ድለ

ሓደጋታት ንምክልኻል ትምህርትን ኲስኰሳን ወሳኒ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሓደጋ ንምክልኻል ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝነጥፉ ብፕሮተስዮነ ቺቪለ ዝፍለጥ ተቊዋም ሠራሕተኛታት ሎሚ ንግሆ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ትምህርትን ኲስኰሳን ንቅሓትን ሓደጋ ንምክልኻል ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ በቲ ዘበርክትዎ ሓገዝ ድሕሪ ኣመስጊኖም ነቶም ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝተፈላለየ ሓደጋታት ዝተጐድኡ ዘኪሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ’ዛ ጽብቕቲ ኣጋጣሚ እዚ’ኣ በዓለ ልደት ብምቅራቡ ኣብ እንሕጐሰሉ ሓሳባትናን ጸሎትናን ኣብቶም ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ናይ ዝተፈላለየ ሓደጋታት ግዳይ ዝኾኑ ኮይኑ ነቶም ኣብ ኩሉ ሓደጋደታት ደበኽ እናበሉ ሕይወት ንምድሓን ዝቃለሱ ምናዳ ኸኣ ሕይወት ንከድሕኑ ከም’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሕይወቶም ዝኸፈሉ ሠራሕተኛታት እዚ ተቊዋም`ዚ እውን ብፍሉይ ንዝክሮም ኢሎም።

ወሃብቲ ሓገዝን ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባትን ብሓባር!

ንቅዱስነቶም ክረኽቡን ቃለ ምዕዳኖምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ንክቕበሉ ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተረኽቡ ኩሉ ኩሎም 6000 እንኽኾኑ ንሓደጋ ንምክልኻል ዝሠርሑ ሠራሕተኛታትን በቶም ሠራሕተኛታ ብዝተገብሮም ረድኤት ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባትን ነበሩ። እዞም ሠራሕተኛታት ንብሎም ኩሎም ወለንተኛታት ኮይኖም ምስ ማሕበረሰብ ሳይንስን መጥፋእቲ ሓውን ሓይልታት ፖሊስን ሠራዊትን ክልላውን ዞባውን መንግስታውን ናይ ኣገልግሎት ተቊዋማት ብምትሕብባር እዮም ዘገልግሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብዜናታት ከምዝጋዋሕ ብባህርያዊ ሓደጋስ ይኹን ብሰብ ሰርሖ ሓደጋ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ኣብ ሃገረ ጣልያን ብዙሕ ሓደጋታት እንከጋጥም ብዙሓት እንክሞቱ ብዙሓት ከኣ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ተሪፎም ብሓገዝ ናይ’ዚ ተቊዋም ገና ኣብ ጽጉም ናብራ ከምዘለው ይግለጽ። ምናዳ ሥድራቤታት ዝነበሮም ገዛን ንብረትን ምሉእ ብምሉኡ ዝዓነወ ሽማግለታትን በይኖም ዝነብሩ ብዙሓት ድኻታትን እውን ብዙሕ ከቢድ ናብራ ከምዘሕልፉ ይምልከት። ምስኣቶም ናይ ኢጣልያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልትየሪ ባሰቲ ብምንባሮም ኣብ ኖርቻ ዝበሃል ክፍሊ ጣልያን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ምስ ሕዝቢ ንዘጋጠሞም ጭንቂ ኣዘኪሮም።

ብዝተፈላለዩ ኣባላት ዝቆመ ሕዝባዊ ምድግጋፍ!

ናይ’ዚ ብፕሮተስዮነ ቺቪለ ዝፍለጥ ተቊዋም ሃገራዊ ክፍሊ ሓላፊ ኣቶ ኣንጀሎ ቦረሊ ክንዲ ኩሎም ኮይኖም ኣብ’ቲ መድረኽ ንቅዱስነቶም ብምቅባልን ሰላምታ ብምቅራብን ሓጐስ ኩሎም ምስ ገለጹ ብስም ኩሎም ሓንቲ ተንቀሳቃሲት ኣምብላንሳ ናይ ግዜ ሓደጋ ናብ ዝደለይዎ ጽጉም ሃገር ክልእኽዎ ኣወፍዮም።

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ሓደጋ ምክልኻል ተቊዋም እንክገልጽዎ ‘ናይ ነፍሲወከፍ ግለሰብን ናይ ኩሎም ብሓባርን ውሕስነት ንምሕላው ዝግበር ሕዝባዊ ደገፍ ኮይኑ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቆመ እዩ’ እዚ ከኣ ከም ንበዓል ሃገረ ጣልያን ዝኣመሰለ ብብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ዝቆመን ብዙሕ ተኣፋፊ ነገራት ንዘለዋ ሃገር ኣድላዪ እዩ። ክስዕቡ ንዝኽእሉ ኩሉ ሓደጋታት ተሰናዲኻ ጸኒሕካ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ናይ ሓገዝ ንምሃብ ወትሩ ተኲርካ ምጽባይ እንከድሊ ብከባቢያዊ ለውጢ ዝስዕቡ ኣውሎ ንፋሳትን ምዕልቅላቅ ማይን ፍሉይ ከባብያዊ ሓለዋ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

በዚ ከምዚኸስ ናይ ሃገረ ጣልያን ምክልኻል ሓደጋ ንሕይወት ደቂሰባት ምክልኻልን ንመሬቱ ምሕላይን ንተቍዋማቱ ምክንኻንን ኣብ ግዜ ሓደጋ ጥራይ ዘይኮነ ሓደጋ ቅድሚ ምምጻኡ ዘድሊ ምስንዳእ ብምግባር ድሕሪ ሓደጋ ኸኣ ነገራት ኣብ ንቡር ኩነታቶም ንክምለሱ ክጽዕር ኣለዎ። ሽሕ’ካ ናይ ኩሎም ሓላፍነት እንተኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ብዘይመጠን ብዝተሓላለኸ መንገዲ ካብ’ቲ ዝገመትካዮ ንላዕሊ ግዜን ሓይልን ስለዝሓትት ወትሩ ስንድዋት ክትኮኑ ኣሎኩም ኢሎም።

ጉዳይ ምክንኻን ኣከባቢ ብሓደ ወገን ጥራይ ክሕሎ ዘለዎ ዘይኮነስ ዓለም ምሉእ ኣቃልቦኡ ክገብረሉ ዘሎ ስለዝኾነ ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ዓውለማዊ ኣመለኻኽታ ናይ’ቲ ዘሎኻዮ ከባቢ ከምዘድሊ እውን ኣይሓብኡን።

ካብዚ ሕጂ ዘሎና ፍልይ ዝበለ ጠመተ ከድልየና እዩ እዚ ከኣ ብደረጃ ሥነ ሓሳብስ ይኹን ፖሎቲካ ብመንገዲ ኲስኰሳን ትምህርትንስ ይኹን መነባብሮ ወላውን ኣብቲ መንፈሳዊ ሕይወትና ከይተረፈ ፍልይ ዝበለ ጠመተ ከድየና እዩ። ንዘጋጠመካ ጸገም ተክኒካዊ ፍታሕ ጥራሕ ምድላይ ካብቲ ከቢቡካ ዘሎን ምሳኡ እትተኣሳሰሮን ነገራት ምንጻልን ነቲ ሓቀኛን ዓሚቚን ጸገማት ናይ ዓለምና ምሕባእ እዩ እንክብሉ ንኩሎም ዜጋታት ምንቃሕን ምምሃርን ምዂስኳስን ኣድላዩ ከምዝኾነ ገሊጾም።  

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
22 December 2018, 19:16