ድለ

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔርን ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔርን 

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔርን

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣገዳስነት ሓድ ሕዳዊ ኣመኔታ ንናይ ሓባር ርክብ መሰረት ምዃኑን ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዳግም ንኽብገስ ተሓሲቡ ንዘሎ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ሕዝብታት ሕጋዊ ኣስተንፎ ንዘኽብር ናይ ሰላም ዘተ ዓቢይ ደጋፍ

ዕለት 15 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብበዓልቲ ቤቶምን ናይ ሃገሮም ናይ መንግስቲ ዓበይቲ ኣካላት ተሰዮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ረውቨን ሪቭሊን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናይ ሓባር ክርብ ክምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ራቭሊን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ እስራኤልን ብልኡካነ መንግስታት መሰረት ዝተበገሰ ርክብ ዝክረ መበል 25 ዓመት መቓን ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዘሎ እወታዊ ርክብ ዝተቓልሓሉን፡ ብመንግስቲ ደረጃን ከምኡ እውን ኣብ እስራኤል ምስ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘመእከለ ሰናይ ዝምድና ዘረጋገጸ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣገዳስነት ሓድ ሕዳዊ ኣመኔታ

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣገዳስነት ሓድ ሕዳዊ ኣመኔታ እዚ ኸኣ ንናይ ሓባር ርክብ መሰረት ምዃኑን ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዳግም ንኽብገስ ተሓሲቡ ንዘሎ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ሕዝብታት ሕጋዊ ኣስተንፎ ንዘኽብር ናይ ሰላም ዘተ ዓቢይ ደጋፍ ከምዝዀነ ኣብቲ ዝገለጸ ክሌኣዊ ርክብ፡ ብዛዕባ ሕቶ ኢየሩሳሌም ካብቲ እታ ቅድስቲ ከተማ ንኣይሁዳውያንን ክርስቲያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዘለዋ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ማዕቅፍ መሰረት ዝገበረ ሰላም ዝብል መንነታን ናይ ሰላም ጸዋዕታኣን ዘማእከለ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደን ኣፍሊጡ።

ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘተ ወሳኒ እዩ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶምን ናይ እስራኤል መራሔ መንግስትን እቲ ብዓመጽን ግጭትን ዝተሰምበረ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ህልው ኩነታትን ኣማእኪሎም፡ ኣብቲ ከባቢ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ምርግጋእን ክህሉ እቲ ናይቲ ከባቢ ህልው ኩነታት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቫቲካን፥ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔርን
16 November 2018, 17:24