ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ህዝባዊ ድንጋጸ (ርህራሄ) ንቤተ ክርስቲያን ካብ ሕማም ዝከላኸል ኣገባብ እዩ

በራት መካነ ንግደት ርህው ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ብዝርኣይ ዘይተገዳስነት ባህሊ ዝተጠቕዔ ሕዝብና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣመኔታ ክህልዎ ዝድርኽ ቅድሱስ ስፍራ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡

ኣብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መካነ ንግደት ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ናይ መካነ ንግደት ኣሕሉቕን ኣብ መካነ ንግደት ሰብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ተቐቢሎም መካነ ንግደት ወይ ቅዱሳት ስፍራ ሕዝባዊ ሃይማኖተይናነት ዝንጸባረቐሉን ምሕረት እግዚኣብሔር ደረት ከምዘይብሉ እትስተማቕረሉ ቦታ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱሳት ስፍራ (መካነ ንግደት) መተካእታ ዘይርከቦም ሕያውነት ህዝባዊ ድንጋጸ (ርህራሄ) ዝዕቀበሎምን ህዝብና ተራን ገርሄይናን እምነት ብውልቀ ድላይ ንምግላጽ ኣሚቱ ዝርከበሎም ስፍራ እያቶም፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ካብ ዕለት 27 ሕዳር ክሳብ ዕለት 29 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መካነ ንግደት ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኸፍቱ በራት ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ናይ መካነ ንግደት ዋና ሓለፍትን ናይ መካነ ንግደት መንፍሳዊ ኣገልገልትን ዝምልከት ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ተጋብእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ መካነ ድግደት ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝተከፍቱ በራት ዝብል ሓሳብን ተግባርን ኣብታ Evangelii Nuntiandi - ሓላፍነት ንኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ኣርእስቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ፍቕዲ 48 እቲ ሕዝባዊ ሃማኖተይናነት ዝብል ቃል ናብ ህዝባዊ ደንጋጸ (ርህራሄ) ከዝቐየርዎን እዚ ኸኣ ብዘይ ምኽንያት ከምዘይኰነ ክርሳዕ የብሉን፡ ስለዚህ ህዝባዊ ድንጋጸ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ዝተፈላለዩ ልክፍተ ሕማም ዝከላኸል ኣገባብ ምዃኑ እዩ ዘገንዝብ ኢሎም።

መካነ ንግደት ቀዳምነት ንመንፈሳውያን ነጋዶ ዝብል እምበር ቝጠባዊ ሕቶ ኣይኰነን

ቅዱስነቶም ኣብ ቅድሚ እቶም ካብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ካብ ዝርከቡ መካነ ንግደት ዝመጹ ናይ መካነ ንግደ ኣሕሉቕ ካህናትን ኣብ መካነ ንግደት ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝፍጽሙ ልኡካን ይብሉ፡ ብዙሕ እዋን መካነ ንግደት ነቶም ተወዲቦም ምብጻሕ ንዘካይዱ ጉጅለታት እምበር ብውልቆም ንዝመጹ መፈሳውያን ነጋዲ ከም ውልቂ ብዙሕ ትኵረት ዘይወሃበሉ ስፍራ ኰይኑ ምርኣይ ብሓቂ የሕዝን፡ ምእመናን ብውልቆም ወይ ተወዲቦም ብማሕበር ይምጽኡ ክእንገዱን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እዩ ክበሃል ዘለዎ፡ ካብ ርሑቅ ተጓዕዝካ ትመጽእ እሞ እቲ ዝመጻኻሉ መካነ ንግደት ተዓጽዩ ክጸንሓካ እንከሎ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን፡ ስለዚህ በራት መካነ ንግደት ርህው ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ብዝርኣይ ዘይተገዳስነት ባህሊ ዝተጠቕዔ ሕዝብና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣመኔታ ክህልዎ ዝድርኽ ቅድሱስ ስፍራ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡

ካብ ንቝጠባ ንበጻሒ መንፈሳዊ ነጋዶ እዩ ቀዳምነት ክበህል ዘለዎ፡ ስለዚህ ትኵረት ክግበረሉ ዝግብኦ ንመፈሳዊ ነጋዲ እዩ፡ ኣብ ገዝኡ ከይኑ ክስምዖ ዘኽእል ሃዋሁ ምፍጣን፡ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዝ ዝመጻሉ ቤቱ፡ በጺሔ ቢሉ ዝዓርፈሉ ቤት እዩ።

ኣብ መካነ ንግደት ማርያም ብብርሁ ገጽ ምጽንናዕ ትጽግው

መካነ ንግደት ቅድም ቀዳድም ናይ ጾሎት ቦታ እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ ንርህራሄን ድንጋጸን ማርያም ዝውከፍ እዩ፡ እዚ ናይ መንፈሳውነት ማእከል ወይ ዓይኒ ቅድስቲ ማርያም ናይ ኣደነት መፍቀርቲ ኣእዳዋ እትዝርግሓሉን ምጽንናዕ እትዕድለሉን ነቲ ካብኣ ጸጋ ንኽተማልደሉ የዕንቱ ናብኣ ዘብል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዝፍጽሞ ጉዕዞኡ ተሰንይ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብቶም መካነ ንግደት ምስጢራት ብምስራዕ ድሕነት ተህልውን ፍርያም ትገብርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ነጋዲ ኣብ ልቡ ብጽሞና ዘቕርቦ ጸሎት ናታ ገይራ ተዕርገሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ ኢሎም።

ምሕረት ደረት ኣልቦ እዩ

ምሕረት ኣምላኽ ደረት ኣልቦ እዩ፡ ስለዚ ከበድ ሓጢኣቱ ተሰኪሙ ናብ መካከ ንግደት ዝነግድ መንፈሳዊ ነጋዲ ኣብ ዝበጽሓሉ ወይ ኣብ ዝነግደሉ መካነ ንግደት መጻእተይናን ወጻእተይናን ኰይኑ ክስምዖ የብሉን፡ መካነ ንግደት ናይ ምሕረት በራት እያቶም

ምሕረት ክንበር እንከሎን ተመክሮ ክይኑ ክንበር እንከሎ፡ ጭቡጥ መጋበርያ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ ዝኸውን፡ ስለምንታይ እቶም ምሕረት ዝቕበሉ ናብ ናይ ምሕረት መሰካኽር ስለ ዝቕይሮም!

ምስጢረ ንስሓ ቅዱሳትን ብብቕዓት ዝተሓንጹ ካህናት ይሓትት

ኣብ መካነ ንግደት ብዙሕ እዋን ምስጢረ ዕርቅን ንስሓን ይበዓ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ መካነ ንግደ ምስጢረ ንስሓ ዝሰርዑ ቅዱሳትን ብብቕዓት ዝተሓንጹን ካህናት ክህልዉ ኣገዳሲ እዩ፡ ምስ መሓሪ ጐይታ ምርኻብ ዘለዎ መቐረት ከተስተማቕርን ዘብቅዑ፡ ኣውነተይና ልኡካነ ምሕረት። ስለዚህ ብዘይ ቅድመ ፍርድ ብጥልቂ ኣስተውዕሎ እምነ ምስ ሕዝቢ ዝራኸቡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ንዀሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ መካነ ንግደት ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣደ ድሕሪ ቅዳሴ ቡርኬ እውን ዝተቐበላ ክነሰን መሊሰን እናተዘዋወራ ካብቶም ኣብቲ መካነ ንግደ ዝተነብሩ ቅዱሳት ምስልታት ኣውን ቡራኬ ይሓታ እሞ፡ ኣብ ፍጻሜ ቅድሴ ቡራኪ ተቐቢልክን ኢኽን እንተተበሃላ፥ እው ተቐቢለ እየ፡ ክትክፍ ስለ ዝደለኹ እየ፡ ኣብ ምትንካፍ ዝግለጽን ዝንበርን ድንጋጼ ሃማኖት እዚ እዩ፡ ክትንፋ .. እግዚኣብሔር ክትንክፋ ዝብል እዩ ድላየን እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

30 November 2018, 17:47