ድለ

ር.ሊ.ጳ.ን ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይን፥ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ክርስቲያን ኣይምሃለወን ር.ሊ.ጳ.ን ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይን፥ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ክርስቲያን ኣይምሃለወን 

ር.ሊ.ጳ.ን ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይን፥ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ክርስቲያን ኣይምሃለወን

እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ምብራቕ ቤተ ክርስቲያን ኣሶርን ንሓድነት ኣሚቱ ብናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዝገብሮ ጉዕዞ ዘዕትሮ ዘሎ ምዕቡል ስጉምቲ ንእግዚኣብሔር ፍልዩ ምስጋና ንምቕራብ ዝድርኽ ምዃኑ ኣብሪሆም፡

ትማሊ ዕለት 9 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣሶር ምብራቓዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይን ኣሰነይቶምን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ተቐቢሎ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ሞንጐ ካቶሊካዊትን ምብራቓዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሶርን ንቕድሚት ዝስጉም ዘሎ ናብ ሓድነት ጉዕዞን ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዝብሉ ጉዳያትን ኣማእኪሎም ከምዝመኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣሶር ምራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይን ኣሰነይቶምን ተቐቢሎም ስነ ስርዓት ሌላ ምስ ተኻየደ ስዒቡ እውን ስነ ስርዓት ምልውዋጥ ገጸ በረከት ምስ ተፈጸመ፡ ቅዱስ ኣቦናን ኵላዊ ፓትሪያርክ ናይ ምብራቕ ቤተ ክርስቲያን ኣሶርን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ምእንቲ ዝሳዳደዱ ማሕበረ ክስቲያን ጸልዮም ምስ ኣብቅዑ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ኣሶር ምራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘተ ዝሓልይ ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣባላት ዘሳተፈ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ሰነድ ከምእተፈራረሙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብቲ ዓመጽ ዝፈጥሮ ስቓይ ናይ ሓባር ሱታፌ

ቅዱስ ኣቦና ንኩላዊ ፓትሪያርክ ናይ ኣሶር ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ገዋርጊስ ሳልሳይ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኵላዊ ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይ ዕለት 17 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ምብጻሕን ዝተኻየደ ርክብን ከምኡ እውን እቲ ዕለት 7 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየደ ናይ ሓባር መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተራኺቦም ከምዝነበሩን ዘኪሮም፥

“እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ዝወርዶም ዓመጽ ዘስዕበሎም ስቓይን መከራን ናይ ዝነብርዎ ዘለዉ መዓትን ብዙሕ ግዜ ከባቢኦም ሓዲጐም ንኽስደዱ ናይ ዝግደዱን ስቓይ ተኻፈልቲ ኢና፡ እቶም ናይቲ ከባቢ ክርስቲያን ኣሕዋትና ዋላ’ኳ ምእመናን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ይኹኑ ኣሰር ክርስቶስ ዝስዕብ ፍኖተ መስቀል ዝነብሩ እያቶም፡ እቲ ኣብ መንጐኦም ዝነብርዎ ሕውነት ንኣና ናይ ሓድነት ምስክርነት እዩ”

ቢሎም፡ እቲ ከቢድ ስቓይ ዘስዕብ መከራ ከብቅዕ ጐይታ ንማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ሰላሙ ከውርድ ብሓባር ንጽልይ።

ኣብ ጐደና ሓድነት ዝተበጽሑ ምዕባሌታት

እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ምብራቕ ቤተ ክርስቲያን ኣሶርን ንሓድነት ኣሚቱ ብናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዝገብሮ ጉዕዞ ዘዕትሮ ዘሎ ምዕቡል ስጉምቲ ንእግዚኣብሔር ፍልዩ ምስጋና ንምቕራብ ዝድርኽ ምዃኑ ኣብሪሆም፡

“እቲ ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዘካይዶ ዘተ እቲ ጭቡጥን ስነ ስርዓታዊ ፍልልያት ኵሉ ሳዕ ንሓድነት ዝዕንቅፍ ከምዘይኰነ የረጋግጸልና፡ ስለዚህ ቲዮሎጊያዊ ኣገላልጻ ዘመንጨዎ ዘጋጨው ዝምስል ፍልልያት ተማላላኢ ምዃኑ ምስትውዓል ዝሓሸ እዩ።”

ኣስዒቦም እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ጉዳይ ሕይወት ቅዱሳት ምስጢራት ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተበጽሔ ስምምዕ ዘኪሮም፡ ስዒቡ ኣብቲ ሳልሳይ ደረጃ ንሱ ኸኣ ኣብ ርእሰ ጉዳይ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን  ኣማእኪሉ እቲ ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናብቲ ናይ ሓባር ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ዘብጽሕ ስምምዕ ዘሰንይ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡

ትምህርቲ ናይ ዝሓለፉ መሰኻኽር

እቲ ብሓባር እንካይዶ ጉዕዞ ዕቃቤ ተዘክሮ ዝሓትት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ምስክርነት ምምሃር ዝብል እዩ፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ናይታ ናይ መሶጶጣሚያ ከተማ ዝነበረት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ እትርከብ ከተማ ኑሳይቢን ሜጥሮፖሊታ ዝነበሩ ኣብናይ ኣሶር ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያንን ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያንን ብሓባር ለምዘበን መበል 700 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቶም ዝፍጽማሎም ዓበይቲ ናይ ኣሶር ምብራቓዊ ባህሊ ዓብይ ጸሓፍን ደራስን ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣብዲሾ ባር በሪካ ጠቒሶም፡ እዞም ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፍላይ ከኣ ካብቶም ሊቀ ሊቃውንት ዛዕባ ሕገ ቀኖና ዝነበሩ ናይ ኣሶር ባህሊ ሃብትታቱ ኣብ ኩሉ ክፍልፍጥን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጸጋ ኰይኑ ተቐባልነት ክህልዎ ይደግፈና ኢሎም።

ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ

ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኵላዊት ኣሶር ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ክታትሞም ዘንበርሉ እቲ ሸሞንተ ዓበይቲ ኣርእስቲ ዘለዉ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ናይቲ ናይ ዝተኻየደ ርክብ መዛዘሚ መደብ ከምዝነበረን፡ ኣብ መቓን ቤተ ጸሎት እመ መድሃኒ ዓለም ንቡር ከይኑ ብቐዳምነት ስለ እቲ ኣብ ሞንጐ እተን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞ ንሓድነት ዝዕተር ዘሎ ምቅርራብ ኣብ እምነትን ፍቕርን ምስጋናን ውዳሴን ንእግዚኣብሔር ዝብልን፡ እዚ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝተራእየ ሓቂ ከምዝዀነን፡ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ከምዚ ዓይነት ምቅርራብ እውን ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ዘመላኽትን፡ ነቲ ሓደ መዓልቲ ክብጻሕ ዝድለይ ብሓባር ኣብ መንበረ ታቦት መስዋዕቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ዝሊጡርጊያሉን ናይ ሓባር ምክፋል ዘለዎ ወንጌል ብሓባር ዝምስክራሉ ዕለት ተስፋ ዝገበረ ሰነድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስቓይን መከራን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣብ ዒራቕን ሶሪያ

ብተወሳኺ እቲ ናይ ሓባር ሰነድ፡ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ናይቲ ከባቢ ክርስቲያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሕልፍዎን ዝነብርዎን ዘለዉ ስቓይን መካራን ብፍላይ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ዘሎ መከራ ዘኪሩ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ብዘሎ ብምንም ዓይነት መገድ ምኽንያታዊ ክኸውን ብዘይኽእል ዓመጽን ቅልውላውን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ስቓዮም ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያን ናቱ ክገብሮን እቲ ካብ ጥንቲ ዘመን ሓዋርያት ኣትሑዚ ዝነበረ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ብሓባር ብሰላም ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ክስደድን እቲ ከባቢ ብዘይ ክርስቲያን ክተርፍ ዝብል ስግኣት የሕድር ከምዘሎን እውን ሓቢሩ፡ እቲ ስቓይን መስዋዕትነትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንናይ ክርስቲያን ዘርኢ ሓድነትን ውህደትን እዩ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ከምዝዀነ ይሕብር።

ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሓድ ሕዳዊ ምክብባርን ምክብባርን መሬት

ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ክርስቲያን ክተርፍ ዘይሕሰብ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ እቲ ናይ ሓባር ሰነድ ብኣጽዖን ብምምልኻት፡ ማሕበረ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ብሃባር፡ እቲ ተኸኣኢልካን ተቐባቢልካን ተኸባቢርካን ናይ ምንባር ዕሴት ዝዀነ ናይቲ ከባቢ መግለጺ መንነት ክምስክሩ ዝዕድም ምሕጽንታ ብምቕራብ፡ ብዘይ ፍትሒ ነባሪ ሰላም ክመጽእ ዘይሕሰብ እዩ እሞ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግብኡነትን ኣፍልጦ ዝህብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ከቕርብ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ኩነታት ክሳብ ክንድዚ ኣዚዩ ጽንኩር ምስ ዝኸውን ክሳብ ክንድኡ ኣብ ግልጽነትን ክፉትን ሓቅን ፍቕርን ዝቘመ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ሞንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ ይኸውን፡    ብዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

10 November 2018, 17:17