ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ንምግላጽ ናብ በነዲክቶስ መበል 16 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ንምግላጽ ናብ በነዲክቶስ መበል 16 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ንምግላጽ ናብ በነዲክቶስ መበል 16

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ በቢ ዓመቱ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ናብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ንቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘቕርቡሎም ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ንምግላጽ ምብጻሕ ኣካይዶምን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሽዱሽተን ርብዕን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ንቅዱስነቶልም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ከምዝገለጹሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ በቢ ዓመቱ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ናብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ንቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘቕርቡሎም ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ንምግላጽ ምብጻሕ ኣካይዶምን ከምእተራኸቡን ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዋዜማ ኣዋጅ ቅድስን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮምሮን ካልኦት ሓሙሽተ ብፁዓንን ምኽንያት ኣብ እመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም ከምዝነበሩን ጠቒሱ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቀዳማይ ርክቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓረዩላ ዕለት ብ 14 ብፁዓን ካርዲናላት ተሰንዮም ኣብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎትን ዘካየድሉ ምብጻሕን ግላዊ ርክብን ከምዝነበረ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ንምግላጽ ናብ በነዲክቶስ መበል 16
22 December 2018, 16:22