ድለ

ኢየሱስ እውን ኣብ ግዜ ሕጻንነቱ ስደተኛ ኮይኑ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም ንበዓላት ልደት ኣብ ከተማ ቫቲካን ከማዕርጉ ተኣኪቦም ዝለማመዱ ዘለው ሥነ ጥበባውያን ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ስለእቲ ብልሕነቶምን ፈጠራዊ ክእለቶም ኣመስጊኖም በቲ ዘለዎም ተውህቦ መርበብ ትምህርትን ሓገዝን ክፈጥሩ እሞ ነቶም ኣብ ስደትን መከራን ዝርከቡ ምናዳ ክብሮም ዝተነኽኤ ሰባት ከሰንዩን ሓይልን ጽንዓትን ክኾኑን ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እዞም ሥነ ጥበባውያን ዘሰናድውዎ ዘለው ዓቢ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ሎሚ ምሸት ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ክካየድ ምዃኑን ንበዓለ ልደት ስለዝምልከት ከኣ ተቀሪጹ ኣብ ዕለተ ልደት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሓምሻይ መስመር ተለቪዥን ሃገረ ጣልያን ካናለ ቺንኰ በቆጻጽራ ሰዓት ሃገረ ጣልያን ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ናይ ምሸት ክመሓላለፍ ምዃኑን ምስ’ዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ቅዱስነቶም ነዞም ሥነ ጥበባውያን ቊሩብ ትሕት ኢሎም ነቶም ኣብ ትሑት ናብራ ዝነብሩ ዘለው ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ መዕቆቢ ስደተኛታት ብምኻድ ነቲ ዓጊቱ ሒዝዎም ዘሎ ነገራት ክኣልዩሎም ተማሕጺኖም።

መዓጹ መዕቆብ ሥደተኛታ ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ!

ቅዱስነቶም ኣድላይነት ኲስኰሳን ትምህርትን ብምምልካት ናይ ትምህርቲ መርበባት ብምዝርጋሕ ካብ’ዚ ከቢቡና ዘሎ ብዙሕ ጸገማት መውጽዒ ክረክብን ክንዮ ሓጹርን መዓጹን ናይ መዕቆቢ ስደተኛታት ብምኻድን ብምምሃርን ነቶም ስደተኛታት ኣብቲ ዘለውዎ ማሕበረሰብ ንክሕወሱ ምምሃሮምን ምድግጋፍን ልግስን ብምድንፋዕ እቶም ስደተኛታት ብግዲኦም ማዕቢሎም ከማዕብሉ ዝኽእሉሉ ጐደና ኣተንቢሆም።

ቅድሚ ዝኣገረ መርበብ ትምህርቲ ምምሃዝ ካብቶም ስደተኛታት ነቶም ናኣሽቱ ምምሃርን ምዂስኳስን ክንደይ ሠናይ ነሩ፣ ከመይ እዞም ቈልዑ እዚኦም ከምቲ መሳቱኦም ኣብ ጥጡሕ ቤትትምህርታት ኣብ ሰደቃታት ቤትትምህርቲ ኰፍ ክንዲ ዝብሉ ብእግሮም ነዊሕ ዝተጓዕዙን ሓደገኛ ብዝኾነ ዕድሎም ዝሃቦም ናይ መጐዓዝያ መግበሪ ብክንደይ ሓደጋ እናተጐዓዙ ይርከቡ፣ ሕስብ እንተበልናዮ እዞም መሻኺን ግዜ ዝበደሎም ሕጻናት እዚኦም እውን ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ እሞ ንጽባሕ ዘድሊ ምስንዳው ገሮም ሓላፍነታውያን ዜጋታት ኰይኑ ኣፍረይቲ ክዀኑ ትምህርትን ኲስኰሳን የድልዮም። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንኩሎም ስደተኛ ንኽቅበሉን ንክደጋገፉን እውን ትምህርትን ኲስኰሳን የድሊ። ምናዳ ኣባላት እተን ተቀበልቲ ስደተኛታት ዝኾና ሰቦም ስደተኛ ኣብ ዝርእዩሉ ግዜ ክደናገጹን ክሕግዙን እምበር ከም ዘይምልከቶም ሸለልትነትን እንታይ ገደሰኒ ዚዓይነት ጠባይ ሥቃይ ካልኦ ዘይስመዓካ ካብ ምዃን ክንምህሮም የድሊ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ናብ ዘመነ ምጽኣትን ልደትን ምልስ ኢሎም ኣብ’ዚ ንልደት እንቀራረበሉ ዘሎና ግዜ ንጽጉማት ኣሕዋትና ብሙቀትን ርሕራሔን ልደት እንተንረድእ ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ሥራሕ ምገበርና እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ሙቀትን ርሕራሔን ልደት!

እዞም ሥነ ጥበባውያን እዚኦም ኣብ ኡጋንዳ ንተልእኮ ዶን ቦስኮ ከምኡ እውን ኣብ ኢራቅ ሓገዛቶም ብምውፋዮም ቅዱስነቶም ኣመስጊኖም መበራትዒ ዝኸውን ምኽሪ እውን ለጊሶምሎም። ምናዳ ኣብዚ ዘመነ ልደት ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሙቀት ልደትን ርሕራሔ ልደትን ከምዝዂላዕ ክገብሩ ከኣ ሓደራ ኢሎሞም።

“በዓለ ልደት ወትሩ ሓዲስ እዩ! ከመይ ኣብ እምነት ብሓዲስ ከምእንውለድ ገሩ ንተስፋ ክፉታት ክንከውንን ንሠናይ ተግባር ፍቅሪ ዳግም ንክንብገስን የኽእለና። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንኩነታት ብዙሓት ደቂ ተባትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ናይ ዘመንና ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ካብ ውግእን ብኢፍትሓውነት ማሕበረሰብ ለውጢ ክሊማን ዝሰዓበ ሓሳረ መከራን ንምህዳም እግሮም ኣብ ዝመርሖም ዝጐዓዙ ዘለው ንሕሰብ፣ ምናዳ እቶም ኣይ ብኢዶም ኣይ ብኣፎም ምንም ዓገብ ዘይብሎም ናይ’ዚ ሰብኣዊ ኢፍትሓውነት ግዳይ ኮይኖም ዘለው ንሕሰብ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ስደትን መከራን መጀመርያኡ ከምዘይኮነ ካብ ቀደም ዝነበረ ነቲ ወዲ ኣምላኽ እውን ዘየናሕሰየ ምዃኑ ብምዝካር ኢየሱስ እውን እንተኾነ ካብ ካልእ ዓለም ማለት ካብ’ቲ ሰማያዊ ክብሪ ኣቦ እግዚአብሔር እኳ እንተመጸ ኣብ ማእከልና ክሓድር ብምድላዪ ብዘይካ ሓጢእት ንኩሉ ኩነታትና ብምስታፍ ፍቅሪ ቅድስት ሥላሴ ከምጽኣልና ስለዝደለየ ትሕትና ለበሲ መጸ። እቲ ቅጥዒ ዘይነበሮ ቊጥዓ ንጉሥ ሄሮዱስ ግን ነቲ ዕሸል ነቲ ኢየሱስ ሕጻን ከም`ዚ ናይ ሎሚ ስደተኛታት ንጹሓት ሕጻናት ዝነብርዎ ናብራ ስደት ንክነብር ኣገዲድዎ።

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ድራማ ቤተክርስትያን ብዝተፈላለየ ተበግሶ ናይ ደገፍን ምትሕግጋዝን ከምኡ እውን ጋሻ ምቅባልን መሕደሪ ብምሓብን ትዋሳእ። ወትሩ ዝግበር ብዙሕ ኣሎ! ክነጸናንዖ ዘሎና ብዙሕ ሥቃይ ከምኡ እውን መፍትሒ ክንረኽበሎም ዘሎና ብዙሕ ጸገማት ኣሎ። ነዚ ንምውዳድ ግን ዝለዓለ ምውህሃድን ንነፍሲወከፍ ሃንጐፋይ ቢልካ ንምቅባል ናይ ኩለን ጉጅለታትን ማሕበረሰባትን ኢደይ ኢድካ ምባል የድሊ። ስለዚ ከኣ እየ ንኩሉ ዘራኽብ ንኩሉ ዝምህር ንኩሉ ዘንቅሕ መርበብ የድሊ ዝበሎ። እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
15 December 2018, 17:42