ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ዘይጽሩይ ማይ ምኽንያት ሓደጋ ሞት ክኸውን ብሓቂ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሕፍረት እዩ

ስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ብንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ሸመተን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን እናበኣሰ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ብዙሓት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ተነፊግዎም ኣሎ፡

ዝስተይ ጽሩይ ማይ ንዅሉ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናብ ዝመክር ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና፥ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ምርካብ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሎ መሰል ብምዃኑ ነቲ ሃብቲ ማይ ከም ማንም ዓይነት ጥሪት ምብሓት ዝብል ዓይነት ኣመሓድራ ሃብቲ ማይ ዝጻረር እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ፥ ምሕደራ ናይ ሓባር ሃብቲ፡ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ንዅሉ ብዝብል ኣራእስቲ ተመሪሑ ዕለት 8 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናብ ዝተኸፍተ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ማይ ናይ ሕይወት መሰረት እዩ፡ ኣብ ዓለም ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ኣብዚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን’ዚ እቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዝዀነ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ምርካብ ተነፊግዎም ክሳቐዩን ዘይጽሩይ ማይ ብምጥቃም ንሕማምን ሞትን ክቃልዑ ምርኣይ ብሓቂ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሕፍረት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ … ብዓይኒ እምነት ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ እነንብቦ፡ ኣብ ጽሙእ ሰብ ጽምኣት ውጅሂ እግዚኣብሔር ከምዘሎ ነስተውዕል፡ … ጸሚኤ ግና ዝስተይ ማይ ኣይሃብኵምንን

ኤኮኖሚያው ረብሓ ብዙሓት ጽሩይ ማይ ንኸይረኽቡ ይድርኽ ኣሎ

ስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ብንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ሸመተን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን እናበኣሰ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ብዙሓት ዝስተይ ጽሩይ ማይ ተነፊግዎም ኣሎ፡ እቲ ዝገርም ሕጽረት ሸመተን ምሕርትን ናይ ውግእ ኣጽዋር ጐዲሉ ኣይፈልጥን፡ እቲ መሰረተ ሕይወት ዝዀነ ማይ ክሰኣን ግና ይረአይ፡ እቲ ጸረ ሕይወት ዝዀነ ኣጽዋር ውግእ ኣይሰኣንን፡ ምግባረ ብልሽውናን ኤኮኖሚያዊ ረብሓ እቲ ንኹሉ ውሑስ ክኸውን ዝግብኦ ጽሩይ ማይ ምርካብን ምትሕብባርን ይቐብሮ ኣሎ።

ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያን

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይ ሕቶ ሕጹጽ ዓለም ሓቆፋዊ ምላሽ ዘድልዮ እዩ፡ ነዚ ዓይነት ዓቢይ ጸገም ንምብዳህ፡ ብዅለ መዳይ፡ ውዳቤን ተቕዋማትን ምዕበለ ዕደ ጥበብን ሃብቲ ገንዘብ ምውፋርን ጽቡቕ ድላይን ቆራጽነትን የድሊ፡ ቅድስቲ መንበርን ቤተ ክርስቲያንን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ጽሩይ ማይ ንዅሉ ብዝብል ዕላማ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝካይዳን ቀረብ ስዝተይ ጽሩይ ማይ ውሕስ ኣብ ምግባር ከምዝዓያን እዚ ኸኣ ብመዳይ ሕንጸትን ኣብ ምስንዳው ትሕቲ ቅርጽታትን ዝፍጸም ኰይኑ፡ ነዚ ጉይዳይ’ዚ ብመዳይ ስነ ምግባርን ብመትከል ወንጌልን ብምስፋሕ ጥዑይ ስነ ሰብእ ኣቢላ ብምንቕቓሕ ዘሳልጥኦ ተልእኾ ምዃኑ ይገልጹ።

ዘሰንብድ ጸብጻብ

ልዕሊ 2,1 ሚሊያርድ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ኣባይቶም ማይ ዘይብሎምን፡ ልዕሊ 1 ሚሊያርድ ከኣ ጽሩይ ማይ ዳርጋ ዘይረክብን ካብ 3 ክሳብ 4 ሚሊያርድ ዝግመት ከኣ ብስእነት እዅል ማይ ከምዝሳቐይን ጸብጻብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓልዮ ሕጻናት ከምዝሕብሮ እውን ኣብ መዓልቲ 700 ሕጻናት ዝስተ ጽሩይ ማይ ዘይምርካብ ብዘስዕቦ ሕማምን ብስእነት ብቑዕ ክንክን ጥዕና ዘይምርካብን ከምዝሞቱ ዘመልክቶ ጸብጻብ ዝተወከሱ ቅዱስ ኣቦና፡ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ዘይምርካብ ንእነብረሉ ዓለም ዓቢይ ሕፍረት እዩ ኢሎም።

እቲ ዛዕባ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ንዅሉ ዝመክር ዓውደ ጉባኤ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ይሴባህ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘንበርዎ ብዛዕባ ምህዳርን ፍጥረትን ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም መሰረት ገይሮም ነዚ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ጽሩይ ማይ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ፈረንሳን ኢጣሊያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሞናኰን ልኡካነ መንግስታት ብምትሕብባር ዘሰናደውዎ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣበርክቶ ባህልታት

ብዛዕባ ማይ ዝምልከት ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝተፈላለዩ መንፈሳውነትን ዘለዎም ዓቢይ ግደ እንታይ ከምዝመስልን ዛዕባ ምሕደራ ሃብቲ ተፈጥሮን ኣብዚ መዳይ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓላፍነትን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ከባቢ ኣማዞንን ሃብቲ ማይ ንምህርቲ ጸዓት ምጥቃም ብዝብል መደብን ብዝኽሰት ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝወርዶ ዘሎ መጉዳእትን ብከላን ከምኡ እውን ምዝመዛ ወሓይዝን ዝብሉ ነብጥብታት ኣማእኪሉ ከምዝዝትይ ነዚ ኣስዒቡ እውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኩሉ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ክረክብ ንዝግበር ጻዕሪ ምርግጋጽ ኣበርክቶ ንምቕራብን ሰብኣዊ ፍጥረት ጽሩይ ማይ ንኸይረክብ ዝድርዀ ምኽንያት ዘርዚሩ ብምቕራብ መፍትሒ ከምዘመላኽትን ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ሊቃውንትን ናይ ስነ ምርምር ኣካላትን ምሁራትን ኣሳቲፉ ይካየድ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ዘይጽሩይ ማይ ምኽንያት ሓደጋ ሞት ክኸውን ብሓቂ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሕፍረት እዩ
09 November 2018, 17:14