ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሃገረ ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኪስካን ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሃገረ ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኪስካን 

ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሃገረ ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኪስካን

ሰናይ ዝዀነ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ስሎቫኪያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሎቫኪያ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕንጸትን ስዒቡ ዛዕባ ስነ ምህዳርን በቲ ኣብ ቀረባ ኣዋን ዝተኻየደ ብዛዕብ ስደተይናታት ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ገይሮም ዛዕባ ምእንጋድ ስደተይናታትን ኣብ ዝብል ናይ ሓባር ረብሓታት ዘተ ተኻይዱ

ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሎቫኪያ ኣብ መዳይ ሕንጻት ዛዕባ ክንክን ምህዳርን እንገዳ ሰደተይናታትን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ኤውሮጳ ሕብረት ከይዲ ምትሕብባርን ኣብ ዝብል ነጥብታት ኣማእኪሉ ዝዘተየ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኪስካ ኣብ ሃገረ ቫቲካን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 14 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ብናይ ሃገሮም ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላት ተሰንዮም ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኣንድረይ ኪስካ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ኪስካ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ  ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፖውል ሪቻርድ ገላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብቶም ክሌኣዊ ርክባት፡ ብዛዕባ እቲ ሰናይ ዝዀነ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ስሎቫኪያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሎቫኪያ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕንጸት ዘተኰረ ሰፊሕ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ምክንያዱ ኣመልኪቱ፡ ስዒቡ ዛዕባ ስነ ምህዳርን በቲ ኣብ ቀረባ ኣዋን ዝተኻየደ ብዛዕብ ስደተይናታት ዝዘተየ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ገይሮም ዛዕባ ምእንጋድ ስደተይናታትን ኣብ ዝብል ናይ ሓባር ረብሓታት ኣተኵይሮም እውን ከምዝዘተዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ኣብ 2019 ዓ.ም. ናይ ስሎቫኪያ መንግስቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ሰላምን ጸጥታን ምትሕብባርን ውድብ ዝርከቦ ተረይና ናይ ኣቦ መንበር ሓላፍነት ማዕቅፍ ገይሮም፥ ሰላም ድሕነትን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ሃሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

 

15 December 2018, 16:37