ድለ

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና Urbi et Orbi - ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዊ ቡራኬ

ቤተ ልሔም ንኣና እንታይ ይብለናን፡ ካብ ማርያም ምእንታና ተወልደ ይብለና ዶ? እንታይ እዩ እቲ ኵላዊ መልእኽቲ ልደት ዘእግዚእነ? እወ እግዚኣብሔር ሕያዋይ ኣቦን ኵላትና ድማ ደቃቱ ምዃንና ይነግረና።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቀዳሜ ዲያቆን ብፁዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ተሰንዮም ብምኽንያት በዓለ ልደት ፍርቂ መዓልቲ Urbi et Orbi - ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዊ መልእኽትን  ቡራኬን ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንኣኹም ምእመናን ሮማውያን ንኣኹን ነጋድያን ንዅላትኩም ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብዚ ንዝሓበርኩም ኣብ መላእ ዓለም ንእትርከቡ እቲ ዘሕጉስ ናይ ቤተ ልሔም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ እቶም እግዚኣብሔር ዘፍቅሮም (ሉቃስ, 2፡14) ዝብል ቃል አበስረኩም

ኣብ ቅድሚ እቲ እግዚኣብሔር ብጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ (ሉቃስ, 2፡14) ንምርኣይ ከምዝበቕእዑ ጓሶት ናብታ በዓቲ ኣእጋርና ነቕንዕ ኣብ ቅድሚ እቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ምልክታ ንደነቕ፡ ብጽሞና ተንበርኪኽና ውዳሴን ምስጋናን ንበሎ።

ቤተ ልሔም ንኣና እንታይ ይብለናን፡ ካብ ማርያም ምእንታና ተወልደ ይብለና ዶ? እንታይ እዩ እቲ ኵላዊ መልእኽቲ ልደት ዘእግዚእነ? እወ እግዚኣብሔር ሕያዋይ ኣቦን ኵላትና ድማ ደቃቱ ምዃንና ይነግረና።

እዚ ሓቂ’ዚ ንናይ ክርስቲያን ርእየት ሰብኣውነት መሰረት እዩ። ብዘይ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸገወና ሕውነታውነት ዝበለጸ ዓለም ንምሕናጽ እንገብሮ ጻዕሪ ኩሉ ዝኰላለፍ እስትንፋስ እዩ ዝህልዎ፡ እቶም ብሉጻት ዝበሃሉ ውጥናትና እውን መንፈስ ኣልቦ ቅርጽታት ኰይኖም እዮም ዝተርፉ።

ምእንቲ’ዚ ርሑስ ምንዮተይ በዓለ ልደት ምንዮት ሕውነታውነት እዩ! ሕውነት ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን ባህልን ሰባት ኵሎም፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ግና ናይ ምኽባርን ንኻልእ ጽን ናይ ምባልን ብቕዓት ዘለዎም ሰባትን፡ ሕውነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን፡ ኢየሱስ ነቶም ንእዚኣብሔር ንዝደልዩን ሃረር ንዝብሉን ገጽ እግዚኣብሔር ከርእይን ክገልጽን እዩ ዝመጸ!

ገጽ ኣምላኽ ብጭቡጥ ገጸ ፍጥረት ሰብ ኰይኑ እዩ ዝተገልጸ። ኣብ ሓደ መልኣኽ ዘይኰ ኣብ ሰብ ምዃን ተገልጸ። ኣብ ውሱን ግዜን ውሱን ቦታን ተወልደ፡ በዚ ትስብእቲ’ዚ ኣቢሉ ወልደ እግዚኣብሔር ድሕነት ብፍቕርን እንገዳን ነታ ኵላትና ናይ ዝተፈላለየ ዓሌትታትን ባህልታትን ቋንቋታትን ኣባላት ንኹን እንካፈሎ ድኻ ሰብኣውነትናን፡ ኣብ ሓደ ሰብኣውነት ኣሕዋት ዝዀንና ብምኽባር ድሕነት ብፍቕሪ ምዃኑ ከሕብረና መጸ።

ምእንቲ’ዚ ዘሎና ፍልልያት ሓደጋን ስግኣትን ዘይኰነስ ሃብቲ እዩ፡ ….

ኣሕውት እውን እንተዀንና ንሓድ ሕድና ዝተፈላለና ምዃንና ተመክሮ ስድራ ቤት የስተምህረና፡ …. ይዅን ደኣ እምበር ዘይበርስ ምትእስሳር ከምዘለና ፍቕሪ ወለዲ ክንፋቐር ዝገብረና ምዃኑ ንፈልጥ። ልክዕ ከምኡ እውን ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣብዚ እቲ ወላዲ እግዚኣብሔር ይኸውንን ናይ ሕውነት መሰረትን ሓይልን ባዕሉ ይኸውን።

እዚ በዓለ ልደት እቲ ከም ኣሕዋት ዘራኽበና ኵሉ ዘርኢ ሰብ ዘራኽብ ጥምረት ዳግም ከነስተውዕል የብቅዓና፡ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ዘተ ጐዳና ከበግሱ የኽእሎምን መገዲ ሰላም ብምቕናዕ ነቲ ናይ ፍቕሪ ገጹ ከርእየና ብዝመጸ ጐይታ ዝተሓርየ መሬት ንልዕሊ ሰብዓ ዓመት ዘድምይ ዘሎ ግጭት ከብቅዕ ዝገብር ይዅን።

ሕጻን እየሱስ ነታ ፍቕርትን ኣዚያ ትሳቐይ ንዘላ ኣብ ነዊሕ ግጭት ንእትርከብ ሃገረ ሶሪያ መንፈስ ሕውነትን ክትረክብ ይግበር፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ወጋኒ ጥቕማ ጥቕምታት ኣወጊዱ ሕዝቢ ሶርያ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሃገሮምን መሬቶምን ሓዲጐም ኣብ ፈቖዶ መዕቆቢ ስደተይናታት ፋሕ ንዝበሉ ተመዛበልቲ ናብ ኣባይቶምን ሃገሮምን ተመሊሶም ብሰላም ክነብሩ መታን ቆራጽ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርግጋጽ ክዓዪ ይግበር።

ኣብ የመን ዘሎ ግጭት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ መፍትሒ ክረክብ ዘካየዶ ናይ ሰላም ዘተ ጻዕሪ ብሓቂ እቲ ምፍሳስ ደም ከብቅዕ ዝገብርን ነቲ ብውግእ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝብን ብጥምየትን ስእነት መግብን ንዝሳቐዩ ሕጻናትን ካብቲ ዝወደቕሉ ኸቢድ ኵነት ንኽላቐቑ ዘብቅዕ ይዅን።

ኣብታ ህዝባ ንስደትን ምዝብልናን ዝዳረገላ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ፡ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ደገፍን ውሕስነት መግብን ዘድልዮም ይሓስብ፡ መለኵታዊ ሕጻን ንጉሰ ሰላም ኣጽዋር ውግእ ትም ኣብል፡ ነቶም ንማሕበራውን ፖለቲካውን ዕርቂ ንምርግጋጽ ዝዓዩ ብምብራኽ ኣብ መላእ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ሓድሽ ናይ ሕውነት ወጋሕታ ኣብርቕ።

በዓለ ልደት ነተን ክልተ ደሴታት ኮርያ ዘሕብር ሕውነታዊ ምትእስሳር የጽንዕ፡ እቲ ዝተበገሰ ምቅርራባት ክቕጽልን ንኹሉ ምዕባለን ብሰናይ ንምንባር ዘብቕዕ ኣብ ናይ ሓባር መፍትሒ ከብጽሓን ይግበር።

እዚ ዝተባርከ ግዜ ንቨነዝዋላ ኣብ ስምምዕ ከብጽሕን ንዅሉ ንናይ ማሕብራዊ ጉዳይ ኣካላትን ንናይ ሓገር ምዕባለን ነቲ ጽጉም ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ዘበቅዕ ሕውነታውነት የህልው።

እቲ ዝተወልደ ጐይታ ነታ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ኣዚያ ንእትናፍቕ ፍቕርቲ ኡካራይን ስቓያታ ይኽደን፡ … ኣብ ሰላምን ኣብ ምኽባር ናይ ኩሉ መስልን ክብርን ጥራሕ እዩ ሓንቲ ሃገር ካብ ዘጋጠማ ጸገም እትላቐቕን ንኹሉ ዜጋታት ብቑዕን ግቡእን ዝዀነ ክቡር ሕይወት ንምርግጋጽ ዝከኣል። ነቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ቅርበተይ እገልጽ። ናይ ሕውነትን ምሕዝነትን ርክባት ከረጋግጹ እጽልይ።

ኣብ ቅድሚ ሕጻን ኢየሱስ ናይታ ፍትውቲ ሃገረ ኒካራጉዋ ሕዝቢ ምግምማዕን ስርዓት ኣልቦነትን ስፍራ ከይወሃቦ ኩሉ ብሓባር ዕርቅን ናይ ሃገር መጻኢ ኣብ ምሕናጽ ክተግህ ናይ ሕውነት መንፈስ ዳግም ይርከቡ።

ፖለቲካዊ ርእየትን ናይ ባህልን ኤኮኖሚያውን መግዛእቲ ንዝወርዶም ነጻነቶምን መንነቶም ኣብ ሓደጋ ንዝወደቖምን ብጥምየን ብስእነት ኣገልግሎት ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ዝሳቐዩ ኣሕዛብ ክዝክር እፈቱ።

ነቶም በዓለ ልደት ኣብ ጽንኩርን ውጡርን ኩነትን ዝገደደ ብጽልእ ኣብ ዝርኣይሉ ስፍራታት ብፍላይ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ብቐሊሉ ክጥቃዕ ዝገብርን ከም ዜጋ ዘይሕሰብ ማሕበረ ክርስቲያን ንኡሳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝዀነለን ሃገራት ንዘብዕሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እሓስብ፡ ጐይታ ንዅሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ውሁድ ክፍል ሕብረተሰብ ንዝኸኑ ብሰላም ክነብሩን መሰሎምን ክብሮምን ተሓልይሉ ተፈላጥነት ክረክብ ብፍላይ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዓድሎም።

ሎሚ ኣብ መብልዕ ማል ዘለኻ ብቑሪ ከትከት እትብል እነስተንትነካ ሕጻን ንዅሎም ሕጻናት ዓለምን ንነፍሲ ወከፍ ተነቃፍን ገዛእ ርእሱ ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ንዘይብሉ ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ሰባት ጸግዒ ኵን፡ በቲ ሓደ ሰማያዊ ኣቦ ዝተፈቐርና ምዃና ኣስተውዒልና ከም ኣሕዋት ንኽንራኸብን ክንነብር መታን ካብ ልደት መድሕን ኩሉ ሰላምን ምጽንናዕን ክጸገው ቢሎም ቃሎም ዛዚሞም ንሮማን መላእ ዓለም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና Urbi et Orbi - ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዊ ቡራኬ
26 December 2018, 10:19