ድለ

ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም.

ማርያም እኔዅልካ ምስ በለት ከምዝብሎ ይኹነለይ ዘይኰነ ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ትብል፡ ኣብ ሕይወታ ንእግዚኣብሔር ወሰን ወይ ደረት ዘይትገብር፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓል ንጽሕተ ድንግል ማርያም ብምዃኑ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥርስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ መንፈሳውያን ነጋዲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሕዋተይን ሓደርኩም ቢሎም፡ ብሩኽ በዓለ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ተመንዮም፡ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ካብ

ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 3. 9-15, 20

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ምዕ. 1. 3-6, 11-12

ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1. 26-38

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡ ናይ ሎሚ ምንባባት ዝተፈልየ ካልእ ኣማራጺ የቕርቡልና፡ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ኣብ ኣናስር፡ ሰብ ንእግዚኣብሔር እምቢ ምባሉን። ኣብ ወንጌል ከኣ ማርያም ኣብቲ ዝቕርበላ ብስራት፡ ንእግዚኣብሔር እነዅልካ ምባላን ነስተውዕል፡ ኣብ ክልቲኡ ምንባባት ንሰብ ክደልይ ዝወጽእ እግዚኣብሔር ምዃኑ ነስተውዕል፡ እግዚኣብሔ ንኣዳም ክደሊ ከምዝወጸን፡ ንኣዳም ጸወዖ፡ ኣበይ ኣሎኻ በሎ (ኦሪት, 3,9) ኣዳም ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ፡ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ በለ (ፍቕ. 10)፡ ኣብቲ ካልኣይ ግና እግዚኣብሔ ናብታ ብዘይ ሓጢኣት ዝዀነት ንጽሕቲ ማርያም ይኸይድ ንሳ ኸኣ እኔዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሒር (ሉቃ. 1.38)፡ ትብል፡

እዚ እኔዅልካ ማርያም ኣንጻር ናይቲ ፈሪህኩን ተሓባእኩን ዝብል ግብረ ኣዳም እዩ፡ ኣኔዅልካ ማርያም ናብ እግዚኣብሔር ርህው ይገብር፡ ሓጢኣት ግና ክትዕጸን ኣብ ደሴታውነት ከተብል ይድርኽ፡ በይንኻ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትተርፍ ይገብር።

እኔዅልካ፡ ሕይወት ዘርህው መፍትሕ

እቲ እኔዅልካ ዝብል ቃል ሕይወት ዘረህው መፍትሕ፡ ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእሱን ካብቲ ኣብ ርእሰ ድላያት ምእኩል ዝዀነ ጋድማዊ ሕይወት፡ ናብቲ ናብ እግዚኣብሔር ዝብል ዓንዳዊ ኩነት ምባል፡ ምቕናዕ ናብ እግዚኣብሔር ናብ ዝብል ሕይወት የሰጋግር። ስንድውነት ንእግዚኣብሔር ካብ ኢጐነት ይፍውስ፡ ናይቲ ኣልቦ ፍስሃን ርውየትን ንዝዀነ ሕይወት ጸረ-ሕንዚ እዩ፡ ነቲ ብሓጢኣት ምእራግ ዝፍውስ እዩ፡ ካብ ብዕድመ ምድፋእ ክኔው ዘይጽንቀቕ ውሳጣዊ መንእሰያዊ ሕይወት ክትነብር የብቕዕ፡ እኔዅልካ ምባል ካብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣብ እግዚኣብሔር ምእማንን ካብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምዕጻው ኣብ እግዚኣብሔር ክፉት ምዃን፡ ንኣግራሞት እግዚኣብሔር ልኡም/ምእዙዝ ምዃን።

እኔዅ እቲ ዝዓበየ ምስጋናን ወዳሴ እዩ

ንእግዚኣብሔር እኔዅልካ ብምባል ገዛእ ርእስኻ ንኣኡ ምውፋይ፥ እቲ ዝዓበየ ውዳሴን ምስጋናን ንእግዚኣብሔ እዩ፡ ስለዚህ በዚ መንፈስ’ዚ ስለምታይ ዕለታዊ ሕይወትና ዘይነበግስ? ኩሉ ሳዕ ንጐሆ እኔዅልካ ኦ ጐይታ፡ ኣባይ ፍቃድካ ይፈጸም፡ ዝበልካዮ ይኹነለይ ምባል ክንደይ ግሩም እዩ። ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምእንብሎ እዩ፡ ድሓር ኣብቲ ጸሎት እንደግሞ እውን እንተዀንና እስከ ብሓባር፥ እኔዅ ኦ ጐይታ … ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ!

ዝብል ቃል ንድገም።

ከምዝበልካዮ ይዅነለይ     

ማርያም እኔዅልካ ምስ በለት ከምዝብሎ ይኹነለይ ዘይኰነ ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ትብል፡ ኣብ ሕይወታ ንእግዚኣብሔር ወሰን ወይ ደረት ዘይትገብር፡

ካብዛ ሰዓት ክሳብ እታ ሰዓት ንኣኡ፡ ድሓር ነቲ ኣነ ዝደልዮ…ዝብል ብፈረቓ ዝነበር ሕይወት ዘይኵነ ወይ ከኣ ክመስላን ክትደልን ክጥዕማን ወይ ከኣ ኣብ መቐራቕሮ ምስ እትርከብ ኣይኰነትን ንእግዚኣብሔር እተፍቅሮ፡ ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓኣተይን እቲ ናይ ሕይወት ምስጢር ንሱ እዩ፡ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝኣምንን ገዛእ ርእሱ ዘወክፍን ኣብ እግዚኣብሔር ኵሉ ይኽእል፡ ከም ኣዳም ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ፡ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ ቢልና ክንምልሰሉ እንከለና ኣዚዩ እዩ ዘጉህይ፡

እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፡ ካብ ኵሎም ኣቦታት ዝለወሀን ሓልዮቱ ደረት ኣልቦ እዩ፡ ኣመኔታ ደቁ ዝደልይ ኣቦ እዩ።

ናጽነትና ኣብ እግዚኣብሔር እዩ

ይኹን ደኣ እምበር ክንደይ ኣብኡ ምጥርጣር ነንብር፡

ንሱ ናብ ፈተና ዘእትወናን ናጽነትና ዝእግድን ንበይንና ዝሓድገናን ከምዝዀነ ገይርና ንሓስቦ፡ እዚ እቲ ዝዓበየ ጌጋን ምትላልን እዩ፡ ፈተና ካብ ኣናስር ኣትሒዙ፡ ናይ ዲያብሎስ እዩ፡ ፈተና ዲያብሎስ፡ ንኣመኔታ ኣብ እግዚኣብሔር ዝተናዀል ሰላሕታ እዩ፡ ማርያም ግና ነዚ ፈተና’ዚ በቲ እኔዅ ብዝብል መልሳ ኣሰነፈት፡

ሎሚ ነዚ ምጽናስን ምውላድን ብዘይ ሓጢኣት ምእዝዝትን ግልጽን ንእግዚኣብሔር ዝዀነ ጽባቔ ማርያም ኢና እነማዕደውን እንጥምትን እነስተንትንን፡፡

እቲ መልኣኽ ካብኣ ከደ   

ምስ እግዚኣብሔ ምዃን ሽሕራዊ ምፍታሕ ጸገም ማለት ኣይኰነን፡ ስለዚህ ናይ ማርያም ዕለታዊ ሕይወት ብዘይ ጸገምን ላዕልን ታሕትን ኣይነበረን ማለት ኣይኰነ፡ ከምዚ ምዃኑ ከኣ እቲ ናይ ሎሚ ወንጌል ኣብ ፍቕዲ 38፥ ብድሕርዚ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ ዝብል ቃል ነንብብ፡ ካብኣ ኸደ ዝብል ቃል ብሓቒ ከቢድ ኩነት ዘስምዕን ዝገልጽን እዩ፡ እቲ መልኣኽ ንድንግል ማርያም ኣብቲ ጽንኩር ዕለታዊ ሕይወታ ሓዲግዋ ይኸይድ፡ ንሳ ድሕሪ እቲ ብስራት መልኣኽ፡ ብኸመይ ኵነትን ኣብ ከመይ ኩነትን ኣደ ኣግዚኣብሔር ክምእትኸውን ኣይሰሓተቶን፡ ግና እቲ መልኣኽ እቲ ጽንኩር ኩነት ካብ ንማርያም ወጻኢ ንኻልእ ንማንም ኣይገለጾን። እቲ መልኣኽ ካብኣ ምስ ተፈለየ እቲ ጸገም ብኡንብኡ ደበኽ በለ፡ ካብቲ ናይቲ እዋኑ ሕግን ልምድን ወጻኢ ኰይንካ ምንባርን ነቲ ልምድን ሕግን ምጥሓስን ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ትከርን ሰቖቓን፡ እቲ ኵሉ ዝነበሮም ናይ ሕይወቶም መደብ ፋሕ ዘብል ዘጋጠሞም ኩነትን፡ ሕዝቢ እንታይ ክብል እዩ ዝብልን … ይዅን ደኣ እምበር ማርያም ኣብ ቅድሚ ኵሉ ጸገማታን ስቓያታን እማኔኣ ኣብ እግዚኣብሔር ኣንበረት፡ እቲ መልኣኽ ካብእ ኸደ፡ እግዚኣብሔር ግና ምስኣ ከምዝተረፈ ትኣምን፡ ወላ’ኳ ከምእተጸበኻዮ ኣይኹን ምስ እግዚኣብሔር ኩሉ ናብ ሰናይ እዩ ዘብል፡ ሓደ ሽግር ምስ ዝፍታሕ ካልእ ሽግር ይቕልቀል፡ ስለዚህ

እቲ ዓቢይ ጥበብ ከኣ ኣብ ሽግራት ጽግዕተይና ኰይንካ ዘይምንብር እዩ፡ ጥበብ ማርያም፡ ብእግዚኣብሔር ምእማንን ዕለት ብዕለቱ ኣብኡ ኣመኔታ ምግባርን፡ እኔዅ! ምባልን፡ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ሕይወት ናይ ምንባር ጸጋ ንቅድስቲ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ከተማልደልና ንለምን

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም።

 

08 December 2018, 15:29