ድለ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ቅዋሜ ኣሰናዳኢ ኮሚተ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ቅዋሜ ኣሰናዳኢ ኮሚተ 

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ቅዋሜ ኣሰናዳኢ ኮሚተ

መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ትሕቲ ሓዋርያዊ ስልጣን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝካየድ

ብዛዕባ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዝትይ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ኮሚተ ከምዝቖመ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳጳሳዊ ሓልዮ ሕጻናት ድርገት ኣባል ኣባ ዞልነር ዕለት 23 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኸምክር ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዘሰናድው ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቺካጐ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ብላሰ ኵፒችን ኣብ ህንዲ ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሺክሉናን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ማእከል ኣቦ መንበርን ጳጳሳዊ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድርገት ኣባል፡ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ካህን ኣባ ሃንስ ዞልነርን ዝሓቁፍ ኰሚተ ከምዘቖሙን፡ ናይታ ኣሰናዳኢት ኰሚቴ ወኪል ኣባ ዞልነር ክዀኑ ከምዝወሰኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ዝመርሕዎን ናይ መላእ ምስራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቀዳማውያን ሊቀ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተን፡ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተን፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቱ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተን፡ ናይ ካህናት ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተን፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርትን ናይ መላእ ዝተፈላለዩ ናይ ልኡካነ ወንጌል  ኣሕሉቕ ዝሓቍፍ ማሕበር ኣቦ መንበርን ናይ መላእ ደናግል ማሕበር ኣሕሉቕ ማሕበር ኣደ መንበርን ዝሳተፉ ምዃኖም ኣባ ዞልነር ገሊጾም።

እቲ ናይ ወርሒ ለካቲት ዓውደ ጉባኤ ንምስንዳው ኣብ ዝካየድ ናይ መቀራረቢ ዕዮ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዛዕባ ሕይወት ናይ ዝምልከት ጉዳይ ዋና ጸሓፊት ዶክተር ጋብሪኤላ ጋምቢኖን፡ ዛዕባ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊት ዶክተር ሊንዳ ጊሶኒን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓልዮ ድርገት ኣባላትን ብገለ ገለ ካህናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዝውክሉ ከምዝሳተፉ ኣባ ዞልነር ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ዛዘሙ ሎ ሶርቫቶረ ሮማና ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስት መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ናይ ወርሒ ለካቲት ዓውደ ጉባኤ ድሮ ተጀሚሩ ከበሃል ይከኣል ኢሎም፡ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ናይ መላእ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ሓዋርያዊ ስልጣን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝካየድ ኰይኑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ከይሁሉ ዝገብርን ናይ ቀድሚምካ ምጥንቃቕ ባህሊ ንምስፋሕ ዝድግፍን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ኣፍልጦን ዘስዓበላ ዓቢይ ሕፍረትን ካብዚ ነቒሉ እትነብሮ ጣዕሳን ኣብ ፍትሕን ሓቅን ዝቖመ እተመሓላልፎ ውሳኔ ዘመስርቕ ምስቲ ብብፁዕ ካርዲናል ኦመለይ ዝምራሕ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ብምትሕብባር ዝካየድ እውን እዩ ኢሎም።

 

24 November 2018, 17:25