ድለ

ካብ ድ.ማርያም እንመሃሮ ንኩሉ ነቲ ስኢንዎ ዘሎ ክብሩ ንምምላስ ቀንዲ ተዋሳኢ ምዃን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ እታ ኣብ ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኣብ ሃገረ ሜክሲኮ ጓዳሉፐ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝተገልጸት ብማርያም ጓዳሉፐ ዝፍለጥ በዓለ ዘኪራ እንክትውዕል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ትማሊ ምሸት ኣብ ካተድራል መንበረ ጴጥሮስ ንክብሪ እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። መምህረ ወንጌል እንክብሉ እውን ሰምዮማ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ታሪኽ ግልጸት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ መክሲኮ ብዕለት 9 ታሕሳስ 1531 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ መክሲኮ ተፐያክ ኣብ እትበሃል ኩርባ ንሓደ ኽዋን ድየጎ ዝበሃል ድኻ ህንዳዊ ዝተራእየት ድንግል ቤተመቅደስ ይሰራሕ ክትብል ከላ ምልክት ኣደ ኣምላኽን ዝኾነት ማርያም ሒዙ ይርከብ፣ እቲ መልእኽቲ ካብ ጳጳስ ናይ’ቲ ዓዲ ብዙሕ ተቋውሞ እኳ እንተኣጓነፎ ድሕሪ ሳልስቲ ዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ በጃ ክዳን ናይ’ቲ መንእሰይ ተሳኢሉ ዝተረፈ ምስሊ ደንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ቀዋሚ ሓወልቲ ኮይኑ ኣሎ፣

ነዚ በዓል’ዚ ንምዝካር እዮም እምበአር ቅዱስነቶም ማርያም መምህረ ወንጌል እንክትመርሓና ብእናታዊ ርሕራሔን ጥንቃቄን ቀቅድሜና ከምትጐዓዝ ዝገለጹ። ካብ እንምሃሮ ብዙሕ ነገር እኳ እንተሎ እቲ ቀንዲ ግን ኣብ’ዚ ንሰባት ብምውራድን ብምዕማጽን ጥራይ ዝንበረሉ ዓለምና ንኩሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክብሮም እነልብሰሉን ክብሮም ንክሕሎ ብቅንዕናን ብሓቅን ክንዋሳእ ቀንዲ ትምህርታ ምዃኑ ገሊጾም።

ካብ ማርያም ተስፋ ናብ ዝቈረጹ ገጽና ምግስጋስ ንመሃር!

ቅዱስነቶም ኣብ’ቲ ብቋንቋ እስፓኛ ዘቅረብዎ ሰፊሕ ስብከት ንእኖና ድንግል ማርያም ኣብ’ቲ ዝተረስዔ ወገን ዓለም ቊሸት ተፐያክ ንሓደ ድኻ ኽዋን ድየጎ ዝበሃል ንምስናይን ነቲ ኣህጉር ንምስናይን ዝገበረቶ ጒዕዞ ይዝክሩ እሞ ሎሚ እውን ከይተረፈ ምእመናን እቲ ከባቢ ኣብ`ታ ኣብ በጃ ክዳን ድየጎ ተሳኢላ ዝተረፈት ተአምራታዊት ሥእሊ ድንግል ማርያም ሓንቲ ሽምዓ ብምብራሕ ሓንቲ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ብምድጋም ኣብ ገዛ ነፍሲወከፍስ ይኹን ኣብ ቸላታት ቤትማእሰርቲ ኣብ መዕቆቢ ሕሙማትስ ይኹን ኣብ መዕቆቢ ኣረጋውያን ኣብ ኣብያተ ትምህርትስ ይኹን ኣብ ክሊኒካት ዳግም ሕይወት ንምዝራእ ወትሩ ምስ ተዋሰኤት እያ። እዛ ሰበይቲ እዚ`ኣ ማለት ድንግል ማርያም ብርሕራሔን ጥንቃቄን ምስ ሕዝባ እትጐዓዝን ንኩሉ ብሰብ ዘይከኣል ዝመስል ቊጻራት እናፈትሐት ሓዲስ ሕይወት እትዘርእ እያ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ`ዚ ቤትትምህርቲ እግዚእትነ ማርያም ዝበልዎ ሠናይ ተግባር ኲልና ክንወፍር እሞ ነቶም ተስፋ ዝቈረጹስ ይኹኑ ተስፋ ዝሰኣኑ ወገናትና ተስፋ ክንኮኖም ንመሃር ኢሎም።

ኣብ ቤትትምህርት እኖና ድንግል እንተሰልጢና ኣብ ሻውላትን ከተማታትን ክንመላለስ ንጅምር። ተኣምራዊ ዝኾነ ወርቃዊ ጫማ ለቢስና ንኩሉ ጸገም ክንፈትሕ ወይውን ብናይ ሓሶት ተስፋ እዚ ክንገብር እዚ ክነሰልጥን ነዚ ክነማዕብል ዝብል ዘይኮነ ቀስ ብቀስ ናይቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ባህላውን ቤተሰባውን መንነቶም ክንመልሰሎም ክብሪ ክነልብሶም እምበር ነዚ ኣጥፊእካ ብኣምሰሉነትን ንዓና ክመስሉ ኩሉ ሓደ ክኸውን ኣይኮነን ኢሎም። በዚ ከኣ እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና መን ምዃኑ ክስቈረናን ኩልና ክንደጋገፍ ከምዘሎናን ነረጋግጽ።

ትርጉም እግዚአብሔርን ምትሕብባርን ምዕቃብ!

ቅዱስነቶም ኣብቶም ንኩሉ ባህልታት ኣብ ሓደ ክጭፍልቁ ንዝጽዕሩ ብምቍዋም ብዝሒ ባህልታት ሃብቲ ምዃኑ ተገንዚብና ሰፊሕ ኣህጉር ደቡብ ኣመሪካ ሒዝዎ ንዘሎ ባህላዊ ሃብትታት ክንግንዘቦን ኣብ’ቲ ልቢ’ቲ ተዓቚሩ ንዘሎ ንዘመናት ዝዓቀብዎ ሃብቲ ጽን ክንብል ኣዘኻኺሮም። ኣብ’ዚ ባህልታት`ዚ ከም ዝተደጐለ ሓዊ ኮይኑ መዓት ብርሃን ክንዮ እቲ ሰምዒ ከምዘሎን ትርጉም እግዚአብሔርን ክንዮ ኩሉ ምዃኑ ዝገልጽን ሕይወት ብሓቂ ቅዱስ ህያቡ ምዃኑን ንተፈጥሮ ዘለዎም ኣኽብሮን ሓለዋን ሓቀኛ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ብሓባር ብሓጐስ ናይ ምንባር ጥበብን ወትሩ ሕጉስ ኰንካ ናይ ምንባርን ናይ ኩሉ ኣጋጣሚታት በዓል ምግባርን ሓቊፉ ስለዘሎ ብዓቢ ኣኽብሮት ጽን ክንብሎ ክንዕቅቦን ክንስዕቦን ዘሎና ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ዘመልክተልና ከኣ ሓቀኛ ተዋሳኢ ምዃን ንኩሉ እቲ ክብሩ ዝሰኣነን ዝጠፍኦን ከምብሓዲሽ ክብሩ ከምዝምለስ ምግባር ምዃኑ እዩ።

ሓቀኛ ተዋሳእነት ንዝወደቀ ክብሩ ይመልሰሉ!

ቅዱስነቶም ናይ’ዚ ኣብነትን መምህርን እኖና ድንግል ማርያም ምዃና ንክገልጹ ድሕሪ ብሥራት ገብርኤል መልኣኽ ትቀዳዲማ ዝደየበቶ ኲርባታት ይሁዳ ብምዝካር እቲ ቀዳማይ ክብሩ ዝረኸበ ኣብ ማሕጸን እኖኡ እንከሎ ይሓንስ መጥምቅ ምዃኑ ዘኪሮም። በዚ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም `በዚ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እኖና ድንግል ማርያም እንመሃሮ ኣብ ሕይወት ደቂሰባት ተዋሳኢ ምዃን ዘይኮነስ እቶም ካልኦት ተዋሳእቲ ንክኾኑ ኣብ ምሕጋዞም ከምዝኾነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዮሓንስ ዝተገብረ ኣብ መክሲኮ ከኣ ንድየጎ ንእምነቱን ተስፋኡን ብግቡእ ንክነብር ተተባብዖ፣ ምስ ድየጎ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሎም እትሕግዞም ሓቀኛታት ተዋሳእቲ ናይ ድሕነት ታሪኽና ከምዝኾኑ ትገብሮም። ክብሪ እግዚአብሔርከስ ዓለማዊ ኣድናቆትን ረኣዪለይ ስምዑለይ ዘይኮነ ኣብቶም ሓቀኛታት ደቁ ዝኽዕኑ ኣብ ፍጥረት ብምሉኡ ሓቀኛ ተዋሳእቲ ዝኾኑ ይግለጽ።

“ኣብ ቤትትምህርቲ ድንግል ማርያም እንመሃሮ ተዋሳእነት ከስ ንሰብስ ይኹን ንተፈጥሮ ምውራድን ምትሓትን ዋጋ ዘይምሃብን ንካልኦት መሰሓቂቶ ብምግባርን ብምልጋጽን ብምሕማይን ዘይጥቀሙን ዘየድልዩን ሰባት ጌርካ ብምቅራብ ኣይኮነን። ዝገደደ ከኣ ከምቶም ውሕስነት ንክስምዖም ኣካላውስ ይኹን ሥነኣእምሮኣዊ ጐነጽን ዓመጽን ዝጥቀሙ ኣይኮነን። እዚ ተዋሳእነት እዚ ርሕራሔን ጥንቃቄን ኣየፍርሆን እዚ ከኣ ንዝበለጸ ኣገልግሎት ክትህብ የሰናዱ። ኣብ ቤትትምህርቲ ድንግል ማርያም ሓቀኛ ተዋሳእነት ንማሃር እዚ ከኣ ንኩሉ እቲ ዝወደቀን ዝወደቀ ኮይኑ ዝስምዖን ጥንተ ክብሩ ኣልቢስካ ብሓይሊ እቲ ከኣል ኩሉ ዝኾነ መለኮታዊ ፍቅሪ ዳግም ከመይ ገርካ ከምእተተንስኦ ንመሃር፣ ኢሎም።”

ሓይሊ ምድግጋፍ!

ቅዱስነቶም ናብ’ቲ ቀንዲ መለለዪ ናይ’ዞም እኖና ድንግል ማርያም ብኣካል ኣብ ማእከሎም ክትነብር ዝደለየት ሕዝቢ ምልስ ይብሉ እሞ ‘እኖና ድንግል ማርያም ነቶም ብምፍርራህን ብሥልጣንን ተዋሳእቲ ንክኾኑ ኣብ ፈተነ ዝርከቡ እሞ ከኣ ብዓውዓውታ ናይ’ቶም ሓያልን ብሓሶትን ጠቀነን ምጥፍፋእን ቀንዲ ተዋሳእቲ ንክኾኑ ናይ ዝጽዕሩ ሓሳብ ፋሕ ተብሎ እሞ ጐይታ ነቶም ናታ ምስኣ ኮይኖም ነንሕድሕዶም ምድግጋፍ መሠረታዊ ምዃኑ ብቀጻሊ ንከስተውዕሉ ትሕግዞም። ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ናይ ሓንቲ ፈራዪትን ጸጋዪትን ለጋስን መሬት ኣደ እያ፣ ኣብ`ዚ እንተ በዚ እንተ በዚ ኩልና ክንራኸብ እሞ ነቲ ቤተመቅደስ ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝኾነ ስድራቤት ንምህናጽ ክንዋሳእ ንዕደም። ደቡብ ኣመሪካዊ ውሉድስ ይኹን ሓው ከምቲ ኣደኻ ድንግል ማርያም ዝገበረቶ ብዘይ ምንም ፍርሃት ዘምር ገስግስ’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
13 December 2018, 17:07