ድለ

ድህረ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቃል ቅዱስ ኣቦና ድህረ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቃል ቅዱስ ኣቦና 

ድህረ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቃል ቅዱስ ኣቦና

ሰማእታት ኣልጀሪያ ዘኪሮም፡ ብሓባር ሕውነትን ምትሕብባርን ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ንትጋህ ኢሎም ብሩኽ በዓለ ቅድስተ ንጽሕት ድንግል ማርያም ተመንዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ሎሚ ዕለት 8 ታሕሳስ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ዓመታዊ በዓል ንጽሕት ድንግል ማርያም፡ ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ኸደ ኣብ ዝብል ካብ ሉቃስ ወንጌል ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣሞርኵይዞም ቃለ ኣስተንትኖ ለጊሶምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱሱ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቁዕ፥ ኣብ ኢጣሊያ ኣውራጃ ኣንኰና ኣብ እትርከብ ከተማ ኰርዲናልዶ ኣብ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣዳራሽ ብዝተኸስተ ሓደጋ ምኽንያ ንዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን እቶም ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ቅልጡፍ ምፍዋስ ተመንዮን ስሌኦም ንጸልይ ምስ በሉ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዓሰርተ ትሽዓተ ናይ ዝተፈላለያ 8 ማሕበራት ኣባላት ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ኣሓውን ኣብቲ ኣብ ኣልጀሪያ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ናይታ ሃገር ህዝቢ ሓዲጐም ካብ ምውጻእ ሓጐስን ሓዘንን ምስ ህዝቢ እታ ሃገር ተኻፊልካ ምንባር ዝመረጹ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ኵላዊ ፍቕሪ ናይ ደም ሰማዕትነት ክሳብ ምቕባል ዝደረዀም ዕለት 7 ግንቦት 2000 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሰዩም ናይ 20 ክፍለ ዘመን ዝኽሪ ሰማዕታት ኣብ ዝተኻየደ መደብ ካብ ዝተዘከሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ስዒቡ ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ብፅዕና ንኽእወጀሎም ዘድሊ መጽናዕትን ምርምርን ክግበርን ብፁዓን ዘብሎም መሰረተ ሓሳብ ዘቕርብ ከይዲ ይበግስ ክትብል ከምዝፈቐደት ዝዝከር ከይኑ፡ እዚ ተፈጺሙ እነሆ ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩ ኣብታ ሰማዕትነት ዝተቀብሉላ ሃገረ ኣልጀሪያ ንር.ሊጳ. ወኪሎም ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም 19 ሰማእታት ኣልጀሪያ ዘኪሮም፡ ብሓባር ሕውነትን ምትሕብባርን ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ንትጋህ ኢሎም ብሩኽ በዓለ ቅድስተ ንጽሕት ድንግል ማርያም ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

08 December 2018, 15:37