ድለ

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ፓናማ መንእሰያት

ቅዱስ ኣቦና ናብ መንእሰያት ፓናማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብቲ ናይቲ ፍጻሜ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መርሕ ቃል፥ “…እነዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር፡ ከምቲ ዘረባኻ (ዝበልካዮ) ይኹነለይ” (ሉቃ. 1,38) ዝብል ቅድስቲ ማርያም ካብ እግዚኣብሔ ንዝቐረበላ ጸዋዕታ ዝሃበቶ መልሲ ምዃኑ ኣብሪሆም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ካብ ዕለት 22 ጥሪ ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናብ እተእንግድ ሃገረ ፓናማ መንእሰያት፥ ብሓቀይና ሰውራ ኣገልግሎት ካብ ገዛእ ርእስኹም ውጹን ናብ ካላኦት ኣብሉን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ ገዛእ ርእስኹም ወጺእኩም ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ስንድዋት ኵኑ፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ናይቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን በቢ ክልተ ዓመት ዝሰናደው ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምኽንያት ናይ 2019 ዓ.ም. ንኸተእንግድ ዝሓረይዋ ናብ መንእሰያት ሃገረ ፓናማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ፍጻሜ ንኽሳተፉ ናብ ፓናማ ዕለት 23 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ክኣትዉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ መርሓ ግብር ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ኣማእኪሎም ዕለት 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ኣስተርእዮ ለማያም ናብ ፓናማ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ካብ 2016 ዓ.ም. ካብቲ ኣብ ክራኮቪያ ካብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣትሒዞም ኣብ ኣስተርእዮ ለማርያም መንፈሳውነት ዘማእከለ ቅነ መንእሰያት ከምዘበገሱን ኣብዚ ናይ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሳልሳይ ፍጻሜ ከምዝዀነ ናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንእሰያት ዘማእከለ ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣስተምህሮን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ክትዓዪ ኣብ መንእሰያትን ዘተኰረ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ እውን ክካየድ ከምዝገበሩ የዘኻኽር።

ቅዱስ ኣቦና ናብ መንእሰያት ፓናማ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብቲ ናይቲ ፍጻሜ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መርሕ ቃል፥ “…እነዅ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር፡ ከምቲ ዘረባኻ (ዝበልካዮ) ይኹነለይ” (ሉቃ. 1,38) ዝብል ቅድስቲ ማርያም ካብ እግዚኣብሔ ንዝቐረበላ ጸዋዕታ ዝሃበቶ መልሲ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣገልግሎት ንእዚኣብሔርን ንብጻይን

ፍርሂ ማርያም፡ ምስጢር ጸዋዕታ ብርቱዕን ለጋስን ምዃን ይሓትት ዝብል እዩ፡ እዚ ማለት ካልኦት ንምግልጋል ክንየው ገዛእ ርእስነት ምባል ዝሓትት ምዃኑ የመላኽት፡ ሕይወትና ይብሉ ቅዱነቶም፡ ትርጉም ዝህልዎን ምስ ጥልቂ ትርጉሙ ዝራኸብ ንእግዚኣብሔርን ንብጻይን ኣብ ምግልጋል እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ፡ ካልኦት ንምሕጋዝን ምእንቲ እቶም ዝሳቐዩን ዝዀነ ነገር ንኽገብሩ ስንድዋት ምዃኖም ትዕዘብ፡ ሓይሊ መንእሰይ ወለዶ ዓለም ክቕይር ይኽእል፡ እዚ ኸኣ ነቲ ናይዚ ዓለም ብርቱዓት ዝበሃሉ ዓብላልያን ስልጣናት ዝሰዕር ብናይ ምግልጋ ሰውራ ምዃኑ ይሕብር።

ከም ዝበልካዮ ይዅነለይ ንምባል ዘድሊ ብርታዐ

ንብጻይ ምግልጋል ከም መደብ ስንድው ምዃን ጥራሕ ማለት ኣይኰነን፡ ምስ እግዚኣብሔር ምዝታይን ጽን ምባልን ይሓትት፡ ልክዕ ከም ማርያም ነቲ መልኣኽ ጽን ቢላ ኣስዒባ ዝሃበቶ መልሲ፡ ልክዕ ከምዚ ዓይነት ልባዊ ጽሞና ዝዓሰሎ ርክብ ምስ እግዚኣብሔርን መንነትናን እቲ ብዝተፈላለየ መዳይ ዝግለጽ ምስጢረ ተክሊል ድዩ ውፉይ ወይ ምስጢረ ክህነት ድዩ፡ ጐይታ ዘቕርበልና ጸዋዕታን ነለልይ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ጐይታ ካባና ዝጽበዮ እንታይ ምዃኑ ብምልላይ ደሓር እነዅልካ ናይ ምባል ብዝህልወና ብርታዐ ኢየሱስ ምስዓብ።

ፍስሃ ማርያም

ማርያም ሕጉስቲ እያ ነራ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብኣ ፍሉይ ዕላማ ንዝነበረ እግዚኣብሔር ለጋስ ብምዃና እዩ፡ እቲ ንኣና እግዚኣብሔር ዘለዎ ዕላማ ሕልምታትና ዘጥፍእ ዘይኰነስ ዓሚዩቕ ድላይና ዝውልዕ እዩ። እዚ ኸኣ ፍርያም ይገብር፡ ፍሽኽታን ሕጉሳት ኣልባብ ኣባና የዕንብብ፡ ንእግዚኣብሔር ርጉጽ መልሲ ምሃብ ነቲ መልሲ ወሃቢ የፈስህ ንኻልኦት ከኣ ሕጉሳት ይገብር።

ከይዲ ስንዳወ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ መንእሰያት ምስ እግዚኣብሔር ዝዝትዩ ክዀኑን እግዚኣብሔር ክዛረቦም ዝፈቕዱን ይኹን፡ እዚ ሕይወት ክልወጥን ብሓጐስ ክምላእን ብውሽጥኻ ክተስተውዕልን ይገብር ቢሎም፡ ናብ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መእሰያት ናብ ፓናማ ሰናይ ጉዕዞ መንእሰያ ተመንዮም፡ ናብቲ ናብ ቅነ መንእሰያት ዝግበር ዘሎ ናይ ምስንዳው ከይዲ ንናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ኣስተንፍሶ ክኸውን ተመንዮም፡ እቲ ናብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝግበር ዘሎ ምቅርራብ ትብዓትን ለጋስነትን ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሰንዮ ይኹን እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ፓናማ መንእሰያት

 

22 November 2018, 16:45