ድለ

ልደት ንምብዓል ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ንካልኦት ብእምነትን ፍቅርን ንምግልጋል ኣብነት ትኾነና

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 23 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንእኖና ድንግል ንቅድስት ኤልሳቤጥ ክትበጽሕን ክተገልግልን እምነትን ፍቅርን ዝዓደላ ንዓና እውን ንጽጉማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምግልጋል ክንጐዪ እምነትን ፍቅርን ይዕደለና እንክብሉ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓት ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዕለት 23 ታሕሳስ መጨረሻ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ኣብ ግጻዌኣ ንናይ እኖና ድንግል ማርያም ምብጻሕ ቅድስ ኤልሳቤጥ ዝገልጽ ኮይኑ ነቲ ወትሩ ክዝከርን ክጽለን ዝነብር ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዝአብሔር ዝብል ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ዝሕዘ ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ብምዝኽኻር እታ ንብርሃን ዓለም ዝኾነ መድሓኔ ዓለም ኢየሱስ ክትወልድ ዝተበሰረት እኖና ድንግል ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ክትበጽሕ ተቐዳዲማ ናብ እምባታት ይሁዳ ምጒዓዛ ኣብነት እምነትን ፍቅርን ከምእትኾነና ብምዝኽኻር  ኣብ’ቲ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ምልስ ኢሎም ‘ንኢየሱስ ኣብ ከርሳ ሒዛ ልደቱ እንክትጽበ እንታይ ኮን ይስምዓ ነበረ? እንክብሉ ንኣስተንትኖ ይዕድሙ።  

ብርኤል መልአኽ ኤልሳቤጥ ዘመዳ ሕጻን ከምእትጽበን ሻድሻይ ወርሓ ከምዝኾነን ገሊጹላ። እታ ኣብቲ ግዜ’ቲ ብሥራሕ እግዚአብሔር ንኢየሱስ ዝጸነሰት ማርያም ብኡ ንብኡ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ንጎቦታት ይሁዳ ገጻ ብምንቃል ንዘመዳ ኤልሳቤት ክትበጽሕ ከደት። ከም’ቲ ወንጌል ዝገልጾ ከኣ ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ንኤልሳቤጥ ሰላም ኢላታ። ርግጽ እዩ በቲ ዝተረኽበ ሓጐሳ ገሊጻ ኤልሳቤጥ ከኣ ንድንግል ማርያም ‘ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ ፍረ ከርሥኺ እው ዝተባረኸ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጽእስ ከመይ ኢሉ ኮነለይ’ ትብላ። ኣብ መንጎ እታ እምነት ዝነበራ ማርያምን ጥራጣረ ዘሕደረ በዓልቤት ኤልሳቤጥ ዘካርያስን ማለት ነቲ መልኣኽ ዝነገሮ ብዘይምእማኑ ክሳብ ዮሓንስ ዝውለድ ልጉም ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳያት እስኪ ነነጻጽር።  

እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ደቂሰባትን ናይ ዝተገብረ ርክብ ምሥጢር ንኽነንብብ ይሕግዘና። እዚ ርክብ እዚ ሽሕ’ኳ ክንዮ ርድኢትና ዝኾነ ምሥጢር እንተዘይኮነ ምልክት እምነትን ፍቅርን ምዃኑ ግን ርግጽ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኤልሳቤጥ ዝበለቶ ድንግል ማርያም ብፅዕቲ እያ ከመይ አሚና፣ እዚ ከኣ ፍራ ሓቀኛ ርክብ ምስ እግዚአብሔር እምነት ምዃኑ እዩ። በንጻሩ ዘካርያስ ግን ተጠራጢሩ ኣይኣመነን ከኣ በዚ ከኣ ዓባስ ኮነ። እዚ ዝምህረና ከኣ ኣብቲ ዝተወሰነሉ ነዊሕ ግዜ ሱቚታ እምነቱ ንከዕቢ እዩ ከመይ ብዘይ እምነት ነቲ ዘጸናንዕ ድምጺ እግዚአብሔር ጸማም ትኸውን በዚ ከኣ ነሕዋትና ዝኸውን ናይ ምጽንናዕን ተስፋን ቃላት ክነድምጽ ኣይንኽእልን። ነዚ ከኣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ንዕዘቦ። እምነት ዘይብሎም ወይውን ንእሽቶ እምነት ዘለዎም ሰባት ዝሳቐ ሰብ እንከጋጥሞም ጥዑም ቃላት ከስምዕዎም ይኽእሉ ኮይኑ ግን እዚ ቃላት እዚ ካብ እምነት ዘለዎ ልቢ ስለዘይምንጩ ሓይሊ የብሎምን። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ማርያም ተላዕለት ተቀላጢፋውን ናብ ኤልሳቤጥ ነቀለት ዝበሎኸስ ብህጸጽ ወይውን ብሃውከ ዘይኮነስ ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ከምዝፍጸም እዩ። ድንግል ማርያም ከይረበሸትን ከይተረበሸትን ብዛዕባ ካልኦት ክንዲ ምጭናቅ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ብምሕሳብ ኣብ’ታ ዝነበረታ ቦታ ብሰላም ክትተርፍን ነቲ ቀዳመይቲ ሓዋርያኡ ዝኾነት ወዳ ልደት ክትሰናዶን  ትኽእል ነራ። ኮይኑ ግን ኩነታት ልደት ኢየሱስ በዚ ከምዚ ይጅምር ገርሀይና ብዝኽዕነ ተግባር ፍቅሪ ይጅምር ብዝተረፈ ሓቀኛ ፍቅሪ ፍረ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ።

ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ብዛዕባ ምብጻሕ ድንግል ማርያም ናብ ቅድስት ኤልሳቤጥ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ከስ ንልደት ብጽቡቅ ክንሰናዶን ጉዕዞ እምነትን ፍቅርን ክንጅምር ይዕደመና፣ እዚ ምንቅስቃስ እዚ ናይ’ቲ ንድንግላዊ ማሕጸን ድንግል ማርያም ከምዝፈሪ ዝገበረን ንድንግል ንሽማግለ ዘመዳ ንምግልጋል ዝደረኸን መንፈስ ቅዱስ ሥራሕ እዩ። እዚ ሥራሕ እዚ ናይቶም ብኣኡ ዝተኣማመኑ ትሑታት ክልተ ኣደታት ሓጐስ ዝመልኦ ጉዳይ ምዃኑን ነቲ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረለን ማህሌት ምስጋናን እዩ።

ድንግል ማርያም ነዚ ልደት እዚ ብከንቱ ከይነጥፍኦ ንኣነነት ማእከል ካብ ምግባር ዘድሕንን ንኢየሱስን ነሕዋትናን ምናዳ ከኣ ነቶም ጸገም ዘለዎም ንምርዳእ እንኽእለሉ ልደት ንክኾነልና ተኽእለና። በዚ ከኣ ሎሚ እውን ሥጋ ኮይኑ ኣብ ማእከልና ንክሓድር ዝኽእል ናይ ጐይታ ፍቅሪ ቦታ እንገድፍ ይግበረና እንክብሉ ኣስተምሆኦም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
23 December 2018, 12:11