕይወት ዝተርፍ የልቦን፡ እዚ ናይ እግዚኣብሔር ክንየውነት ወይ ደረት ሰገርነቱን ኢታእላው ዕብየቱን ክብሩን ዝገልጽ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ክብሪ እግዚኣብሔ ኵሉ ፍቕሪ እዩ፡ ስለዚህ ዋላ’ኳ ዘይብጻሕ ይኹን ልክዕ ከም ጸሓይ ዘይጥመትን ዘይረአየን ይኹን ጸጋታቱ ነነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ብፍላይ ኣብቲ ኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝንጸባርቐሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን ይድርጉሕ።

ምንጪ ሰላም

እግዚኣብሔር ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ ኢየሱስ ካብ ማርያም ተወሊዱ ወጅሁ ሰብ ብምዃን ገለጸልና፡ እቲ ቅዱስ መስሊ እመ እግዚኣብሔር መድሕን ዓለም ይገልጸልና

ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ቡራኬ እዩ፡ ኢየሱስ ምንጪ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስትንትኖ ዛዚሞም።

01 January 2019, 17:08