ድለ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ኮንተ

ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዘፐ ኮንተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10 ብናይ ኢጣሊያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ፒየትሮ ሰባስቲያኒ ተሰንዮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ ሓዋርያዊ መበሮም ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ተሓቢሩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዘፐ ኰንተ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘረቡን፡ ኣብ ፍጻሜ እቲ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከምእተካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 15 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዘፐ ኮንተ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10 ብናይ ኢጣሊያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ፒየትሮ ሰባስቲያኒ ተሰንዮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ ሓዋርያዊ መበሮም ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎምን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ፡ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዜፐ ኮንተ ንቕዱስነቶም ብኢጣሊያው ናይ ስነ ጽሑፍን ድርሰትን ግጥምን ሊቅ ዳንተ ኣሊጊየሪ መልኮታዊ ትረኻ ዘርእስቱ ውሩይን ዓቢይን መጽሓፍ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎምን ቅዱስነቶም እውን ብተራኦም እታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶምን ናይ ሰላም ትእምርቲ ዝዀነ ብሓንቲ ንእሽተይ እንጨይቲ ኣውሊዕ ዝተራኸቡ ክልተ ኣእማን ምስሊ ዝተነብሮ ስልማታዊ ቅርጺ ከም ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ገሊጹ፡ ጁዜፐ ኮንተ ካብ ቅዱስነቶም ቅድሚ ምስንባቶም እዋኑ ናብ በዓለ ልደት እንሰጋገረሉ ብምዃኑ ጠቒሶም ብዓንተውኡ ንቕዱስነቶም ናይ ብሩኽ በዓለ ልደት ምንዮቶም ክምዝገለጹሎም ኣፍሊጡ

15 December 2018, 16:43