ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ብሰማዕትነት ተዕለቕልቕ ዘላ ሃገር ሶርያ ስቓይ ኢየሱስ ነማዕድው ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ብሰማዕትነት ተዕለቕልቕ ዘላ ሃገር ሶርያ ስቓይ ኢየሱስ ነማዕድው 

ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ብሰማዕትነት ተዕለቕልቕ ዘላ ሃገር ሶርያ ስቓይ ኢየሱስ ነማዕድው

ንኽርስቲያን ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘሳትፍ ካብ ሰማዕትነት ንላዕሊ ዝዓበየ ነገር ሓደ’ኳ የልቦን፡ ሰማዕታት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተስፋናን ክብሪ እያቶም፡

ኣብ ሶሪያን ፍራንቸስካውያን ኣሃው ኣባ ሓናን ኣባ ሉኣይን ናይታ ብሰማዕትነ ተዕለቕልቕ ዘላ ናይ ሃገሮም ተመክሮ ናብ ቅዱስ ኣቦና ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንቕዱስ ኣቦና ከምዘሕበሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱነቶም ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ናይ ምድሓን ታሪኽ ዘሳትፍ ካብ ሰማዕትነት ንላዕሊ ዝዓበየ ነገር ሓደ’ኳ የልቦን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ናብ ፍራንቸስካውያን ኣብ ሶሪያ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ነቶም ክልተ ፍራንቸስካውያን ካህናት ኣብ ሶሪያ፡ እታ ሃገር ትነብሮ ኣብ ዘላ ሰምዕትነት ዘሳትፍ ንዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ ምስክርነቶም ኣመስጊኖም፡ ናይ ስቓይኵም ተኻፋሊ ክኸውን ምንዮተይ እዩ፡ ንኣኻትኵምን ነቶም ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ብዓቢይ ስቓይ ዝነብር ንዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ቅርበተይ አረጋግጸልኩም፡ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይን ፈተናን ድኽነትን ናይ ዝሓረየ ኢየሱስ ስቓይን ካብ ገዛእ ሃገሩ ዝተሰጔ፡ ኢየሱስ እዩ፡ እቲ መምህር፡ ናይ ክርስትናና ምስጢርን፡ ኣባኹም ኣብታ ፍቕርቲ ሃገር ሶሪያ ሕዝቢ ስቓይ ኢየሱስ ንጥምት።

ንኽርስቲያን ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዘሳትፍ ካብ ሰማዕትነት ንላዕሊ ዝዓበየ ነገር ሓደ’ኳ የልቦን፡ ሰማዕታት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተስፋናን ክብሪ እያቶም፡ እዚ ዓይነት ምስክርነ’ዚ በቲ ዘናውጽ ተጻብኦነትን ዘይምርግጋእን ጽልእን ሰንቢድና ከይንጠፍእ ስምዖት እዩ፡ ሕይወት ዘቕርበልና ዘናውጽ ማዕበል ሒደት ኣይኰነን፡ ይዅን ደኣ እምበር ካብቲ ንህልውና ዝሰባብር ዘይተጸበናዮ ምድሓን ምልክት ናባና ኣበለ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ጐይታ ተገሪማን ብጽሞናን እቲ ንህላዌ ምሉእ ትርጉም ዝህብን ናይ ኣሕዛብ ድሕነት ዝዀነ ንጹሕ ወዳ ኣብ መስቀል ትጥምት።

ቅዱነቶም ኣስዒቦም፡ እቲ ክትገልጾ ዘይከኣል ስቓይኩም ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፥ “ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፡ … ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ከምዝብሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና፡ እንክብል ናብ ዝገለጾ መለኰታዊ ተስፋ ክልወጥ ኣብ መስዋዕቲ ቅዱስ ቁርባን ብዘይ ምቁራጽ ዝኩራተይ ኢኻትኩም፡ ኣብ ‘ዚ ኩሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነት ነቲ ዘፍቀረና ምስጋና ይዅኖ ሰዓርቲ ኢና እንክብሉ ኣጸናኒዕም፥

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ትሕቲ ጽላላ ተንብረናን ናይ ጽንዓት ጸጋ ተማልደልና ቢሎም ቡራኬይ አመሓላልፈልኩም፡ ልባዊ ቡራኬይ ንመላእ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጉስነትኵም ዝዕቆብ ማሕበረ ክርስቲያን አመሓላልፍ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን ኣፍሊጡ።

29 November 2018, 18:02