ድለ

ኣብ ዕጽው ጐድኒ ሕይወትኩም ተዓኒድኩም ኣይትትረፉ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 2 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዝጅመር ዘመነ ምጽኣት ኣመልኪቶም `ንበዓለ ልደት ከም ዓለማዊ በዓል ገርካ ብምውሳድ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝዕላማኡ ሕይወት ካብ ዘስዕቦ ጸቕጢ እንታይ ክገዝእ ዝብል ጭንቀት ሓራ ንውጻእ።` እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ድሕሪ ጸሎተ መልአክ እግዚአብሔር ብውግእ ነታ ተሓሚሳ ዘላ ሶርያ ሰላም ክወርድ ንጸሊ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲና ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሮ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ኣትያስ ትማሊ ቀዳማይ ሰንበት ዘምጽኣት ዘኪራ ውዒላ። ነተን ቅድሚ ልደት ዘለዋ ኣርባዕተ ሰናብቲ ብኣርባዕተ ዝተፈልየ ሕብሪ ዘለወን ዓበይቲ ሸምዓታት ብምምልካት፥ ኣብ ቀዳማይ ሶሙን እትበርህ ዓባይ ሸምዓ ናብ ቀይሕ ዝዘምበለ ድሙቕ ሊላ ሕብሪ ዘለዋ ኮይና ትንቢታዊ ቀንዴል ናይ ተስፋ መብራህቲ ተመልክት እሞ ነቲ ብነቢያት መሲሕ ክመጽእ ከምዘለዎ ዘመልክት ንምስትንታን ትዕድም። ከምቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ወልዶ መድኅነ ንሰብክ እናበለ ኣብ ሰንበት ዘስብከት ዝዝክሮ ማለት እዩ። እታ ካልኣይቲ ሸምዓ እውን ቀያሕ ኮይና ሽምዓ ቤተልሔም ትበሃል እቲ መሲሕ ኣበይ ከምዝውለድ ትዝክር። ሳልሰይቲ እውን ሮዛ ኮይና ናይ ጓሶት ሽምዓ ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እዚ ነቶም ብመጀመርያ ንጐይታ ዝበጽሑን ዝተቀበሉን ጓሶት የመልክት። ራብዔይቲ መንጎ ቀይሕን ድሙቅ ሊላን ኮይና ሽምዓ መላእኽቲ ትበህላ እዚ ከኣ ነቶም ልደት መሲሕ ዘበሠሩ መላእኽቲ ዘመልክት እዩ። ብካልእ መዳይ እውን ተስፋን ሰላምን ሓጐስን ፍቅርን የመልክታ ዝብል ባህሊ እውን ኣሎ። እንተ እዚ ኮይኑ እንተ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ንምጽኣት ጐይታ ብግቡእ ተሰናዲኻ ኣብታ ዓመት ቈጺራ እትዝከር በዓለ ልደት ብዝተፈላለየ ኣስተንትኖን ጾምን ጸሎትን ንስሓን ልብኻ ምስንዳው እዩ እቲ ዋና ቊምነገር። ስለዝኾነ ከኣ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መብዛሕትኦም ምዕራባውያን ዓሲሉ ዘሎ መንፈስ ናይ ምቅንጃውን ህያብ ምቅባልን ህያብ ምሃብን እንታይ ኮን እቅበል እንታይከ ክህብ እየ ኢልካ ኣብ ብዝተፈላለየ መብራህትታት ዘብለጭልጭ ድኳናት ኰለል ምባል ገዲፍና ነቲ ብክብሪ ዳግም ክመጽእ እንከሎ ብጽድቅን ንጽሕናን ክንቅበሎ ሓደራ ዝበለና ብምዝካር ነቲ ዓኒዱና ዘሎ መንፈስ ዓለም ወጊድ ክንብሎ ይጽውዑ።

“ኣብዘን ኣርባዕተ ሳምንታት እዚኤን ካብቲ ብኩሉ ኣሳሲሩን ብልማድ ጥራይ ከምእንመላለስን ጌሩና ዘሎ ናብራ ክንወጽእ እሞ ናብቲ ጐይታ ዘተስፈወና ዝበለጸ መጻኢ ንምርካብ ተስፋን ሕልምን ዝህበና ሕይወት ክንጽንበር ንጽዋዕ ኣሎና። ናይ ሎሚ ሰንበት ወንጌል ነዚ መኣዝን እዚ ኣጒሊሑ ብምንጻር ነቲ ዘመንና ዘቅርበልና ናብራ ሕይወት ማለት ንኣይ ይጥዓመኒ ዝዕላማኡ ሕይወት ካብ ዘስዕቦ ጸቕጢ እንታይ ክገዝእ ዝብል ጭንቀት ሓራ ንውጻእ።` ኢሎም። ነዚ ዝሕግዝ ከኣ ብትኲረትን ንቅሓትን ንኢየሱስ ምጽባይ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።”

ብትኲረትን ንቅሓትን ንኢየሱስ ምጽባይ!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ኅልቀተ ዓለምን ምልክታቱን ዝገልጽ ኮይኑ ካብ ሉቃ 21.25 ዝተወስደ ነበረ። ኢየሱስ ነቲ ክኸውን ዘለዎ ኩሉ ምስ ገለጸ ‘እዚ ነገራት እዚ ኬውን ምስ ዚጅምፍ ግን ድኅነትኩም ስለዝቐረበ ቅንዕ በሉ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ’ እናበለ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ብትኲረትን ንቅሓትን ክጽብዩ ወትሩ ከኣ ክጽልዩ ብምምሕጻን እዩ ተፋንይዎም።

“ነቂሕካ ምጽባይን ምጽላይን! ካብ ሎሚ ክሳብ ልደት ክንገብሮ ዘሎናኸስ እዚ እዩ። ጸቂጡ ሒዙና ዘሎ ውሽጣዊ ከቢድ ድቃስ ኣብ ገዛእ ርእስና ዕንክሊል ካብ ምባልን ዘሎናዮ ናብራ ኣብ ዘቅርበልና ጸገማት ተዓኒድካ ካብ ምትራፍን ምስ ታሕጓሳቱን ጸገማቱን እዩ ኮይኑ ግን እዚ ወትሩ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕንኪልል ምባል እዩ። እዚ የድክም የሰልቹ ነታ ዘላትና ተስፋ ከኣ ይዕንቅጻ።”

ነዚ ፈውሱ እንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ ከኣ ቅዱስነቶም ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጽና ንዕነድ ነሕዋትና ልብና ንኽፈት ከምኡ እውን ንተኽእሎ ሓዲስ ዓለም ኣእምሮናን ልብናን ንኽፈት ኢሎም።

ቅዱስነቶም ናብታ ንቅሑ ትብል ቃል ጐይታ ምልስ ይብሉ እሞ ነቂሕካ ምሕላው ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዘሎ ቊሊሕ ምባል ከቢቦምና ንዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ልብና ክንከፍት ንሃረርታ ሓዲስ ዓለም እውን ክፉት ምዃን እዩ ኢሎም።

“እዚ ሃረርታ’ዚ ናይቶም ብዓጸቦ ጥሜት ዝሳቀዩ ዘለው ከምኡ እውን ፍትሒ ብምስኣንን ብውግእን ዝተጐብኡ ብዙሓት ኣሕዛብ ሃረርታ እዩ። ናይቶም ድኹማትን ድኻታትን ሓጋዚ ዘይብሎምን ሃረርታ እዩ። በዚ ከኣ ዘመነ ምጽኣት ንሕይወተይ ንመንን ብከመይን ኣወፍያ ኢልና ጭቡጥ ሕቶ ንምስትንታንን ልብና ንክንከፍትን ጽቡቅ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።”

ክርስትያናዊ መንነትና ከየነሀስስ ንጠንቀቅ!

ድሕሪ ነቂሕካ ምሕላው እትመጽእ ቃል ወንጌል ጸሎት እያ እኳ ደኣ ወትሩ ክንጽሊ ይምሕጸን።

“ምጽላይን ንኢየሱስ ምጽባይን ልብኻ ንካልኣኦት ምኽፋትን ቅልጡፋትን ንጡፋትን ምዃንን እምበር ኣብ ገዛእ ርእስና ክንዕጾ የብልናን። ኮይኑ ግን ንልደት ከም ናይ ህያባትን ነገር ጥራይ ገርና እንተሓሲብና እንታይ ህያብ ክቅበል እየ እንታይ ህያብ ክገዝእ እየ እናበልና ዓለማዊ ሓሳባት ጥራይ እንተሓስብናን ገርናን ኢየሱስ ከየለለናዮ ክሓልፍ እዩ ምርካቡ ከኣ ከጸግመና እዩ። ስለዚ ንሕና ከም ክርስትያን ንክርስቶስ ኢና እንጽበ ነዚ ትጽቢት ከኣ ኣብ ጸሎት ተጸሚድና ኢና ንገብሮ እዛ ጸሎት እዚኣ ከኣ ምስ ነቂሕካ ምጽባይ እትብል ብጥብቂ ዝተኣሳሰረት እያ።”

ድሕሪ ቢሎም ነዚ ከኣ እታ ናይ ንቅሓትን ጸሎትን ሰበይቲ ዝኾነት ንኢየሱስ ከኣ ኣብ ከርሳ ዝጾረት ድንግል ማርያም ኣብቲ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ተስፋ ክንጸንዕ ትደግፈና። እግዚአብሔር ወትሩ እሙን ምዃኑን ብጌጋታት ደቂሰባት ኣቢሉ ምሕረቱ ከምዝገልጽን ብሕርሲ ታሪኽ ከምዝሰርሕን ንክነስተማቅር ኣውን ትሓግዘና ብማለት ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም ስለ ስላም ሶርያ ክንጽሊ ብምምሕጻን ኣስተምህሮኦምን ጸሎቶምን ብሓዋርያዊ ቡራኬ ዛዚሞም።

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
02 December 2018, 18:57