ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቲቩ2000፡ ማርያም ኣደ ምግባረ ብልሽዋት ክትከው ዘይከኣል እዩ

ኢጐነታውነት ዳርጋ ሳጥናኤላዊ ክበሃል ዝከኣል ምርጫታት እዩ ዘፈጽሙ፡ ኣብ ውሳጤን ብውሳጤን ኰይኖም ማዕጾ ምስ ዝሽግጡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ማርያም ክትኣትው ዝእግዱን ኣደ ክትኣትው ዘይፈቕዱን ይዀኑ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ገዛእ ርእሶም ይዕጸዉ፡ ኣደ ዘይተድልዮምን ኣካል ሕብረተሰብን ስድራ ቤትም ምዃን ዘየድልዮም ይዀኑ፡

ዕለት 27 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ጸሎት ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞም ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ 2000 እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣቢሎም ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማርኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ወትሩ ሰሉስ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል ሎሚ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ሓሙሽተን ደቓይቕ ሻብዓይ ፍጻሜ ኣስተንትኖ ለጊሶም።

ጸሎት ንምግባረ ብልሽዋት ዓለም ብኣኦም ከምዘይጀመረን ኣብኦም እውን ከምዘይድምደምን ንኸስተውዕሉ ዝድርኽ ከም ርእደ መሬት እዩ ዘናውጾም …

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ  ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ሻብዓይ ኣስተንትኖ ጸሎት ሰላም ለኪ ትምህርተ እምነት፡ ምግባረ ብልሽውና ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም፡ ሓጢኣተይና ኣይኰንኩን እንተድኣ ትብል ኰይንካ ምግባረ ብልሽው ኢኻ ማለት እዩ፡

ምግባረ ብልሽዋት

ማርያም ኣደ ምግባረ ብልሽዋት ክትከውን ዘይከኣል እዩ፡ ስለምንታይ ምግባረ ብልሽዋት ኣዴኦም ከይተረፉ ንምሻጥ ድሕር ዘይብሉ ስለ ዝዀኑ፡ ኣካልነት ክፍሊ ሕብረተሰብን ስድራ ቤትን ምዃኖም ዝሸጡ እውን እያቶም፡ ብዘይ ምቍራጽ ዝደልይዎ ኤኮኖሚያዊ መኽሰብ ጥራሕ እዩ፡ ኢጐነታውነት ዳርጋ ሳጥናኤላዊ ክበሃል ዝከኣል ምርጫታት እዩ ዘፈጽሙ፡  ኣብ ውሳጤን ብውሳጤን ኰይኖም ማዕጾ ምስ ዝሽግጡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ማርያም ክትኣትው ዝእግዱን ኣደ ክትኣትው ዘይፈቕዱን ይዀኑ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ገዛእ ርእሶም ይዕጸዉ፡ ኣደ ዘይተድልዮምን ኣካል ሕብረተሰብን ስድራ ቤትም ምዃን ዘየድልዮም ይዀኑ፡ ኣብ ኢጐነት ይነብሩ፡ ኣቦ ኢጐነት ከኣ ዲያብሎስ እዩ፡ ጸሎት ንምግባረ ብልሽዋት ዓለም ብኣኦም ከምዘይጀመረን ኣብኦም እውን ከምዝይድምደም ንኸስተውዕሉ ዝድርኽ ከም ርእደ መሬት እዩ ዘናውጾም።

ማርያም ኣንጋዲ ኵሉ

ይዅን ደኣ እምበር ማርያም ንዅሉ እተእንግድ እያ፡ ንኣና ሓጥኣን ምስ ሓጢኣትናን ኣብ ጐደና ሕይወት ምእንታና እናጸለየት ተሰንየና፡ ንማርያም ክንብላ ዝግብኣና፡ ኣነ ሓጥኣተይናን እየ እም ዓቅብኒ ምባል እዩ፡ ንሳ ክትዕቅበና እያ ምስ በሉ ተመክሮ ሕጻንነቶም ዘኪሮም፡ ኣደይ ይብሉ ንኣይን ነርባዕተ ኣሕዋተይን ብጠቕላላ ንሓሙሽቴና፥ ልክዕ ከም ናይ ሕንቲ ኢደይ ኣጻብዕቲ ሓሙሽተ ኢኻትኩም፡ ልክዕ ከምተን ሓሙሽተ ኣጻብዕተይ ዝተፈላለይ ምዃን ዘለኩም፡ ንስኻትኵም ሓሙሽቴዅም ዝተፈላለኹም እውን እንተዀንኩም ሓንቲ ኣጻብዕቲ ክትቕንዞ ኩሎም እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኣጻብዕቲ ሓቢሮም እዮም ዝሳቐዩ ክትብል ትገልጸና ነይራ፡

ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ሻብዓይ ፍጻሜ ኣስተንትኖ ቅዱስነቶም

ኣብዚ ዕለት 27 ሕዳር 2018 ዓ.ም ዝተመሓላለፈ ሻብዓይን ፍጻሜ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት ሰላም ለኪ፡ ሓሳብ ከቕርቡን ብዛዕባኡ ካብ ተመክሮኦም ተበጊሶም ብቓለ መሕትት ርእይቶኦም ክህቡ፡ ብቐዳምነት ናይ ቺነማ ደራሲትን ቀራጺትን ደራሲትን ናይ ስነ ትያትር ጠቢብ ኢጣሊያዊት ክርስቲና ኮመንቺኒን ኣብ ፓዶቫ ቤት ማእሰርቱ ሕቡስ ኣንቶኒዮን ከምእተዓደሙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ሰላም ለኪ ርእሰ ጉዳይ ኣሞርክ1ይዞም ኣባ ማርኮ ፖዛ ዘቕርቡሎም ቃለ መሕትት መሰረት ዝልግስዎ ዘለዉ ቃለ ኣስተንትኖ ብሪዞሊን ብቫቲካን ቤት ማሕተም ተሓቲሙ ድሮ ንንባብ ከምዝበቕዔን ኣብ 22 ሃገራት ብ10 ቋንቋ ተሓቲሙ ከምእተዘርገሔ የዛኻኽር።

 

27 November 2018, 16:56