ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ሰብኣ ሰገል ልባትና ንኢየሱ ንኽንከፍት ትብዓት ይሃልወና

ከመይ ገርካ ምስ ኢይሱስ ክትራኸብን ኣብ ቅድሚ ህላዌ እንታይ ዓይነት ጠባይ ክህልወካን ይግባእ? ኣብ ወንጌል ዘሎን ንዝተገልጸን ብርሃን ብኸመይ መገዲ ገዝእ ርእስኻ ተቕርብ፡

ፍርቂ መዓልቲ ክብረ በዓል ግልጸተ ዘእግዚኣነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣሔ ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ማእኪሎም፥ ምስቲ ሰብ ኰይኑ ምስ ዝመጸ እግዚኣብሔር፡ ኢየሱስ ምራኻብ ዝጽግዎ ዓቢይ ሓጐስ ብምምስካር፡ ነዚ ናይ ታሪኽ ዘደንቅ ሕዳሴን ንዅሉ ንቐረባን ርሑቕን ንዘለዉ ህያብ ዝዀነ፡ ከምቶም ሰብኣ ሰገል ለጋሳትን ተባዓትን ክንከውን ይጽውዓና ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኢየሱስ ተወልደ ንዅሉ ከም ህያብ ተገልጸ፡ ንዅሉ ቃል ዝተኣትው ናይ ድሕነት ብርሃን፡ እዚ ትርጉም በዓለ ግልጸት እዩ፡ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ኣብ ናይ ኣማንያን ጉዕዞና በዚ ብርሃን’ዚ ንኽምንራሕ ንፍቀድ፡ ከምቲ እቶም ሰብኣ ሰገል ንጽንዓትን ለጋስነትን ብትብዓትን ዝገበርዎ ነዚ ሕዳሴ’ዚ ልባትና ከፊትና ነአንግዶ፡

እምነትና ንምሕዳስ ካብ በዓለ ልደት ንበገስ

ኣብ ናይ ሎሚ ካብ ትንቢት ኢይሳያስ ምዕ. 60 ካብ ፍቕዲ 1 – 6 ዝተወስደ ምንባብ፡ ኢሳያስ እቲ ብርሃን ስለ ዝመጸ እስራኤል ካብቲ ከበድ ስደት ክትላቐቕ ይዕድም፡ እዚ ከኣ ነዚ ህላዌ’ዚን ነቲ ቃል ዝተኣትወ ድሕነት ምቕራብን ልብኻ ብምኽፋን!

ሎሚ ንኣና ነቶም በዓለ ልደት ንዘብዓልና ዝቐርብ ጻውዒት እዩ፡ ብናይ ቤተልሄም ብርሃን ንኽንብጻሕ ንኽንፈቅድ የተባብዓና፡ ኣንሕና እውን ኣብ ደጋውያን ናይ ኵነታት ምልክታ ደው ከይበልና ናብኡ ንኸነብልን ካብኡ ተበገሲና እቲ ናይ ኣማንንያን ጉዕዞና ኣብ ሕዳሴ ሕይወት ከነኺዶ ይዕድመና

ንውልቃዊ ረብሓን ንስልጣንን ጽምኢ ንብርሃን ኢየሱስ ዕጽው ምዃን ዘስዕቦ

ከመይ ገርካ ምስ ኢይሱስ ክትራኸብን ኣብ ቅድሚ ህላዌ እንታይ ዓይነት ጠባይ ክህልወካን ይግባእ? ኣብ ወንጌል ዘሎን ንዝተገልጸን ብርሃን ብኸመይ መገዲ ገዝእ ርእስኻ ተቕርብ፡ ማተዎስ ወንጌል ኣብ ናይ ሎሚ ምንባብ (ማቴ. 2. 1-12) መገድታት ይሕብረና፡ ሄሮድስን ናይ ኢየሩሳሌም ጸሓፍትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ኣለዉ፡ ልቦን ዘትረሩ፡ በቲ ሕጻን ንኸይብጽሑ ዝጻብኡን ነቲ ሕጻን ዝነጽጉን፡ ነዚ ብርሃን ገዛእ ርእስኻ ናይ ምዕጻው ተኻእሎነት ሓደጋ ኣሎ!

ንሳቶም ነቶም ኣብ እዋንና እውን ናይ ኢየሱስ ምምጻእ ዘፍርሖምን ገዛእ ርእሶምን ልባቶም ዝዓጽዉ ሓገዝ ዘድልዮም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝውክሉ እያቶም፡ ሄሮድስ ናይ ሕዝቢ ሰናይን ጥቕምን ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ስለ ዝሓስብ ስልጣኑ ከይስእን ይሰግእን ይፈርሕን፡ እቶም ጸሓፍትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ርእሳነ ሕዝብታትን ከኣ ክንየው እቲ ዘለዎም ርእሰ ውሕስነትንን ርግጸይናነትን ምባል ዘፍርሖም፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ነቲ ኢየሱስ ዝዀነ ሕዳሴ ንኸእንግዱ ይሳኣኖም።

ምስ ኢየሱስ ምርካብ ይሕድስ

ናይቶም ሰብኣ ሰገል ተመክሮ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ካቲ እብራይስጣዊ (ኣይሁዳዊ) ባህሊ ኣዚዮም ዝረሓቝ እውን እንተዀኑ፡ ስለ እቲ ሓቂ ዝዀነ መሲሕ ጥራሕ ይፍለጡ እምበር ካብ ርሑቕ ብኰዀብ መሪሖም ነቲ ነዊሕን ሓደገይናን ጉዕዞ ክገጥሙ ኣይፈርሑን፡ ነቲ ናይ ታርኽ ዘደንቕ -  እግዚኣሔር ሰብ ኰነ - ሕዳሴ ክፉታት ንምዃን ኣብ ቅድሚ ጐይታ ስንድዋትን ኣብ ጉዕዞ ጽኑዓትን ለጋሳትን ኰይኖም ይርከቡ፡ ድሕሪ ምስኡ ምራኻቦም ከኣ ናብ ሃገሮም እንክምለሱ መገዲ ይቕይሩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም፥ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ምስ እየሱስ ዝራኸብ ሰብ መገዱ ይቕይር፡ ናብ ሕይወት ፍልይ ብዝበለ ሓድሽ መገዲ ይምልሰ፡ ተሓዲሱ ይምለስ፡፥

ብኽርስቶስ ዝተዓደለ ድሕነት ነቲ ርሑቕን ቀረባን ዘሎ፡ ንዅሉ ዘርኢ ሰብ እዩ፡ ነቲ ሕጻን ብሒትካ ምሓዝ ዘይከኣል እዩ፡ ንዅሉን ናይ ኵሉን ህያብ እዩ፡ ኣንሕና እውን ኣብ ልባትና ጽሞና ንግበርን በቲ ካብ ቤተልሄም ዝመጽእ ናይ ኢየሱስ ብርሃን ንኽምራሕ ንፈቀድ፡ ፍርሓት ልብና ክሽግጥ ኣይንፈቅድን፡ ነዚ ሕያዋይን ትሑትን ዝዀነ ብርሃን ገዛእ ርእስና ክፉታት ንምግባር ትብዓት ይሃልወና፡ ከምዚ ምስ እንገብር ከምቶም ሰብኣ ሰገል ንዓና ጥራሕ ዘይንብሎ ናይቲ ዓቢይ ሓጐስ ተመክሮ ክህልወና እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ዛዚሞም

07 January 2019, 17:33