ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 26 ታሓሳስ 2018 ዓ.ም. ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

እስጢፋኖስ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ መንእሰይ ቀዳሜ ሰማዕት ክኸውን እንከሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ዘንበረን ንኣሳደድቱን ቀተልቱን ምሕረትን ይቕረታን ዝበለ፡ ንሱ እውን ነኣኡ መሲሉ ዝነበረ እዩ፡ ንኣና ምምሓር ክንመህር እንጽወዓላ ዕለት እያ።

ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ በዓለ ልደት ዕለት 26 ታሕሳስ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ከምእተብዕል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ቅዱስ እስጢፋኖስ ናይ መልኰታዊ መምህር ኣሰር ካብ ዝሰዓቡ ቀዳማይ ሰማዕት እዩ፡ ከም ኢየሱስ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ኣማዕቍይቡ ኣሳደድቱን ቀተልቱን ይቕረ ዝበለ ሰማእት እዩ ዝብል ቃለ ኣስተንትኖ ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ታሪኽ ልደት ኢየሱስን ሰማዕትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣቀራሪብካን ኣመሳሲልካን ምምልካት ተገራጫዊ ከምዘይኰነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓቢሮም፡ ቅዱስ እስጢፋኖስ ይብሉ፥ ናይ መለኰታዊ መምህር ኣሰር ብሰማዕትነት ካብ ዝተኸተሉ ቀዳማይ እዩ፡ ብቓልን ሕይወትን ኢየሱስ ምምሳል ዝነበረ ቀዳሜ ሰማዕት እዩ ኢሎም።

ንኣና ዕድመ

ናይ እስጢፋኖስ ተግባር ንነፍሲ ወከፍና፥ ሕይወት ዝዕቅቦ ኣሉታውን እወታውን ኩነት ኩሉ ብእምነት ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ሕይወት ብምእንጋድ ንኽንነብሮ ዝዕድም እዩ፡

እምንቶ ኣብ እግዚኣብሔር ምንባር ሕይወት ምስ ዕለታዊ ድኻሙ ኣብ እምነት እንዓብየሉ ምስ ኣሕዋት ሓድሽ ዓይነት ርክብ እንሓንጸሉ ኵነት ገይርና ከንነብሮ ይድግፈና፡ እዚ ማለት ከኣ ገዛእ ርእስና ኣብ ኢድ እቲ ብለውሃትን ምሕረትን ንደቍ ሃብታም ዝዀነ እግዚኣብሔር ምሕዳግ ማለት እዩ።

ናይ እስጢፋኖስ ክልተ ተግባራት

እስጢፋኖስ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ መንእሰይ ቀዳሜ ሰማዕት ክኸውን እንከሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ዘንበረን ንኣሳደድቱን ቀተልቱን ምሕረትን ይቕረታን ዝበለ፡ ንሱ እውን ነኣኡ መሲሉ ዝነበረ እዩ፡ ንኣና ምምሓር ክንመህር እንጽወዓላ ዕለት እያ።

ቀዳሜ ሰማዕት እስጢፋኖስ፥ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ኣብ ቁምስናታትን ኣብ ማሕበራትን ኩሉ ክህልወና ዘለዎ ሓድ ሕዳዊ ርክብ ከመይ ክኸውን መገዲ ይሕብረና፡ ናይ ይቕረ ምባልን ምሕረትን ስነ መጐት ወትሩ ሰዓርን ሓድሽ ናይ ተስፋ ደረት ተመክሮ የርህው፡ ይዅን ደኣ እምበር ምሕረትን ይቕረ ምባልን ዝዅስኰስ በቲ ጥማቴና ኣብ ኢየሱስ ንኸነንብር ብዘብቅዓና ጸሎት እዩ።

ናይ ጸሎት ሓይሊ

እስጢፋኖስ ይቕረ ክብልን ምሕረት ክገብርን ዘኽኣሎ ቅዱስ ሓይሊ ካብ ጸሎት ከምዝረኸቦ ቅዱስ ኣቦና ብኣጽንዖት ሓቢሮም፡ ጸሎት፡ ሰማዕትነት ክንገጥምን ድኻምነትና ዝፍውስ ሓይሊ እዩ።

ኣባና ፍርሕን ድኻምን ዘንእሰና ዘበለ ነገራት ኵሉ ዝፍውስ ሓይሊ ኣባና መታን ክውሕዝ ብጽንዓትን ብዘይ ምቍራጽን መንፈስ ቅዱስ ንጸልይ፡

ቢሎም ምስምቶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ዝተረኽቡ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ብሓባር መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥

ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ነጋድያንን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ሓዲሶም፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ማርያምን ዮሴፍን ዘሎ ሕጻን ኢየሱስ ምስትንታን ኣባና ናይ ሕውነት ኣብ ስድራ ቤትን ማሕበረሰብ ብምትሕልላይ ምንባር ዝብል ድላይን ተግባርን የነቓቕሕ ቢሎም፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቶም ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ንዘመሓላለፉሎም ኵሎም እንከመስግኑ፥

ኣብዘን መዓልታት ካብ ሮማን ካብ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለምን ስለ ዝበጽሓኒ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ አመስግን፡ ንኹሉ ሓደ ብሓደ ምምላስ ከቢድ እዩ እሞ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንዅሉ ከመስግን እፈቱ፡ ብፍላይ ከኣ ስለ እቲ ምእንታይ እተዕርግዎ ጸሎትኵም!

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

26 December 2018, 14:45