ኣብ ዕጽው ጐድኒ ሕይወትኩም ተዓኒድኩም ኣይትትረፉ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲና ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሮ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ኣትያስ ትማሊ ቀዳማይ ሰንበት ዘምጽኣት ዘኪራ ውዒላ። ነተን ቅድሚ ልደት ዘለዋ ኣርባዕተ ሰናብቲ ብኣርባዕተ ዝተፈልየ ሕብሪ ዘለወን ዓበይቲ ሸምዓታት ብምምልካት፥ ኣብ ቀዳማይ ሶሙን እትበርህ ዓባይ ሸምዓ ናብ ቀይሕ ዝዘምበለ ድሙቕ ሊላ ሕብሪ ዘለዋ ኮይና ትንቢታዊ ቀንዴል ናይ ተስፋ መብራህቲ ተመልክት እሞ ነቲ ብነቢያት መሲሕ ክመጽእ ከምዘለዎ ዘመልክት ንምስትንታን ትዕድም። ከምቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ወልዶ መድኅነ ንሰብክ እናበለ ኣብ ሰንበት ዘስብከት ዝዝክሮ ማለት እዩ። እታ ካልኣይቲ ሸምዓ እውን ቀያሕ ኮይና ሽምዓ ቤተልሔም ትበሃል እቲ መሲሕ ኣበይ ከምዝውለድ ትዝክር። ሳልሰይቲ እውን ሮዛ ኮይና ናይ ጓሶት ሽምዓ ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እዚ ነቶም ብመጀመርያ ንጐይታ ዝበጽሑን ዝተቀበሉን ጓሶት የመልክት። ራብዔይቲ መንጎ ቀይሕን ድሙቅ ሊላን ኮይና ሽምዓ መላእኽቲ ትበህላ እዚ ከኣ ነቶም ልደት መሲሕ ዘበሠሩ መላእኽቲ ዘመልክት እዩ። ብካልእ መዳይ እውን ተስፋን ሰላምን ሓጐስን ፍቅርን የመልክታ ዝብል ባህሊ እውን ኣሎ። እንተ እዚ ኮይኑ እንተ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ንምጽኣት ጐይታ ብግቡእ ተሰናዲኻ ኣብታ ዓመት ቈጺራ እትዝከር በዓለ ልደት ብዝተፈላለየ ኣስተንትኖን ጾምን ጸሎትን ንስሓን ልብኻ ምስንዳው እዩ እቲ ዋና ቊምነገር። ስለዝኾነ ከኣ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መብዛሕትኦም ምዕራባውያን ዓሲሉ ዘሎ መንፈስ ናይ ምቅንጃውን ህያብ ምቅባልን ህያብ ምሃብን እንታይ ኮን እቅበል እንታይከ ክህብ እየ ኢልካ ኣብ ብዝተፈላለየ መብራህትታት ዘብለጭልጭ ድኳናት ኰለል ምባል ገዲፍና ነቲ ብክብሪ ዳግም ክመጽእ እንከሎ ብጽድቅን ንጽሕናን ክንቅበሎ ሓደራ ዝበለና ብምዝካር ነቲ ዓኒዱና ዘሎ መንፈስ ዓለም ወጊድ ክንብሎ ይጽውዑ።
ብትኲረትን ንቅሓትን ንኢየሱስ ምጽባይ!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ኅልቀተ ዓለምን ምልክታቱን ዝገልጽ ኮይኑ ካብ ሉቃ 21.25 ዝተወስደ ነበረ። ኢየሱስ ነቲ ክኸውን ዘለዎ ኩሉ ምስ ገለጸ ‘እዚ ነገራት እዚ ኬውን ምስ ዚጅምፍ ግን ድኅነትኩም ስለዝቐረበ ቅንዕ በሉ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ’ እናበለ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ብትኲረትን ንቅሓትን ክጽብዩ ወትሩ ከኣ ክጽልዩ ብምምሕጻን እዩ ተፋንይዎም።
ነዚ ፈውሱ እንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ ከኣ ቅዱስነቶም ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጽና ንዕነድ ነሕዋትና ልብና ንኽፈት ከምኡ እውን ንተኽእሎ ሓዲስ ዓለም ኣእምሮናን ልብናን ንኽፈት ኢሎም።
ቅዱስነቶም ናብታ ንቅሑ ትብል ቃል ጐይታ ምልስ ይብሉ እሞ ነቂሕካ ምሕላው ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዘሎ ቊሊሕ ምባል ከቢቦምና ንዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ልብና ክንከፍት ንሃረርታ ሓዲስ ዓለም እውን ክፉት ምዃን እዩ ኢሎም።
ክርስትያናዊ መንነትና ከየነሀስስ ንጠንቀቅ!
ድሕሪ ነቂሕካ ምሕላው እትመጽእ ቃል ወንጌል ጸሎት እያ እኳ ደኣ ወትሩ ክንጽሊ ይምሕጸን።
ድሕሪ ቢሎም ነዚ ከኣ እታ ናይ ንቅሓትን ጸሎትን ሰበይቲ ዝኾነት ንኢየሱስ ከኣ ኣብ ከርሳ ዝጾረት ድንግል ማርያም ኣብቲ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ተስፋ ክንጸንዕ ትደግፈና። እግዚአብሔር ወትሩ እሙን ምዃኑን ብጌጋታት ደቂሰባት ኣቢሉ ምሕረቱ ከምዝገልጽን ብሕርሲ ታሪኽ ከምዝሰርሕን ንክነስተማቅር ኣውን ትሓግዘና ብማለት ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም ስለ ስላም ሶርያ ክንጽሊ ብምምሕጻን ኣስተምህሮኦምን ጸሎቶምን ብሓዋርያዊ ቡራኬ ዛዚሞም።