Cerca

Vatican News
ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ኣብ ኡክራይን፡ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ኣብ ኡክራይን፡   (ANSA)

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ኣብ ኡክራይን፡ ብጭራሽ ከምቲ ዝሓለፈ ዘሕዝን ፍጻሜ ክይህሉ

ኣብ ኡክራይን ተኸሲቱ ዝነበረ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝግመት ሕዝቢ ንሞት ዝዳረገ ብምልካዊ ስርዓት ስታሊን ኰነ ተባሂሉ ዝተፈጥረ ዓጸቦን ማእሰርትን ሞትን ኣብ መዳጐን ሰፈርን ስደትን መከራን ጅምላዊ መቕተልትን ብሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተፈጸመ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ዝብል ኣፍልጦ ዝተወሃቦን ቅድሚ 85 ዓመት ኣቢሉ ዝተፈጥረ ህልቂት ኣብታ ሃገር ዳግም ከይኽሰት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝትረኽብሉ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ዕለቱ ኣብ ኡክራይን ካብ 1929 ክሳብ 1933 ዓ.ም. ዝተኸስተ ሆሎዶሞር ዝብል መጸውዕ ዝተውሃቦ ሰብ ሰርሖ ዓጸቦን ስቓይን ዝኽሪ መበል 85 ዓመት ምኽንያ ኣብ ኡክራይን ሰላም ክረጋገጽን ብጭራሽ እቲ ዝሓለፈ ዘሕዝን ፍጻሜ ከይድገም ጸሎቶም ከምዝዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ድህረ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና፡ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ኡክራይን ተኸሲቱ ዝነበረ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝግመት ሕዝቢ ንሞት ዝዳረገ ብምልካዊ ስርዓት ስታሊን ኰነ ተባሂሉ ዝተፈጥረ ዓጸቦን ማእሰርትን ሞትን ኣብ መዳጐን ሰፈርን ስደትን መከራን ጅምላዊ መቕተልትን ብሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተፈጸመ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ዝብል ኣፍልጦ ዝተወሃቦን ቅድሚ 85 ዓመት ኣቢሉ ዝተፈጥረ ህልቂት ኣብታ ሃገር ዳግም ከይኽሰት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም ኣብታ ካብ 2014 ዓ.ም. ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ዝረኣየላ ሃገረ ኡክራይን ሰላም ዘውርድ ተግባር ክፍጸምን ሓድራ ቢሎም፡

ኡክራይን መበል 85 ዓመት ዝክረ እቲ ኣብ ልዕሌኣን ህዝባን ዘስካሕክሕ ዝተፈጸመ ተግባር ብዝተፈላለዩ መፈሳያንን ሰብኣውያንን መርሃ ግብርታት ተዘኺሩ ከምዝወዓለን እቲ ሆሎዶሞር ዝብል መጸውዕ ዝተውሃቦ ኢሰብኣዊ ተግባር ንብዙሓት ሞትን ስቓይን ስደትን መከራን ምኽንያ ከምዝዀነን ናይ ከቢድ ስቓይ ምስሊ እዩ፡ እቲ ኣብ ታራሪኽ ዝሓለፈ ምኽንያ ትዓቢይ ቁስሊ ዝዀነ ዘሕዝን ፍጻሜ ዳግም ከይኽሰት ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ፡ ነታ ክብርቲ ሃገርን ህዝባን ሰላምን ንጸልይ!

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

26 November 2018, 17:26