ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ኣብ ቲቪ 2000 ቃለ ኣስተንትኖ ዛዕባ ሰላም ለኪ ጸሎት

ብዛዕባ እቲ ኣብ ከይዲ ሕይወት ጭቡጥ ዝዀነ ናይ ፍጥረት ተመክሮ ሞት ከም መደምደምታ ምሕሳብ ንቡር እዩ፡ ሰብ ከምዝመውት ዝፈልጥ እውን እንተዀነ ብዛዕባ ሞት ግና ኣይሓስብን፡ እዚ ኸኣ መሕልም ወይ ከኣ ገዛእ ርእኻ ምጥባር እዩ ዝኸውን፡

“ሓጢኣት ሙሟት ናይ ዘይምድላይ ጥብረት ወይ መሕላም እዩ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ. ኣብ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞም ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ 2000 እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣቢሎም ኣብ ከተማ ፓዶቫ ናይ ዝርከብ ቤት ማእሰርት ቤተ ጸሎት ቆሞስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ወትሩ ሰሉስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 09.05 ዘቕርብዎ መኣስተንትኖ ብምቕጻል ዕለት 4 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም  ብፍላይ ኣብቲ፥ ሕጅን ኣብ ግዜ ሞትናን ኣብ ዝብል ኣብ ጸሎት መቑጸርያ ዝጠቓለል ልመና ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ሻምናይ ፍጻሜ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ቅዱነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣሞርኵይዘን ሓሳብ ከቕርባን ብዛዕባኡ ካብ ተመክሮኤን ተበጊሰን ብቓለ መሕትታዊ ርእይቶኤን ክህባ ለቲዚያ ሞራቲን ሶፊያ ካንቲሳኒን ታሊታ ፓውላ ለይተ ከምእተሳተፋ ተገሉጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ሻምናይ ፍጻሜ፥ ዲያብሎስን ሄዋንን ሞትን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከይዲ ሕይወት ጭቡጥ ዝዀነ ናይ ፍጥረት ተመክሮ ሞት ከም መደምደምታ ምሕሳብ ንቡር እዩ፡ ሰብ ከምዝመውት ዝፈልጥ እውን እንተዀነ ብዛዕባ ሞት ግና ኣይሓስብን፡ እዚ ኸኣ መሕልም ወይ ከኣ ገዛእ ርእኻ ምጥባር እዩ ዝኸውን፡ ጸሎት ሰላም ለኪ፡ በቲ ዓቢይ ናይ ምድሓን ታሪኽ ይብገስን እቲ ናይ ሓጢኣት ፍረ ዝዀነ ኣብ ሓቅነት ሰብኣዊ ኩነት ይድምደም።

ሰላም

ኣብ ግዜ ሞትና ይብሉ ቅዱ ኣቦና፡  ማርማይ ኣብ ጐድናን ክትከውንን ሰላም ክትህበና ንልምን፡ ሓደ እዋን ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ብዛዕባ ሞት ምስትንታን ልሙድ እዩ ዝነበረ፡ እዚ ኸኣ ንሞት ጋሻ ንዘይምዃን ኣነብብራ ንምድጋፍ ተባሂሉ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ምሕረት ዝልመነሉ ኩነት እውን እዩ፡ ኣብ ጊዜ ሞተይ ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ ምዃኑ ገሊጾም። ኦ  መሓሪ ኢየሱስ ተሳሃለነ፡ ዝብል ጸሎት ልሙድ እዩ ዝነበረ፡ እዚ ጸሎት’ዚ ከኣ ብሓቂ ጭቡጥ እዩ።

መንእሰያትን በናንያዊ (ጋዛዊ) ባህልን

ቅዱስነቶም ንመንእሰያት እናሓሰቡን ነቲ ናይ መንእሰያት ዕለታዊ ተመክሮ ዝኸውን ዘሎ ኵነት ብሕታውነት ኩነት እናሓሰቡ፡ በቲ ናይ እዋንና ባህልን ውጥናትናን መንእሰያት ካብቲ እናስር ክቡቆሱ ገይርና ኢና፡ ኣብ ዘይጭቡጥ ባህሊ ክነብሩ ደሪኽናዮምን ኣብ ፈሰሲ (ተቐያያሪ ኣልቦ ስርወ መሰረት) ባህሊ ክነብሩ ተገዲዶም ይርከቡ፡ ዳርጋ በናንያዊነት ክነብሩ ተገይሮም እዮም። ብዘይ ስርወ መበቆል ክተርፉ ተገዲዶም ኣለዉ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ስልጣኔና ተሓታትነት ኣለዎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰያት ስርወ መሰረት የድልዮም እዩ፡ ማርያም ፍጺማ ስርወ መሰረታ ኣየጥፈእትን።

ፍትሒ

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለግስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፡ ኣስዒቦም፡ ብዛዕባ እቲ ንድሕነት በራትካ ምዕጻው ዝብል ርእሰ-ቅትለ ጠቒሶም፡ እዚ ዘይመፍትሒ ዝዀነ መፍትሒ፡ ኣብ ርእሰ ቅትለት ምሉእ ነጻነት ከምዘየለ ብገዛእ ርእሱ የረጋግጾ፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ፡ ንሞት፡ ሓብተይ ክብል ይሰምያ፡ ሞት ከም ግብረ ናይ ፍጻሜ ፍትሒ ገይረ ክሓስቦ እየ ዝደልይ፡ ሓጢኣት ሞት የኽፍል፡ ይዅን ደኣ እምበር ናብ ድሕነት ማዕጾ የርውህ፡ ምስ ሞት ምንባር ባህለይ ኣይኰነን፡ ይዅን ደኣ እምበ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ነናቱ ባህሊ ኣለዎ፡ ሞት ከም ናብ ድሕነት ዝወስድ ናይ ፍትሒ በሪ ምሓሳብ የድሊ ኢሎም።

04 December 2018, 17:33