ድለ

ስብከታት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ 2018 ዓ.ም. ስብከታት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ 2018 ዓ.ም.  

ስብከታት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴታት

ኣብ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ እዋን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝለገስዎ ስብከታት ንህልው ኩነታት ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ግምት ዝሃበን ስነ ፍጻሜን ምስ ኢየሱስ ፊት ንፊት ንምርኻብ መዓልቲ ትጽቢትን ኩሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ኰይኑ፡ ነዚ ናይ ኢየሱስ ወግዓዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ቢሎም ኣብ ዝገልጽዎ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 መስረት ዝትንትንዎ እዩ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝክርበ ቤተ ጸሎት 89 መስዋዕተ ቅዳሴታት ከምዘዕረጉን ስብከታቶም ምስ ህያው ኢየሱስን ብምርኻብን ንኣኡ ዘሎና ፍቕሪ ምእንቲ ካልኦት ብጭቡጥ ምንባርን ዝግለጽ ይኹን ኣብ ዝብል ፍቕሪ ንኢየሱን ፍቕሪ ንብጻይን ዘይፈላለይ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እውነተይና እምነት ክርስትና ምንባር ዘተኰረ ምንባሩ ይፍለጥ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ወትሩ ንጐሆ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሕመረት እምነት ክርስትና ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዝተንተኑን፡ ኣብዚ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ 89 መስዋዕተ ቅዳሴታት ኣብ ዝለገስዎ ስብከታት፥ ቃል ብስራት ክርስትና “ኢየሱስ የፍቅረካ እዩ፡ ስሌኻን ስለ ዅሉን ሕይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ፡ ሎሚ ብርሃን ንኽዕድለካን ናጻ ንኸጽኣካን ዕለት ብዕለት ኣብ ሕይወትካን ኣብ ጐድንኻ ህያው እዩ፡ (ናይ ወንጌል ሓሴት፡ ፍቕዲ. 164)። ቅዱስነቶም ልቢ ክርስቲያንን ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘወዓውዕን ዘበራብርን ቃል ብሕያውን ተራን ምልኣተ ሕብሪ ብዘለዎ ኣገላልጻን ገለ ገለ እዋን እውን ንዝተታኸሰ ሕልና ንምብርባር ብሱል ሕይወት ክርስትና ንኽንበር ይምዕዱ፡ ስብከታቶም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ፥ ሰለስተ ረቛሕታት ዘጠቓልሉ እያቶም፡ እቲ ቅዳማይ ፍካሬ፡ እቲ ካልኣይ ስምዒትን እቲ ሳልሳይ ከኣ ተምሳል ዝብል እዩ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ገለ ገለ እዋን ትርር ዝበለ ገናሒ ቃል እውን እንተመሰለ ተስፋ ንምቕራብን ንምግላጽን ዝሓቀነ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ትኽስታን ትህኪትን ንኽበራብርን ነቲ ንፍቕሩን ንምድሓኑን ዕጽው ዝዀነ ሕልና ንኸበራብር ዝጥቀመሉ ከም ዝነበረ ቅኑዕን ግቡእን ቃል ዓይነት ኣጠቓቕማ እዩ።

ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣብ ፍቕሪ እዩ

ኣብ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ እዋን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝለገስዎ ስብከታት ንህልው ኩነታት ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ግምት ዝሃበን ስነ ፍጻሜን ምስ ኢየሱስ ፊት ንፊት ንምርኻብ መዓልቲ ትጽቢትን ኩሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ኰይኑ፡ ነዚ ናይ ኢየሱስ ወግዓዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ቢሎም ኣብ ዝገልጽዎ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 መስረት ዝትንትንዎ እዩ፡ ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ፡ ጸሚኤ ኣስቴኹምኒ፡ ገይሸ ተቐበልኩምኒ፡ ዓሪቐ ከደንኩምኒ፡ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፡ ተኣሲረ መጻእኩምኒ፡ …” ኣብ ፍጻሜን መደምደምታ ሕይወትና ዝወሃበና ፍርዲ ኣብ ጭቡጥ ፍቕሪ ዝጸንዔ እዩ፡ እቲ ንኢየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ምድራዊ ሕይወትና ብኸመይ ብጭቡጥ ከምዝነበርናዮ ዝብል ንባብ ፍርዲ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ኣብ ፍጻሜ ዝቕርበልና ሕቶ ፍሉጥ እዩ።

ክርስቲያን ከም ኢየሱስ ምእንቲ ካልኦት ገዛእ ርእሶም በጃ ዝዀኑ ማለት እያቶም

ንኣብነት ዕለት 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝትንትን ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣሞርኵይዞም፡ ሓደ ናይ ሕጊ መምህር ንኢየሱ መን እዩ ብጻየይ ክብል ዘቕርበሉ ሕቶ ጠቒሶም፡ እዚ ሕቶ እዚ መሓንኰልን ገዛእ ርእስኻ ንምምጽዳቕን ንምምኽናይን ዝቐርብ እዩ፡ ጐይታ ብዛዕባ እቲ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያርኰ ዝኸይድ ዝነበረ ብኸተርቲ ዝደመየ ሰብ ይዛረብ፡ እቶም ከተርቲ ነቲ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያርኰ ዝኸይድ ንዝነበረ ሰብኣይ ኣድሚዮም ኣብድነ ሞት ገደፍዎ፡ ተልእኾኡ ዝዘንግዔ ካህን፡ ቅዳሴ ንኽቅድስ ሰዓት ስለ ዝኣኸሎ ኣብታ ሰዓቱ ዝኣኸለትሉ ጥርሕ እናሓሰበ ጐስይዎ ይሓልፍ፡ እቲ ሌዋዊ ናይ ሕጊ መምህርን ሊቕን ምሁርን እውን ልክዕ ከምቲ ካህን። ንኣይ ኣይምልክተንን ምባል፡ እቲ ሳምራዊ ሓጢኣተይና ብሕዝቢ እስራኤል ዝተዀነነ እቲ ኣዚዩ ሓጥኣን ተባሂሉ ዝንገረሉ ግና ደንገጸሉ፡ እዚ ሳምራዊ’ዚ ምናልባት ነጋዳይ ዝነበረ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ናብ ውራይ ንግዱ እናኸደ እንከሎ፡ ኵሉ ሓዲጉ ደው ይብል ኣሞ ኣብ ምድጋፉ እቲ ዝተጐድአ ሰብ ይጽመድ። ኣብ መገዲ ወዲቝን ቆሲሉን እንርእዮ ሰብ ብጥቓኡ ክንሓልፍ፡ ክጽልየሉ እየ፡ ምድጋፉን ካብቲ ዝወደቖ ሓፍ ምባል ግና ንኣይ ዝምልከት ኣይኰነን ዝብልን እንተተንከፎ ሕጊ ስለ ዘረክስ ርሒቑ ዝሓልፍ ኣይኰነ፡ እቲ ሳምራውን ወጻእይተይና ገዛእ ርእሱ እውን ሓጢኣተይና እየ ዝብል፥

ሰዓቱ ኣይረኣየን ነቲ ብደም ዝጨቀወ ርእዩ ደም እውን ኣየፍረሖን፡ ቀረባኡ ኰይኑ፡ ነቑሳሉ ዘይትን ወይንን ኣፍሲሱ ስቓዩ ዝግ ክብል ገይሩ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጠሖ ናብ መዕርፎ ኣጋይሽ ድማ ወሰዶ፡ ኣብቲ ቤት ኣጋይሽ ሓዲግዎ በሉ ሓኻይም ጸውዕሉ ኣነ ዝግብኣኒ ገይረ እየ ቢሉ ናብ ጉዳይ ኣይከደን፡ ተኸናኸንዎ እሞ ኣብ ምምላሰይ ዘጥፋእክምዎ ኵሉ ክኸፍለኩም እየ ይብል፡ እወ ኣነ እየ ዋናኻ ንክገዝኣካ ዘይኰነስ ንኸገልግለካ ዝብል እዩ፡ ንኽገልግሎ ቢሉ ናቱ ዝገበሮ፡ ሰራሕተይናን ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከቶ ኣካል ኣይነበረን፡ ተራ ሰብ፡ ክፉት ልቢ ዝነበሮ ሰብ እዩ ነሩ እንክብሉ ናይ ዕለቱ ወንጌል በዚ ሓሳብ እዚ ይጸምርዎ፡ ከም ኢየሱስ ምእንቲ ካልኦት ብጃ ምሕላፍ።

ሓጥኣንን ምግባረ ብልሽዋትን

ኢየሱስ ብዘይ ድሕር ምባል ብዛዕባ እቶም ምስሉያትን ፈሪሳውያን ጸሓፍትን ሰዱቓውያንን ገዛእ ርእሶም ቅኑዓትን ብሉጻትን ገይሮም ዝሓስቡ ፈላጣት ሕጊ፡ ንኻልኦት ዝፈርዱን ሓንቲ ኣጻብዕቲ ኢዶም እውን ወስ ዘየበሉ ከበድ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝባን ካልኦት ዘንብሩን፡ ብጀካ ሕግን ስርዓትን ምፍጻም ብዛዕባ ካልኦት ዘይግደሱ፡ ምስሉያት በዓል ምንትው ሕይወት፡ ምግባረ ብልሽዋት እንክብሉ ይገልጽዎም፡ ምልዋጥ ኣየድልየንን ዝብሉ፡ ክርስቲያን ግና ሓጢኣተይና ምዃኑ ዝፈልጥን ዝኣምንን ንኸምስል ቢሉ ዘይኰነ ምልዋጥን ምሕረት እግዚኣብሔርን ዝብልን ዝኣምንን እዩ፡ እዚ ምእማን’ዚ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ንኻልኦት መሓሪ ኰይኑ ክርከብ ይድርዀ።

ወንጌል ዕንቅፋት እዩ

ኢየሱስ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር ጐይታይ ጐይታይ ዝብለኪ ኵሉ ናብ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው ኣይኰነ  ይብል፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነዚ መሰረት ገይሮም፡ ናይ ኣፍ ክርስቲያን ዘይኰኑስ ብግብሪ ክርስቲያን ንዅን ይብሉ፡ ተኸዋዊሉ ዝነብር ክርስቲያን ዘይምዃን፡ ድኻ ክፍሊ ሕብረተስብ ኣብ ልዕሊ ሕይወትና ንሕቶ ዘቕርብ ብምዃኑ ይህውኸና እዩ፡ ሕሙም ከኣ ሕማሙ ከላግበልና እዩ ቢልና ንርሕቖ፡ ንፈርሖ፡ እቲ ዝተኣሰረ ከኣ እንተበጻሕናዮ ተሓባበርቱ ከብለና እዩ ቢልና ንበይኑ ንሓድጐ፡ ብኢጐነትና ባዕልና ብእነቑሞም ርእየተ ዓለማዊ ኣገባባትና ዝተጸምቆ ወንጌል ዝነብሩ ንኸው፡ ኣብ ምሽእነት ዘንብረና ኵነት፡ እወ ወንጌል ንገዛእ ርእሱ ዕንቀፋት እዩ ንሕይወትናን ንምሻኤናን ኣብ ቅልውላው ዘእቱን ኣንነትና ናብ ንሱነቱ ዘሰጋግር እዩ፡ ኣነ ምባል ሓዲግና በጃኻ ንኽንብል ይድርኸና ይብሉ።

ካብ ናይ ዓለም ኣመክንዮ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ስነ መጐት

ኣይ ውዑን ኣይ ዝሑል ዝዀነ ለበጥ ዝበለ ክርስትና ምንባር ቀሊል እዩ፡ ናይ ዓለም ዝዀነ ክርስቲያን ኰይንካ ዝንበር ክርስትና፡ ብሓቂ ዘፍርሕ እዩ እሞ ፍቑራተይ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ንገይታይ ነቲ ስቑል ኢየሱስ ብምጥማት ዝንበር ሕይወት መሃረኒ ቢልና ብትብዓት ኣብ ጸሎት ንሕተቶ፡ ኣብ ኢየሱስን ኣብ ኣሕዋትን ስኑያት ንዅን፡ መጋበርያ ስኒት እምበር ከም ዲያሎስን ጐይታ ሓሶት ዝዀነ ፍጥረት ዝገማምዑ ኣይንዅን፡ ናይ ዲያብሎስ ጸዋዕታ ስራሕ እግዚኣብሔር ምፍራስ እዩ፡ ካብዚ ዓቢይ ከሳሲና’ዚ ክንጥንቀቕ ከምዝግብኣና የተሓሳስቡ።

ፍቕሪ ኢየሱስ ዝሓዞም

ኣብ ናይ እምነት ጉዕዞና ከይንጋገይ መፍትሕ ዝዀነና፡ ብፍቕሪ ኢየሱስ ዝተተሓዘ ህይወት ምንባር  እዩ፡ ናቱ ፍቕሪ ዝሓዘና ምስ እንኸውን፡ ንሱ ግተግባራትና ከቕንዕ እዩ፡ ኣስተንታኒ ምዃንና ገባሬነትናን ምዙን ይገብር፡ ከምቲ ቅዱስ በነዲክቶስ ዝብሎ፡ ጸሎትን ዕዮን፡ ምስ ኢየሱስ ምዃን ካብ ገባሬነት ተኣሊኻ ምንባር ማለት ኣይኰነን፡ ብሓቂ ምስ ኢየሱስ ምዃን ፍቕሪ ብጭቡጥ ንኽትነብር ዝድርኽ እዩ። እውነተይና ሰቂለ ሕሊናነትን ሓደ’ኳ ዘይምግባር ጣዕሚ ማለት ኣይኰነን፡ ንኢየሱስ ምስትንታን ልብኻን ተግባራትካን ብኣኡ ትንኩፍ ምግባር ማለት እዩ።

ዕለታዊ ምርኻብ ናይ ፍጻሜ ምርኻብ ተስፋ ዘለዎ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ 2018 ዓ.ም. ስብከታቶም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎም መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ብዙሕ እዋን፡ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እንክዛረቡ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብዛ ሎማዊት ሕይወትና ነቲ ፍጻኤ ምርኻብ ተስፋ ብምንባር  ሕጉሳት ኰይንና ክንነብር የብቅዓና፡ ተስፋ ጭቡጥ እዩ፡ ዕለታዊ ምርኻብ እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ምስ ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ኣብ ጸሎትን ኣብ ወንጌልን ኣብ ድኻታትን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ርክብ ጭቡጥ ኣብ ምግባር ኣብ እንፍትነሉ እዋን ናብቲ ፍጹም ርክብ ነብል፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ነኣሽቱ ነገራት ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻብ ታሕጓስ ናብቲ ፍጹም ምርኻብ ዘሰናድወና ተስፋ እዩ። ኣብ ዝብል ሓሳብ ነቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎም መስዋዕተ ቅዳሴታት ዝለገስዎም ስብከታትን ኣስተንትኖታን ይጽመር።

ስብከታት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ 2018 ዓ.ም.
31 December 2018, 17:43